Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all20 bible verses about
ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ።
Translation | Contextበቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።
Translation | Contextግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ።
Translation | Contextካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ፡ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል አሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧ ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ አሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።
Translation | Contextንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። እምብኣርከ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብሓሳር፡ ብምስጓጕ፡ ብጸበባ እሕጐስ እየ።
Translation | Contextንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሐሎኻዮ፡ ኣነ ድማ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኽትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመጽእ ሰዓት ፈተና ኽሕልወካ እየ።
Translation | Contextኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ።
Translation | Contextእንተ ተዓገስና፡ ምስኡ ኸኣ ክንነግስ ኢና። እንተ ኸሐድናዮ፡ ንሱውን ኪኽሕደና እዩ።
Translation | Contextጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ።
Translation | Contextብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ አሎና እምበር፡ ብብዙሕ ትዕግስቲ፡ ብመከራ፡ ብጭንቀት፡ ብጸበባ፡ ብመውቃዕቲ፡ ብማእሰርቲ፡ ብጋሮ፡ ብጻዕሪ፡ ብምንቃሕ፡ ብጾም፡ ብንጽህና፡ ብፍልጠት፡ ብዓቕሊ፡ ብለውሃት፡ ብቕዱስ መንፈስ፡ ተጒላባ ብዜብላ ፍቕሪ፡ ብቓል ሓቂ፡ ብስልጣን ኣምላኽ፡ በጽዋር ጽድቂ ብየማነ ጸጋም፡ ብኽብርን ሕስራንን፡ ብኽፉእ ወረን ጽቡቕ ወረን፡ ከም መስሓትቲ፡ ግናኸ ሰብ ሓቂ ኢና፡
Translation | Contextንሱ ቐደደ፡ ኬጥዕየና ኸኣ እዩ፡ ንሱ ወቕዔ፡ ኪዝንነና ድማ እዩ እሞ፡ ንዑናይ ናይ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ።
Translation | Contextበቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ፡ ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከኣለናስ፡ ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ።
Translation | Contextትዕግስቲ ኸኣ አሎካ፡ ስለ ስመይ ኢልካውን ተጻወርካ፡ ኣይሰልኬኻን።
Translation | Contextካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ፡ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል አሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧
Translation | Contextመከራ ኻብ ሓመድ ኣይወጽእን እዩ እሞ፡ መግደራ ኻብ መሬት ኣይበቊልን።
Translation | Contextኣምላኽ ኣቦይ፡ እቲ ይስሃቅ ዚፈርሆ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ምሳይ እንተ ዘይህሉስ፡ ብርግጽ ሕጂ ጥራይ ኢደይ ምሰደድካኒ ኔርካ። እግዚኣብሄር ግና እቲ መከራይን ድኻም ኢደይን ርእዩ፡ ትማሊ ለይቲ ገንሓካ።
Translation | Contextነፍሲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣጸናንዑ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ፡ እናበሉ ኸኣ ኣብ እምነት ኪጸንዑ ይምዕድዎም ነበሩ።
Translation | Contextንስኻ ግና ብኵሉ ተጠንቀቕ፡ መከራ ጽገብ፡ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡ ኣገልግሎትካ መልእ።
Translation | Contextዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
Translation | Context