Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

hannah


1ይ ሳሙኤል 2:1-36 | 4 Helpful votes

ሃና ድማ ከምዚ ኢላ ጸለየትልበይ ብእግዚኣብሄር ይሕጐስ አሎ፡ ቀርነይ ብእግዚኣብሄር ክብ ይብል፡ ብምድሓንካ ተሐጒሰ እየ እሞ፡ ኣፈይ ናብ ጸላእተይ ሃህ ኢሉ አሎ። ብጀካኻ ኻልእ የልቦን እሞ፡ ከም እግዚኣብሄር ዝበለ ቅዱስ የልቦን፡ ከም ኣምላኽና ዝበለ ኸውሒ ኸኣ የልቦን፡ እግዚኣብሄር ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ እዩ፡ ግብርታት ከኣ ኣብኡ ምዙን እዩ እሞ፡ እምብዛ ዘረባ ትዕቢት ኣይተብዝሑቃል ድፍረትውን ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእቀስቲ እቶም ሓያላት ተሰብረ፡ እቶም ሰንከልከል ዚብሉ ዝነበሩ ኸኣ ሓይሊ ተዐጥቁ፡ እቶም ጽጉባት ዝነበሩ ምእንቲ እንጌራ ተገዝኡ፡ እቶም ጥሙያት ድማ ደጊም ኣይጠምዩን። እወ፡ እታ መኻን ሾብዓተ ወለደት፡ እታ ወላድ ግና ደኸመትእግዚኣብሄር ይቐትልየሕዊ ኸኣ፡ ናብ ሲኦል የውርድየውጽእ ድማ። እግዚኣብሄር የድኪየሀብትም ከኣ፡ ትሕት የብል፡ ክብ ድማ የብል። ኣዕኑድ ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንዓለም ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢርዋ እዩ እሞ፡ ነቲ ነዳይ ካብ ሓመድ ኣተንሲኡ፡ ነቲ ድኻውን ካብ ጐዱፍ ኣልዒሉምስ መኳንንቲ የቐምጦምዝፋን ክብሪውን የውርሶም። ንሱ ነእጋር ቅዱሳኑ ይሕልወን፡ ሰብ ብሓይሉ ኣይስዕርን እዩ እሞ፡ እቶም ረሲኣንሲ ኣብ ጸልማት ኪጠፍኡ እዮም። እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጻረሩ ስብርብር ይብሉ፡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኣብ ልዕሊኦም የንጐድጕድ፡ እግዚኣብሄር ንወሰናት ምድሪ ይፈርድንንጉሱ ድማ ሓይሊ ይህቦንቐርኒ መሲሑ ኸኣ ልዕል የብሎ። ኤልቃና ድማ ናብ ቤቱ ንራማ ኸደ። እቲ ቘልዓ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኤሊ ዀይኑ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረደቂ ኤሊ ግና ደቂ ብልያል ነበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣይፈለጥዎን። እቶም ካህናት ኣብቲ ህዝቢ እዚ ልማድ እዚ ነበሮም፡ ዝዀነ ሰብ መስዋእቲ ሕሩድ ምስ ዚስውእ፡ ገና እቲ ስጋ ኺበስል ከሎ፡ ጊልያ እቲ ኻህን ሰለስተ ዘጻብዑ ሻኳ ኣብ ኢዱ ሒዙ ይመጽእ እሞ፡ ናብ ቊራዕ ወይ ናብ መቚሎ ወይ ናብ ድስቲ ወይ ናብ ጻሕሊ ይወግእ፡ እቲ ሻኳ ዘልዐሎ ዘበለ፡ እቲ ኻህን ንርእሱ ይወስዶ ነበረ። ነቶም ናብ ሺሎ ዚመጹ ዅሎም እስራኤላውያን ከምኡ ይገብርዎም ነበሩ። ነቲ ስብሒ ገና ኸየሕረርዎ ኸለዉውን፡ ጊልያ እቲ ኻህን ናብቲ ሰዋኢ ሰብ መጺኡ፡ እቲ ኻህን ብርንዶ ደኣ እምበር፡ ዝበሰለ ስጋ ኻባኻ ኣይወስድን እዩ እሞ፡ ዚጥበስ ስጋ ሀበኒይብሎ ነበረ። ሽዑ እቲ ሰብኣይቅድም እቲ ስብሒ ፍጹም ይሕረር፡ ደሓር ነፍስኻ ዝደለየቶ ውሰድ፡ እንተ በሎ፡ ንሱ ኸኣ፡ ኣይፋል ሕጂ ደኣ ሀበኒ፡ እንተ ዘይኰነስ፡ ብሓይሊ ኽወስድ እየ፡ ይብሎ ነበረ። እቶም ሰባት በዚ ነቲ መስዋእቲ እግዚኣብሄር ይንዕቅዎ ነበሩ እሞ፡ ሓጢኣት እቶም መንእሰይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ዓብዪ ነበረ። ግናኸ ሳሙኤል ገና ቘልዓ ኽነሱ፡ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ኤፎድ ተዐጢቑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የገልግል ነበረ። ኣዲኡ ድማ ንእሽቶ ቐምሽ ላዕሊ ገበረትሉ፡ እቲ ናይ ዐዓመት መስዋእቲ ሕሩድ ክትስውእ ምስ ሰብኣያ ኽትድይብ ከላ፡ በብዓመት ተምጽኣሉ ነበረት። ኤሊ ድማ ንኤልቃናን ንሰበይቱን፡ ኣብ ክንዲ እቲ ንእግዚኣብሄር እተወፈየ ውፉይ፡ እግዚኣብሄር ካብዛ ሰበይቲ እዚኣ ዘርኢ ይሀብካኢሉ መረቖም። ናብ ቦታኦም ከኣ ኸዱእግዚኣብሄር ድማ ንሃና በጽሓጠነሰት ድማ፡ ሰለስተ ወድን ክልተ ጓልን ከኣ ወለደትሳሙኤል፡ እቲ ቘልዓ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዐበየኤሊ ኸኣ ኣዝዩ ኣረገ፡ እቲ እቶም ደቁ ኣብ ብዘለዉ እስራኤል ዝገበርዎ ዅሉን ነተን ኣብ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግላ ኣንስቲ ድማ ከም ዚድቅስወንን ሰምዔ። ንኣታቶም ከኣ፡ እዚ ኻብ ብዘሎ ህዝቢ ዝሰምዖ ዘሎኹ ኽፉእ ግብርኹምሲ ስለምንታይ ኢኹም ከምዚ ዝበለ ነገር ትገብርዎ ዘሎኹም፧ ኣይፋልኩም ደቀየንህዝቢ እግዚኣብሄር ገሃሲ ትገብርዎ አሎኹም እሞ፡ እዚ ኣነ ዝሰምዖ ዘሎኹ ወረስ ጽቡቕ ኣይኰነንሰብ ንሰብ እንተ በደሎስኣምላኽ ይፈርዶሰብ ንእግዚኣብሄር እንተ በደሎ ግና መን የማልዶ፧ በሎም። እግዚኣብሄር ኪቐትሎም ስለ ዝደለየ ግና፡ ዘረባ ኣቦኦም ኣይሰምዑንሳሙኤል እቲ ቘልዓ ኸኣ እናዐበየ ኸደ፡ ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ ሰብን ድማ ፍትዊ ነበረ። ሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ ናብ ኤሊ መጺኡ በሎእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እቲ ኣብ ግብጺ ኣብ ቤት ፈርኦን ከለዉ፡ ንቤት ኣቦኻ ብርግጽዶ ኣይተገለጽኩላን እየ፧ ካህነይ ኰይኑ ኣብ መሰውእየይ ደዪቡ ዕጣን ኪዐጥን፡ ኣብ ቅድመይውን ኤፎድ ኪጸውር ኢለ ኻብ ኵሎም ነገድ እስራኤልዶ ንኣይ ሐርየዮ ኣይኰንኩን፧ ኵሉ ናይ ደቂ እስራኤል መስዋእቲ ሓዊኸ ንቤት ኣቦኻዶ ሂበዮ ኣይኰንኩን፧ ነቲ ኣብ ማሕደረይ ኪቕረብ ዝአዘዝኩ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ደኣ ስለምንታይ ኢኹም እትረግጽዎ ዘሎኹም፧ ካብ ኵሉ እቲ መስዋእቲ ህዝበይ እስራኤል በብሉጹ በሊዕኩም ምእንቲ ኽትሰብሑስ፡ ከመይ ኢልካኸ ኻብ ንኣይ ንደቅኻ ኣኽበርካ፧ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣነስ ንቤትካን ንቤት ኣቦኻን ንዘለኣለም ኣብ ቅድመይ ኪመላለሱ ብርግጽ ኢለዮም ነበርኩ፡ ሕጂ ግና፡ ኣነስ ነቶም ዜኽበሩኒ ኤኽብሮም፡ እቶም ዚንዕቁኒ ኸኣ ኪሐስሩ እዮም እሞ፡ እዝስ ካባይ ይርሐቕይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፡ ኣብ ቤትካ ኣረጊት ምእንቲ ኸይርከብ፡ ቅልጽምካን ቅልጽም ቤት ኣቦኻን ዝሰብረለን መዓልታት ኪመጻ እየን። በቲ ኣምላኽ ኣብ እስራኤል ዝገበሮ ዅሉ ጽቡቕስ፡ ኣብ ማሕደረይ ሽጋር ክትርኢ ኢኻ፡ ኣብ ቤትካ ድማ ንሓዋሩ ኣረጊት ኣይርከብን። እቲ ኣነ ኻብ መሰውእየይ ዘይቈርጾ ሰብካ ኣዒንትኻ ንምሕቃቕ ነፍስኻውን ንምምህማን ኪኸውን እዩ። ኣብ ቤትካ እተወልደ ዘበለ ኸኣ ብጕብዝናኡ ኺመውት እዩ። እቲ ኣብ ክልቲኦም ደቅኻ ሆፍንን ፊንሃስን ዚመጽእክልቲኦም ብሓንቲ መዓልቲ ኺሞቱ እዮም፡ እዚ ምልክት ኪዀነካ እዩ። ኣነ ኸኣ ከም ልበይን ከም ነፍሰይን ዚገብር እሙን ካህን ከተንስእ እየ፡ ንእኡ ድልድልቲ ቤት ክሰርሓሉ እየ፡ ንሱውን ንሓዋሩ ኣብ ቅድሚ መሲሄይ ኪመላለስ እዩ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ቤትካ ዝተረፈ፡ ምእንቲ ሓንቲ ገንዘብ ብሩርን ሓንቲ እዛም እንጌራን ኣብ ቅድሚኡ ኺሰግድ እዩ። ቊራስ እንጌራ ምእንቲ ኽበልዕሲ፡ ኣብ ሓደ ኣገልግሎት ክህነት ኰታ ግበረኒ፡ ድማ ኺብሎ እዩ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 2:1 | 2 Helpful votes

ሃና ድማ ከምዚ ኢላ ጸለየትልበይ ብእግዚኣብሄር ይሕጐስ አሎ፡ ቀርነይ ብእግዚኣብሄር ክብ ይብል፡ ብምድሓንካ ተሐጒሰ እየ እሞ፡ ኣፈይ ናብ ጸላእተይ ሃህ ኢሉ አሎ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 2:1-10 | 2 Helpful votes

ሃና ድማ ከምዚ ኢላ ጸለየትልበይ ብእግዚኣብሄር ይሕጐስ አሎ፡ ቀርነይ ብእግዚኣብሄር ክብ ይብል፡ ብምድሓንካ ተሐጒሰ እየ እሞ፡ ኣፈይ ናብ ጸላእተይ ሃህ ኢሉ አሎ። ብጀካኻ ኻልእ የልቦን እሞ፡ ከም እግዚኣብሄር ዝበለ ቅዱስ የልቦን፡ ከም ኣምላኽና ዝበለ ኸውሒ ኸኣ የልቦን፡ እግዚኣብሄር ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ እዩ፡ ግብርታት ከኣ ኣብኡ ምዙን እዩ እሞ፡ እምብዛ ዘረባ ትዕቢት ኣይተብዝሑቃል ድፍረትውን ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእቀስቲ እቶም ሓያላት ተሰብረ፡ እቶም ሰንከልከል ዚብሉ ዝነበሩ ኸኣ ሓይሊ ተዐጥቁ፡ እቶም ጽጉባት ዝነበሩ ምእንቲ እንጌራ ተገዝኡ፡ እቶም ጥሙያት ድማ ደጊም ኣይጠምዩን። እወ፡ እታ መኻን ሾብዓተ ወለደት፡ እታ ወላድ ግና ደኸመትእግዚኣብሄር ይቐትልየሕዊ ኸኣ፡ ናብ ሲኦል የውርድየውጽእ ድማ። እግዚኣብሄር የድኪየሀብትም ከኣ፡ ትሕት የብል፡ ክብ ድማ የብል። ኣዕኑድ ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንዓለም ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢርዋ እዩ እሞ፡ ነቲ ነዳይ ካብ ሓመድ ኣተንሲኡ፡ ነቲ ድኻውን ካብ ጐዱፍ ኣልዒሉምስ መኳንንቲ የቐምጦምዝፋን ክብሪውን የውርሶም። ንሱ ነእጋር ቅዱሳኑ ይሕልወን፡ ሰብ ብሓይሉ ኣይስዕርን እዩ እሞ፡ እቶም ረሲኣንሲ ኣብ ጸልማት ኪጠፍኡ እዮም። እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጻረሩ ስብርብር ይብሉ፡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኣብ ልዕሊኦም የንጐድጕድ፡ እግዚኣብሄር ንወሰናት ምድሪ ይፈርድንንጉሱ ድማ ሓይሊ ይህቦንቐርኒ መሲሑ ኸኣ ልዕል የብሎ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 1:1-28 | 2 Helpful votes

ኣብ ራማታይም-ጾፊም፡ ካብ ከረን ኤፍሬምኤልቃና ዝስሙ ኤፍራታዊ ሰብኣይወዲ የሩሓምወዲ ኤሊሁ፡ ወዲ ቶሑ፡ ወዲ ጹፍ፡ ነበረ። ንሱ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ፡ ስም እታ ሓንቲ ሃናስም እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ጵኒና ነበረ። ጵኒና ድማ ውሉድ ነበርዋ፡ ሃና ግና ውሉድ ኣይነበርዋን። እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ኣብ ሺሎ ኺሰግድን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪስውእን ኢሉ በብዓመት ካብ ከተማኡ ይድይብ ነበረ። ኣብኣ ኸኣ ክልቲኦም ደቂ ኤሊሆፍንን ፊንሃስንካህናት እግዚኣብሄር ነበሩ። እታ ኤልቃና ዚስውኣላ መዓልቲ ምስ መጸት፡ ንሱ ንጵኒና ሰበይቱን ንዅሎም ኣወዳታን ኣዋልዳን ገግዲኦም ሀቦምንሃና ግና፡ እግዚኣብሄር ማሕጸና ዐጽዩ ኽነሱስ፡ ይፈትዋ ነበረ እሞ፡ ዕጽፊ ግደ ገይሩ ሀባእግዚኣብሄር ማሕጸና ስለ ዝዐጸወ ግና፡ እታ መጻርርታ ምእንቲ ኸተዀርያ ኢላ መመሊሳ ተባጭወላ ነበረት። ንሱ ዓመት ንዓመት ከምኡ ምስ ዚገብር፡ በታ ናብ ቤት እግዚኣብሄር እትድይበላ ጊዜ፡ ጵኒና ኸምኡ ተባጭወላ ነበረት። ንሳ ኸኣ በኸየትኣይበልዔትን ድማ። ሽዑ ኤልቃና ሰብኣያሃና፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ እትበኽዪ፡ እንታይከ ኼንኪ ዘይትበልዒ፡ እንታይ ኴንክስ ልብኺ ጕህዩ አሎ፧ ካብ ዓሰርተ ውሉድ ኣነዶ ኣይሕሸክንበላ። ኣብ ሺሎ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ፡ ሃና ተንስኤትካህን ኤሊ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ነበረ፡ ንሳ ድማ ብነፍሳ ተመሪራ እናበኸየት ንእግዚኣብሄር ትልምን ነበረት፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትውርደት ባርያኻ ኣጸቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒንባርያኻውን እንተ ዘይረሳዕካኒ፡ ንባርያኻ ተባዕታይ ውሉድ እንተ ደኣ ሀብካኒ፡ ኣነ ድማ ኵሉ ዘበን ህይወቱ ንእግዚብሄር እውፍዮ፡ ናብ ርእሱ ኸኣ መላጸ ኣየሕልፎንኢላ መብጽዓ ተማባጽዔት። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጸሎታ ምስ ኣንውሔት፡ ኤሊ ኣፋ ይጥምት ነበረ። ሃናስ፡ ንሳ ብልባ እናተዛረበትከናፍራ ጥራይ ይወሳወስ ነበረ፡ ድምጻ ግና ኣይተሰምዔን፡ ስለዚ ኤሊ ስኽርቲ ግዲ እያ ኢሉ ሐሰበኤሊ ኸኣ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኺ እትሰኽሪወይንኺ ኻባኺ ኣውጽእዮበላ። ንሳ ግና፡ ጐይታይ፡ ኣይፋለይን፡ ኣነስ መንፈሰይ ጓሂ ዝመልኤ ሰበይቲ ደኣ እየ፡ ወይንን ዜስክር መስተንሲ ኣይሰቴኹንነፍሰይ ደኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣፍሰስኩ። እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዘዛረበንስብዝሒ ጓህን ሓዘንን እዩ እሞ፡ ንኣይ ንባርያኻ ኸም ጓል ብልያል ኣይትርአየኒ፡ ኢላ መለሰትሉ። ሽዑ ኤሊብሰላም ኪዲኣምላኽ እስራኤል ዝለመንክዮ ልማኖኺ ይሀብኪኢሉ መለሰ። ንሳ ኸኣ፡ ባርያኻስ ኣብ ቅድሜኻኸ ሞገስ እርከብበለት። እታ ሰበይቲ ድማ መገዳ ኸደትበልዔትውን፡ ድሕርዚ ኸኣ ገጻ ጕህይቲ መሲላ ኣይተራእየትን። ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰገዱተመሊሶም ከኣ ናብ ቤቶም ኣብ ራማ ኣተዉኤልቃና ድማ ንሰበይቱ ሃና ፈለጣእግዚኣብሄርውን ዘከራኰነ ኸኣ፡ መዓልትታት ምስ ሐለፋሃና ጠነሰት ወዲ ድማ ወለደት። ንሳ ኸኣ፡ ካብ እግዚኣብሄር ለሚነዮ እየ እሞ፡ ኢላ ስሙ ሳሙኤል ኣውጽኣትሉ። እቲ ሰብኣይ ኤልቃና ድማ ምስ ብዘላ ቤቱ ናይ ዓመት መስዋእቲ ሕሩድን መብጽዓኡን ንእግዚኣብሄር ኪስውእ ደየበሃና ግና ንሰብኣያ፡ ኣነስ፡ እዚ ሕጻን ጡብ ክሳዕ ዚሐድግ፡ ኣይድይብን እየ፡ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪርኤከብጽሖ እየ፡ ንሓዋሩ ኸኣ ኣብኡ ኺነብር እዩ፡ በለቶኤልቃና ሰብኣያ ድማ፡ ጽቡቕ መሲሉ እተራእየኪ ግበሪ፡ ጡብ ክሳዕ እተሕድግዮ ጽንሒ፡ ሓንትስ፡ እግዚኣብሄር ደኣ ዘረባኡ ይፈጽሞበላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ተረፈት፡ ነቲ ወዳ ጡብ ክሳዕ እተሕድጎ ድማ ተጥብዎ ነበረት። ምስ ኣሕደገቶ ኸኣ፡ ሰለስተ ዝራብዕን ሓደ ኤፋ ሓርጭን ሓደ ሓርቢ ወይንን ተማሊኣ፡ ወዳ ሒዛ ደየበት፡ ኣብ ሺሎ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣእተወቶ። እቲ ቘልዓ ኸኣ ገና ንእሽቶ ነበረ። ነቲ ዝራብዕ ሐሪዶም ድማ ነቲ ቘልዓ ናብ ኤሊ ኣምጽእዎ። ንሳ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ስምዓኒ፡ ነፍስኻ ህያው ትኹን ጐይታይ፡ እታ ኣብ ጥቓኻ ደው ኢላ ንእግዚኣብሄር እትልምን ዝነበረት ሰበይቲ ኣነ እየ። ብዛዕባዚ ቘልዓዚ እየ ዝለመንኩእግዚኣብሄር ከኣ እቲ ዝለመንክዎ ልማኖይ ሂቡኒ። ስለዚ ኣነ ድማ ንእግዚኣብሄር እህቦ አሎኹ፡ ምሉእ ዕድሜኡ ንእግዚኣብሄር ተዋሂቡ እዩ፡ በለት። ካብኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ሰገዱ

Translation | Context