Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።
Translation | Contextሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።
Translation | Contextትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ እሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ እምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ።
Translation | Contextብጸጋ ካብ ዚኸውን ግና፡ እምበኣርስከ ካብ ግብሪ ኣይኮነን። ብዘይእዝስ እቲ ጸጋውን ጸጋ ኣይከውንን። ካብ ግብሪ ካብ ዚኸውን ግና ደጊም ጸጋ ኣይኮነን። እንተ ዘይኰነስ እቲ ግብሪውን ግብሪ ኣይከውንን እዩ።
Translation | Contextንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል።
Translation | Contextሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።
Translation | Contextእቲ ዘሎኽዎ ግና ብጸጋ ኣምላኽ እየ ዘሎኹ። ካብ ኲላቶም ዚበዝሕ ደኣ ጸዓርኩ እምበር፡ እቲ ንኣይ እተዋህበ ጸጋኡ ኸንቱ ኣይኰነን። እቲ ምሳይ ዘሎ ጻጋ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን።
Translation | Contextግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ።
Translation | Contextስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።
Translation | Contextሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና፡
Translation | Contextሕግስ ሓጢኣት እዩ ዜፍልጥ እሞ፡ ስለዚ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣብ ቅድሚኡ ብግብሪ ሕጊ ዚጸድቕ የልቦን። ሕጂ ግና እቲ ብሕግን ነብያትን እተመስከረሉ ጽድቂ ኣምላኽ ብዘይ ሕጊ ተገልጸ። ማለት፡ ጽድቂ ኣምላኽ ብምእማን ብየሱስ ክርስቶስ ንዚአምኑ ዂላቶም እዩ፡ በዚ ሌላን ጒሌላን የልቦን እሞ፡ ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ውን ስኢኖም። በቲ ብየሱስ ክርስቶስ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ።
Translation | Contextጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ፡ እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና አሎ። የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣና፡ ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘብ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ።
Translation | Contextበቲ ብየሱስ ክርስቶስ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ።
Translation | Contextኣታ ወደየ፡ እምብኣርሲ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ጸጋ ደልድል።
Translation | Contextእቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።
Translation | Contextጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።
Translation | Context