Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

gun control


ማቴዎስ 26:52-54 | 13 Helpful votes

ሽዑ የሱስ በሎ፡ ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ። ነቦይ ምልማኑ ዘይከኣለኒ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእኽቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ አሎ፧ ከምዚ ኪኸውን ከም ዚግብኦስ፡ እቶም ጽሑፋት ደኣኸ ኸመይ ኢሎም ይፍጸሙ

Translation | Context
ሉቃስ 22:36 | 8 Helpful votes

በሎምሕጂ ግና ማሕፉዳ ዘልዎ ይማላእከምእዉን ስንቂ። እቲ ዜብሉ ኸኣ ክዳኑ ሸይጡ ሰይፊ ይሻየጥ

Translation | Context
ሉቃስ 11:21-22 | 8 Helpful votes

እቲ ሓያል ሰብኣጽዋሩ ሒዙ ገዛኡ እንተ ሐለወ፡ ብዘሎ ጥሪቱ ደሓን ይኸውንካብኡ ዚሕይል መጺኡ እንተ ሰዓሮ ግና፡ ነቲ ዚእመኖ ዝነበረ ኣጽዋሩ ይገፎ፡ ነቲ ዝበዝበዞውን ይማቐሎ

Translation | Context
ሮሜ 12:19 | 7 Helpful votes

ፍቁራተይምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄርጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበርባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።

Translation | Context
መክብብ 9:18 | 5 Helpful votes

ካብ መሳርያ ውግእሲ ጥበብ ትበልጽ፡ ሓደ ሓጢኣተኛ ግና ብዙሕ ሰናይ የጥፍእ።

Translation | Context
ዘጸአት 22:2-3 | 4 Helpful votes

ሰራቒ ጥሒሱ ኺኣቱ ኸሎ እንተ ተረኽበወቒዖምዎ፡ ኸኣ እንተ ሞተ፡ ዕዳ ደም የብሉንጸሓይ እንተ በረቐቶ ግና፡ ዕዳ ደም አለዎ። እቲ ሰራቒ ኸኣ ዝሰረቖ ይምለስ። ገንዘብ እንተ ሰኣነ ግን ኣብ ክንዲ እቲ ዝሰረቖ ይሸየጥ

Translation | Context
መዝሙር 144:1 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር እምባይነእዳወይ ውግእነጻብዔይ ድማ ሰልፊ ዝመሀረይባረኽ

Translation | Context
ኢሳይያስ 10:15 | 3 Helpful votes

ምሳርሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ብእኡ ዚኸርት ዘሎዶ ይጀሀር እዩ፧ መጋዝከ ነቲ ሰሓቢኡ ኺንዕቕ ኢሉዶ ይዕበየሉ እዩ፧ ሸቦጥሲ ነቶም ዜልዕልዎ መኣዝ እዩ ዘወሳወሶምበትሪኸ ነቲ ዘይዕንጸይቲ መኣዝ እዩ ሓፍ ዘበሎ፧

Translation | Context
ሮሜ 13:4 | 3 Helpful votes

እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ

Translation | Context
ማቴዎስ 5:38-39 | 3 Helpful votes

ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒስኒ ኽንዲ ስኒ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎየማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻላአይቲውን ምለሰሉ

Translation | Context
ዘሁልቍ 31:3 | 3 Helpful votes

ሙሴ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦካባኻትኩም ሰባት ንውግእ ይዳለዉ፡ ኣብ ሚድያን ሕነ እግዚኣብሄር ኪፈድዮ ኸኣ ንሚድያን ይኺዱ

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 13:19-20 | 3 Helpful votes

ፍልስጥኤማውያን ድማ፡ እብራውያን ሴፍ ወይ ኵናት ኣይስርሑኢሎም ነበሩ እሞ፡ ኣብ ብዘሎ ሃገር እስራኤል ቀጥቃጥ ሓጺን ኣይነበረን። ስለዚ ብልሒ መዓጺድን መባሮታትን ሰለስተ ዝጨንፈሩ መስኤታትን ማሕጼታትን ምስ ጐደመ፡ ሓንካሾታት ከኣ ንምቕናዕ፡ ኵላቶም እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ማሕረሻኡን መባሮኡን ማሕጼኡን ማዕጺዱን ኬትብዕ ኢሉ ናብ ፍልስጥኤማውያን ይወርድ ነበረ።

Translation | Context
ነህምያ 4:17-18 | 2 Helpful votes

እቶም ኣብ ንመካበብያ ዚነድቁን እቶም ተሰከምትን መሰከምትን ብሓደ ኢዶም ዕዮ ይዐዩብሓደ ኢዶም ከአ ኣጽዋሮም ሒዞም ነበሩ። እቶም ነደቕቲ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሴፉ ኣብ ሕቖኡ ተዐጢቑ ይነድቕ ነበረ። እቲ መለኸት ዚነፍሕ ከአ ኣብ ጥቓይ ነበረ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 13:22-23 | 2 Helpful votes

ኰነ ኸኣ፡ ብመዓልቲ ውግእ ኣብ ኢድ ኵሉ እቲ ምስ ሳኦልን ምስ ዮናታንን ዝነበረ ህዝቢ ሴፍ ወይ ኵናት ኣይተርኽበን፡ ምስ ሳኦልን ምስ ዮናታን ወዱን ግና ተረኸበ። ሓደ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብቲ መሳገሪ ሚኽማሽ ወጸ

Translation | Context
ዘፍጥረት 4:1-26 | 2 Helpful votes

ኣዳም ድማ ንሰበይቱ ሄዋን ፈለጣ፡ እሞ ጠነሰትንቃየል ከኣ ወለደት፥ ብረድኤት እግዚኣብሄር ሰብ ተቐበልኩ፡ ድማ በለትደጊማውን ንሓው ኣቤል ወለደትኣቤል ድማ ጓሳ ኣባጊዕቃየል ከኣ ዓያዪ ምድሪ ዀነ። ድሕሪ ገለ ወርሓት ድማ ዀነ፡ ቃየል ካብ ፍረ ምድሪ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣምጽኤኣቤል ከኣ ካብ ብዅራት ኣባጊዑን ካብ ስብሔንን ኣምጽኤእግዚኣብሄር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ባህ ኢልዎ ረአየ። ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግና ባህ ኢልዎ ኣይረአየንቃየል ከኣ ኣዝዩ ዀረየገጹ ድማ ጸለመእግዚኣብሄር ከኣ ንቃየልስለምንታይ ኰሬኻ፧ ስለምንታይከ ገጽካ ጸለመጽቡቕ እንተ ትገብርሲ፡ ገጽካዶ ትኽ ኣይምበለን፡ ጽቡቕ እንተ ዘይገበርካ ድማ፡ ሓጢኣት ኣብ ኣፍደገ ትቃጸወካ አላ፡ ሃረርታኣውን ናባኻ እዩ፡ ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግባኣካ፡ በሎ። ቃየል ድማ ንሓዉ ኣቤል ተዛረቦ። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መሮር ከለዉ፡ ቃየል ንሓዉ ኣቤል ተንስኦቀተሎ ድማእግዚኣብሄር ከኣ ንቃየልኣቤል ሓውካኣበይ አሎ፧ በሎ። ንሱ ድማ፥ ኣይፈልጥን፡ ኣነዶ ሓላው ሓወይ እየ፧ በለንሱ ኸኣ፥ እንታይ ጌርካ ኢኻድምጺ ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ አሎ። ሕጂ ድማ ንስኻ ካብዛ ንደም ሓውካ ኻብ ኢድካ ኽትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ ርጉም ኩን፡ ንምድሪ ምስ እትሓርሳ መሊሳ ሓይላ ኣይክትህበካን እያ፡ ኣብ ምድሪ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ኩን፡ በለ። ቃየል ከኣ ንእግዚኣብሄር በሎበደለይ ክጾሮ ዘይክኣለኒ ዓብዪ እዩ። እንሆ፡ ሎሚ ኻብ ገጽ ምድሪ ትሰጐኒ አሎኻ፡ ኣነ ድማ ኻብ ገጽካ ኽሕባእ እየ፡ ኣብ ምድሪ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ክኸውን እየ። ክኸውን ከኣ እዩ፡ ዚረኽበኒ ዘበለ ዅሉ ኪቐትለኒ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ፥ እምበኣር ንቃየል ዝቐተለ ዅሉ ሾብዓተ ካዕበት ሕነ ኺፍደዮ እዩ፡ በሎዝረኸቦ ዅሉ ምእንቲ ኸይቀትሎ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ንቃየል ምልክት ገበረሉቃየል ድማ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወጸ፡ ኣብ ምድሪ ኖድ ከኣ፡ ኣብ ምብራቕ ኤድን ተቐመጠቃየል ከኣ ንሰበይቱ ፈለጣ፡ እሞ ጠነሰትንሄኖክ ድማ ወለደት። ንሱ ኸኣ ከተማ ሰርሔስም እታ ኸተማ ድማ ብስም ወዱ ሄኖክ ኣውጽኣላንሄኖክ ከኣ ኢራድ ተወልደሉኢራድ ድማ ንሜሁያኤል ወለደሜሁያኤል ከኣ ንሜቱሳኤል ወለደሜቱሳኤል ድማ ንላሜክ ወለደላሜክ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወስም እታ ሓንቲ ዓዳስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ጺላ ነበረ። ዓዳ ንያባል ወለደት። ንሱ ኣቦ እቶም ኣብ ድንኳውንቲ ዚነብሩን ማሎም ዚጓስዩን ኰነ። ስም ሓዉ ኸኣ ዮባል እዩ። ንሱ ኸኣ ኣቦ ዅሎም እቶም ወቓዕቲ መሰንቆን በገናን ኰነ። ጺላ ድማ ንቱባል-ቃይን ወለደት። ንሱ ኸኣ ካብ ኣስራዝን ሓጺንን ኵሉ ዓይነት መቕረጺ ይሰርሕ ነበረ። ሓውቲ ቱባል-ቃይን ድማ ናዕማ እያ። ላሜክ ድማ ነንስቱ በለንዓዳን ጺላንቃለይ ስምዓኣትን ኣንስቲ ላሜክ፡ ናብ ዘረባይ ጽን በላ፡ ስለ ቝስለይ ሰብኣይስለ ስምብራተይ ድማ ጐበዝ ቀተልኩንቃየል ሾብዓተ ኻዕበት ሕነ እንተ ዝፈድዮስንላሜክ ከኣ ሰብዓን ሾብዓተን ካዕበትኣዳም መሊሱ ንሰበይቱ ፈለጣ። ንሳ ኸኣ ወዲ ወለደትኣምላኽ ኣብ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል ካልእ ፍረ ኸርሲ ተኪኡኒ እዩ፡ ኢላ ስሙ ሴት ኣውጽኣትሉንሴት ድማ ወዲ ተወልደሉስሙ ኸኣ ሄኖስ ኣውጽኣሉ። ሽዑ ሰብ ብስም እግዚኣብሄር ኪምህለሉ ጀመሩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 9:5-6 | 2 Helpful votes

እቲ ነፍስኹም ዘለዎ ደምኩምሲ ኣነ ኽደልዮ እየ። ካብ ኢድ ኵሉ ኣራዊት ክደልዮ እየ። ነፍሲ ሰብ ድማ ካብ ኢድ ሰብ፡ ካብ ኢድ ሓዉክደልያ እየ። ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ ገይርዎ እዩ እሞ፡ እቲ ደም ሰብ ዜፍስስደሙ ብሰብ ኪፈስስ እዩ።

Translation | Context