Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

hand of god


1ይ ጴጥሮስ 5:6 | 11 Helpful votes

ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ

Translation | Context
ኢሳይያስ 49:14-16 | 7 Helpful votes

ጽዮን ግናእግዚኣብሄር ራሕ ኣቢሉ ሐዲጉኒ፡ ጐይታ ረሲዑኒበለትሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ፡ ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ ይከኣላ እዩ፧ ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ፡ ኣነስ ኣይክርስዓክን እየ። እንሆኣብ ኢደይ ወቂጠኪ አሎኹ፡ ቀጽርታትኪ ድማ ኲሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እዩ።

Translation | Context
እዝራ 8:21-23 | 6 Helpful votes

ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርስትና ኸነዋርድንኣናን ንሕጻናትናን ንዅሉ ጥሪትናን ቅንዕቲ መገዲ ኻብኡ ኽንልምን ኢለ፡ ኣብ ርባ ኣሃዋ ጾም ኣወጅኩንንጉስኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኽናንዚደልይዎ ዅላቶም ንጽቡቕ፡ ስልጣኑን ኩራኡን ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ዚሓድግዎ ዅላቶም ከም ዝዀነት ኢልናዮ ነበርና እሞ፡ ስለዚ ኣብ መገዲ ኻብ ጸላእቲ ኼድሕኑናጭፍራን ፈረሰኛታትን ምልማን ሐንኽኩ። ብዛዕባ እዚ ኸኣ ጾምናን ኣብ ኣምላኽና ጸሌናን፡ ንሱ ድማ ሰምዓና

Translation | Context
ዮሃንስ 10:29 | 6 Helpful votes

እቲ ንኣታተን ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኵሉ ይዐቢ እዩካብ ኢድ ኣቦይ ሓደ እኳ ኺምንዝዔን ዚኽእል የልቦን።

Translation | Context
መዝሙር 110:1 | 6 Helpful votes

ጐይታ ንጐይታይንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፣ ኣብ የማነይ ተቐመጥበሎ

Translation | Context
ኢሳይያስ 41:13-14 | 6 Helpful votes

ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ፡ ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ነቶም ዚወዳደሩኻ ኽትደልዮም ኣይክትረኽቦምን ከኣ ኢኻ፡ እቶም ዚዋግኡኻ ድማ ከንቱን ከም ገለ ዘይነበረን ኪዀኑ እዮም። ኣታ ሓሰኻ ያእቆብኣቱም ሰብ እስራኤልኣነ እየ ዝድግፈካኣይትፍራህተበጃዊኻ ድማ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
ህዝቅኤል 1:3 | 4 Helpful votes

ቃል እግዚኣብሄር ናብቲ ኻህን ህዝቅኤል ወዲ ኩዚ፣ ኣብ ሃገር ከለዳውያን፣ ናብ ርባ ኬባር መጸ። ኣብኡ ኸኣ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ነበረት።

Translation | Context
ኢሳይያስ 49:16 | 3 Helpful votes

እንሆኣብ ኢደይ ወቂጠኪ አሎኹ፡ ቀጽርታትኪ ድማ ኲሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 61:1-11 | 3 Helpful votes

ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነትንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡ ንዂሎም ሕዙናት ከጸናንዕኣእዋም ጽድቂንኽብሩ ዚኸውን ተኽሊ እግዚኣብሄርተብሂሎም ምእንቲ ኺስመዩ ድማ፡ ንሕዙናት ጽዮን ኣብ ክንዲ ሓመዂስቲ ዘውዲ ኽደፍኣሎም፡ ኣብ ክንዲ ሓዘን ከኣ ዘይቲ ሓጐስ፡ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ። ነቲ ናይ ቀደም ዑናታት ኪሀንጹ፡ ነቲ ቐደም ዝባደመ ኬቚሙ፡ ነተን ካብ ውሉድ ወለዶ ዝዐነዋ ፍሩሳት ከተማታት ኪሕድሱ እዮም። ጓኖት ደው ኢሎም ንመጓሴታትኩም ኪጓስዩመጻእተኛታት ድማ ሓረስቶትኩምን ናበይቲ ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኪዀኑ እዮም። ንስኻትኩም ግና ካህናት እግዚኣብሄር ክትስመዩ ኢኹም፡ ሰብ ከኣ ኣገልገልቲ ኣምላኽና ኺብለኩም እዩ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ክትበልዑ ብኽብሮም ድማ ክትከብሩ ኢኹም። ኣብ ክንዲ ነውርኹም ካዕበት ክትቅበሉ ኢኹም፡ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ብዕድሎም ኪሕጐሱ እዮም፡ ስለዚ ኣብ ሃገሮም ካዕበት ኪግንዘቡዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኪረኽቡ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ንቕንዕና ኤፍቅሮንኸትርን ዓመጻን እጸልኦ እየ እሞ፡ ኢዶም ብሓቂ ኽፈድዮምዘለኣለማዊ ኺዳን ከኣ ምስኦም ክኣቱ እየ። ዘርኦም ድማ ኣብ ኣህዛብትውልዶም ከኣ ኣብ ህዝብታት ፍሉጥ ኪኸውን እዩ። እቶም ዚርእይዎም ኲሎም እግዚኣብሄር ዝባረኾም ዘርኢ ምዃኖም ኪፈልጡ እዮም። ከምቲ ኣኽሊል ኣብ ርእሱ ዝደፍኤ መርዓዊ፡ ከምታ ብስልማት እተሰለመት መርዓትእግዚኣብሄር ልብሲ ምድሓን ኣልቢሱኒብመርግፍ ጽድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፡ ብእግዚኣብሄር ኣዝየ እሕጐስነፍሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብላ አሎ። ከምቲ ምድሪ ብቋልያኣ እተውጽእ፡ ከምቲ ኣታኽልቲ ኸኣ ዘርኡ ዜብቊል ከምኡውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ዂሎም ኣህዛብ ጽድቅን ምስጋናን ኬብቊል እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:3 | 3 Helpful votes

ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን

Translation | Context
ኢሳይያስ 48:13 | 3 Helpful votes

ኢደይ ምድሪ ሰረተትየማነይተይ ከኣ ሰማያት ዘርግሔትምስ ዝጽውዖም ድማ ብሓደ ይቘሙ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:22 | 2 Helpful votes

ንሱ ናብ ሰማይ ዐሪጉ ኣብ የማን ኣምላኽ አሎ፡ ንእኡ መላእኽቲ ስልጣናትን ሓይልታትን ይግዝእዎ አለዉ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 37:1 | 2 Helpful votes

ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት፣ እግዚኣብሄር ከኣ ብመንፈስ ኣውጽኣኒ፣ ኣብ ማእከል እታ ጐልጐል ድማ ኣንበረኒ፣ ንሳውን ዓጻጽምቲ መሊእዋ ነበረ።

Translation | Context
ማቴዎስ 22:44 | 2 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ ዳዊት ደኣ፡ ጐይታ ንጐይታይንጸላእትኻ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ኽሳዕ ዘድርሶም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥበሎ፡ እናበለ፡ ብመንፈስ ከመይ ኢሉ ጐይታይ ይብሎ

Translation | Context
መዝሙር 23:1-6 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒበርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮጽውኤይ ይጅርብብ አሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።

Translation | Context
መዝሙር 16:8-11 | 2 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮብየማነይ ስለ ዝዀነ፣ ኣይክናወጽን እየ። ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋንቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ፣ ስለዚ ልበይ ይሕጐስክብረይ እልል ይብልስጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪሐድር እዩ። ንመገዲ ህይወት ትሕብረኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጐስ ጽጋብ፣ ኣብ የማናይካውን ንዘለአለም ብጽእና አሎ።

Translation | Context
መዝሙር 89:13 | 2 Helpful votes

ሓያል ቅልጽም አሎካ፣ ኢድካ ብርትዕቲየማነይትኻ ልዕልቲ እያ።

Translation | Context