Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all5 bible verses about
ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።
Translation | Contextእቶም ነቲ እከይሲ ሰናይ፡ ንሰናይ ከኣ እከይ ዚብሉ፡ ንጸልማትሲ ብርሃን፡ ንብርሃን ድማ ጸልማት ዚገብርዎ፡ ንመሪርሲ ጥዑም፡ ንጥዑምውን መሪር ዚገብርዎ ወይለኦም።
Translation | Contextብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ። እቶም ረሲኣን ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቚብቚ እዮም እምበር፣ ከምዚ ኣይኰኑን። ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ፣ መገዲ ረሲአን ግና ኽትጠፍእ እያ እሞ፣ ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርዲ፣ ሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ጻድቃን ኣይኪቘሙን እዮም።
Translation | Contextኣብ መገዲ ኪኸይድ ከሎ ድማ፡ ሓደ ናብኡ ጐየየ፡ ተምበርኪኹውን፡ ኣታ ሄር መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፡ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ሐተቶ። የሱስ ከኣ፡ ንምንታይ ሄር ትብለኒ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽ ሄር የልቦን። ነቲ ትእዛዛት ትፈልጦ አሎኻ፡ እኒ ኣይትቕተል፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትዓምጽ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ መምህር፡ እዚ ዅሉስ ካብ ንእስነታይ ጀሚረ እሕልዎ አሎኹ፡ በሎ። የሱስ ከኣ ጠሚቱ ፈተዎ እሞ፡ ሓንቲ ጐዲላትካ። ኪድ፡ ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ ንዓ ስዓበኒ በሎ። ንሱ ግና በዚ ቓልዚ ተኸፍኤ፡ ብዙሕ ጥሪት ነበሮ እሞ፡ እናጐሃየ ኸደ።
Translation | Contextንዅሉ ተዓዘብዎ፡ ነቲ ሰናይ ሐዝዎ።
Translation | Context