Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all12 bible verses about
ብሩሮም ኣብ ኣደባባያት ኪድርብዮ፣ ወርቆም ከኣ ከም ርኹስ ነገር ኪኸውን እዩ። ብሩሮምን ወርቆምን ናይ ሓጢኣቶም እምኒ መዓንቀፊ ስለ ዝዀነ፣ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኬድሕኖም ኣይተኻእሎን፣ ንጥሜቶም ኣይኬጽግቦን፣ ንኸብዶምውን ኣይኪመልኣሎምን እዩ።
Translation | Contextንሱ ግና በየነይቲ መገዲ ኸም ዝኸይድ ይፈልጥ እዩ፡ ይፈትነኒ፡ ከም ወርቂ ዀይነ ኸኣ ክወጽእ እየ።
Translation | Contextብጥበብካን በእምሮኻን ሃብቲ ኣጥሬኻ፣ ኣብ መዛግብካ ድማ ወርቅን ብሩርን ኣከብካ።
Translation | Contextፍረይ ካብ ወርቂ ኤረ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ደኣ፡ ረብሓይ ከኣ ካብ ሕሩይ ብሩር ይበልጽ።
Translation | Contextእቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዚዅላዕ ንሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ኺርከብ፡ እንተ ኣድለየስ፡ ሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጕሄኹም፡ ብእኡ ኽትሕጐሱ ኢኹም። ነዚ ኸይርኤኩምዎ እተፍቅርዎ፡ ሕጂውን ከይርኤኹምዎ ብእኡ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ነቲ መደምደምታ እምነትኩም፡ ንሱ ድማ ምድሓን ነፍሳትኩም፡ ምስ ረኸብኩምዎ፡ ብዘይንገርን ክቡርን ሓጐስ ትሕጐሱ ኢኹም።
Translation | Contextስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን።
Translation | Contextሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ ወርቂ፡ ብሩር፡ ክቡር እምኒ፡ ዕጨይቲ፡ ሳዕሪ ወይስ ሓሰር እንተ ሰርሔ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ፡ ክትቀልዖ እያ። ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ኪግሃድ እዩ፡ ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ እዩ። ሰብ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተሃንጸ ዕዮ እንተ ጸንዓሉ፡ ዓስቢ ኪቕበል እዩ።
Translation | Contextኣነ ኸኣ ነቶም ሲሶ ናብ ሓዊ ኸእትዎም፣ ብሩር ከም ዚዅላዕ ክዅልዖም፣ ወርቂ ኸም ዚፍተን ክፍትኖም እየ። ስመይ ክጽውዑ እዮም፣ ኣንውን ክሰምዖም እየ። ህዝበይ እዩ፣ ክብል እየ። ንሱውን፣ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ እዩ፣ ኪብል እዩ።
Translation | Contextስለዚ ንትእዛዛትካ ኻብ ወርቂ፣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኣብሊጸ እፈትዎ አሎኹ።
Translation | Contextመምከኺ ንብሩር፡ እቶን ከኣ ንወርቂ እዩ፡ ንልቢ ዚፍትኖ ግና እግዚኣብሄር እዩ።
Translation | Contextወርቂ ኰነ፡ ብሩር ኰነ ኣስራዚ ኣብ ቅናውትኹም ኣይትቛጽሩ።
Translation | Contextምእንቲ ኽትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ካባይ ክትዕድግ፡ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቅላዕን ክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ኽዳውንቲ፡ ምእንቲ ኽትርኢ ነዒንትኻ ኽትኰሐለሉውን ኵሕሊ ኻባይ ክትዕድግ እመኽረካ አሎኹ።
Translation | Context