Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all38 bible verses about
ኣታ ፍቁር፡ ከምቲ ነፍስኻ ዝጠዐየት፡ ብዅሉ ደሓን ክትህሉን ክትጥዕን እምነየልካ አሎኹ።
Translation | Contextነቶም ዚአምኑውን እዚ ተኣምራት እዚ ኺስዕቦም እዩ፥ ብስመይ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ፡ ብሓድሽ ልሳን ከኣ ኪዛረቡ፡ ኣትማን ኪሕዙ እዮም፡ ዚቐትል እንተ ሰተዩ ኸኣ፡ ከቶ ኣይኪጐድኦምን እዩ፡ ኣእዳዎም ኣብ ሕሙማት ኬንብሩ ንሳቶምውን ኪሐውዩ እዮም።
Translation | Contextሃዳድ-ዔዘር ምስ ቶዒ ተዋጊኡ ነበረ እሞ- ንዳዊት ብዛዕባ ጥዕናኡ ኺሐቶን፡ ንሃዳድ-ዔዛር ተዋጊኡ ስለ ዝሰዐሮ ኸኣ ኪምርቖን፡ ወዱ ዮራም ለአኸሉ። ኣብ ኢዱ ኸኣ ኣቓሑ፡ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ኣቓሑ ኣስራዝን ገበረ።
Translation | Contextምሸት ምስ ኰነ፡ ኣጋንንቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምናውን ጾረ፡ እተበሀለ ምእንቲ ኽፍጸም፡ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽኤ፡ ሕማም ንዘለዎም ኵሎም ድማ ኣሕወዮም።
Translation | Contextቃሉ ልኢኹ ኣሕወዮም፣ ካብ ጕድጓዶም ከኣ ኣናገፎም።
Translation | Contextንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕጨይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሐዌኹም።
Translation | Contextእምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።
Translation | Contextእታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ።
Translation | Contextሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፡ ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ።
Translation | Contextኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ።
Translation | Contextንሱ ንዅሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ፣ ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስ፣
Translation | Contextንልቦም እተሰብሩ ይፍውስ፣ ነቚሳሎም ይዘንን።
Translation | Contextንሕና ነቲ ተስፋ መንፈስ ብእምነት ክንቅበሎ፡ እቲ በረኸት ኣብርሃምውን ብየሱስ ክርስቶስ ነህዛብ ምእንቲ ኪኸውንሲ፥ ኣብ ዕጸይቲ ዚስቀል ዘበለ ርጉም እዩ፡ ተጽሒፉ አሎ እሞ፡ ክርስቶስ ምእንታና መርገም ኰይኑ፡ ካብ መርገም ሕጊ ተሻየጠና።
Translation | Contextንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ፡ ንሱ ኸኣ እንጌራኻን ማይካን ኪባርኸልካ እዩ። ሕማም ከኣ ካብ ማእከልካ ኸርሕቕ እየ።
Translation | Contextየሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ኪድ ከም ዝኣመንካዮ ይኹነልካ፡ በሎ። እቲ ቘልዓ ከኣ በታ ሰዓት እቲኣ ሐወየ።
Translation | Contextብህይወት ክነብር እየ እምበር፣ ኣይክመውትን፣ ግብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ከዘንቱ እየ።
Translation | Contextንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና።
Translation | Contextሽዑ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ዀይኑ ኺወጽእ፡ ምሕዋይካ ኸኣ ቀልጢፉ ኺበቊል፡ ጽድቅኻ ድማ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ፡ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ደጀንካ ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextበለ ድማ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እቲ ኣብ ዓይኑ ቕኑዕ ዝዀነ ኸኣ እንተ ገበርካ፡ ንትእዛዛቱውን ጽን እንተ በልካ፡ ኵሉ ሕጋጋቱ ድማ እንተ ሐሎኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ፈዋሲኻ እየ እሞ፡ እቲ ናብ ግብጻውያን ዝሰደድክዎ ሕማም ኣይሰደልካን እየ።
Translation | Contextእዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።
Translation | Contextባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ፍራህ፡ ካብ ክፉእ ከኣ ርሐቕ። እዚ ንሕምብርትኻ ፈውሲ ነዕጽምትኻውን ኣንጕዕ ኪዀነካ እዩ።
Translation | Contextልኡም ዘረባ መዓር ወለላ እዩ፡ ንነፍሲ ጥዑም፡ ነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና እዩ።
Translation | Contextበቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።
Translation | Contextንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ። ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡ ንዂሎም ሕዙናት ከጸናንዕ፡ ኣእዋም ጽድቂ፡ ንኽብሩ ዚኸውን ተኽሊ እግዚኣብሄር፡ ተብሂሎም ምእንቲ ኺስመዩ ድማ፡ ንሕዙናት ጽዮን ኣብ ክንዲ ሓመዂስቲ ዘውዲ ኽደፍኣሎም፡ ኣብ ክንዲ ሓዘን ከኣ ዘይቲ ሓጐስ፡ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።
Translation | Context- ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፡ ካብ ጥልመትኩም ከሕውየኩም እየ እሞ፡ ተመለሱ። - ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢኻ እሞ እኔና፡ ናባኻ ንመጽእ አሎና።
Translation | Contextኣነ፡ ኣነ እየ ንሱ፡ ምሳይ ካልእ ኣምላኽ ከም ዜልቦ ድማ፡ ሕጂ ርአዩ። ኣነ እቐትል ህያው እገብር፡ ኣነ ኤቚስል እፍውስ ድማ፡ ካብ ኢደይ ዜድሕን ከኣ የልቦን።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር፡ ውዳሰይ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ኣሕውየኒ፡ ክሐዊ ድማ እየ፡ ኣድሕነኒ፡ ክድሕንውን እየ።
Translation | Contextንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ። ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡ ንዂሎም ሕዙናት ከጸናንዕ፡ ኣእዋም ጽድቂ፡ ንኽብሩ ዚኸውን ተኽሊ እግዚኣብሄር፡ ተብሂሎም ምእንቲ ኺስመዩ ድማ፡ ንሕዙናት ጽዮን ኣብ ክንዲ ሓመዂስቲ ዘውዲ ኽደፍኣሎም፡ ኣብ ክንዲ ሓዘን ከኣ ዘይቲ ሓጐስ፡ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ። ነቲ ናይ ቀደም ዑናታት ኪሀንጹ፡ ነቲ ቐደም ዝባደመ ኬቚሙ፡ ነተን ካብ ውሉድ ወለዶ ዝዐነዋ ፍሩሳት ከተማታት ኪሕድሱ እዮም።
Translation | Contextነፍሰይ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ። ነፍሰይ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ፣ ንሱ ንዅሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ፣ ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስ፣ ንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዚብጀዋ፣ ብሳህልን ምሕረትን ዚኽልለኪ፣ ንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ እዩ፣ ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስ።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር፣ ማህሚነ እየ እሞ፣ ምሐረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣዕጽምተይ ተሸቢረን እየን እሞ፣ ኣጥዕየኒ።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣነ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስኻውን ኣጥዔኻኒ።
Translation | Contextወደየ፡ ናብ ቃላተይ ኣቕልብ፡ ኣዝንኻ ናብ ዘረባይ ኣድንን። ንዝረኽበን ህይወቱ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ኸኣ ፈውሱ እየን እሞ፡ ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይተርሕቀን፡ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ዕቘረን።
Translation | Contextእንሆ፡ ኣነ ኽሰፍፋን ክፍውሳን እየ። ኣነ ኸሕውዮም፡ ብዝሒ ሰላምን ሓቅን ድማ ክገልጸሎም እየ።
Translation | Contextንሱ ቐደደ፡ ኬጥዕየና ኸኣ እዩ፡ ንሱ ወቕዔ፡ ኪዝንነና ድማ እዩ እሞ፡ ንዑናይ ናይ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ።
Translation | Contextኵራይ ካብኡ ተመሊሱ እዩ እሞ፣ ኣነ ንጥልመቶም ከሕዊ፣ ኣነ ብልቢ ኸፍቅሮም እየ።
Translation | Contextእታ ድርብይቲ ሓደ እኳ ግዳ ዘይገብር ጽዮን፡ ኢሎም ሰምዮምኺ እዮም እሞ፡ ኣነ ኸጥዕየኪ ንቚስልኺውን ከሕውዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextንኣኻትኩም ስመይ እትፈርሁ ግና፣ ጻሓይ ጽድቂ ኽትበርቀልኩም እያ፣ ምድሓን ከኣ ኣብ ኣኽናፉ እዩ። ንስኻትኩም ድማ ክትወጹን ከም ብተይ ደምበ ኽትዕንድሩ ኢኹም።
Translation | Contextየሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ።
Translation | Context