Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።
Translation | Contextእምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።
Translation | Contextሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻኩም ኢኹም።
Translation | Contextእምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextኣምላኽ ድማ፥ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩም።
Translation | Contextሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፡ ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ።
Translation | Contextኣታ ፍቁር፡ ከምቲ ነፍስኻ ዝጠዐየት፡ ብዅሉ ደሓን ክትህሉን ክትጥዕን እምነየልካ አሎኹ።
Translation | Contextሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።
Translation | Contextዚዋሳወስ ዘበለ ዅሉ ህያው መብልዕኩም ይኹን፡ እዚ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ ብቑሊ ሂበኩም አሎኹ።
Translation | Contextእምበኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ።
Translation | Contextሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።
Translation | Contextብዛዕባቲ ንጣኦታት እተሰውኤ ግና ኲላትና ፍልጠት ከም ዘሎና፡ ንፈልጥ ኢና። ፍልጠት ይነፍሕ፡ ፍቕሪ ግና ይሃንጽ። ሓደ እኳ ገለ ኸም ዚፈልጥ ዚመስሎ እንተሎ፡ ነቲ ዚፈልጦ ገና ኸምቲ ዝግብኦ ገይሩ ኣይፈልጦን እዩ። ንኣምላኽ ዜፍቅሮ እንተሎ ግና፡ ንሱ ብእኡ ፍሉጥ እዩ። ደጊም ብዛዕባ እቲ ንጣኦታት እተሰውኤ ምብላዕ፡ ጣኦት ኣብ ዓለም ግዛዕ ከም ዘይኰነን ብዘይ እቲ ሓደ በይኑ ኸኣ ካልእ ኣምላኽ ከም ዜልቦን፡ ንፈልጥ ኢና። ኣብ ሰማይ ወይስ ኣብ ምድሪ ኣማልኽቲ ዚብሃሉ እንተለዉስ፡ ከምቲ ብዙሓት ኣማልኽትን ብዙሓት ጐይተትን ዘለዉ፡ ንኣናስ ኲሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ አሎና፡ ኲሉ ብእኡ ዚኸውን ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውን፡ የሱስ ክርስቶስ፡ አሎና። እዚ ፍልጠት እዚ ግና ኣብ ኲሉ ሰብ ኣይርከብን እዩ። ሓያሎ ነቲ ጣኦት ክሳዕ ሎሚ ልማድ ገይሮምዎ፡ ንጣኦት ከም እተሰውኤ ገይሮም እዮም ዚበልዑ ዘለዉ እሞ፡ ሕሊናኦም ድኹም ኰይኑስ ይረክስ። ብልዒ ግና ኣብ ኣምላኽ ኣየብጽሓናን እዩ፡ እንተ በላዕና፡ ኣይንውስኽ፡ እንተ ዘይበላዕናውን ኣይንንክን ኢና። ግናኸ እቲ ሓርነትኩምሲ ነቶም ድኹማት መዓንቀፊ ኸይኰኖም፡ ተጠንቀቑ። ሓደ ሰብ ንኣኻ፡ ፍልጠት ዘሎካ፡ ኣብ ቤት ጣኦት ተቐሚጥካ እንተ ረአየካ፡ እቲ ድኹም ነቲ ንጣኦት እተሰውኤ ንምብላዕዶ ሕሉናኡ ኣይኪደፍርን እዩ፧ ከምዚ እቲ ምእንታኡ ክርስቶስ ዝሞተሉ ድኹም ሓው ብሰሪ ፍልጠትካ ይጠፍእ አሎ። ከምዚኸስ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም፡ ነቲ ድኹም ሕሊናኦምውን እናኣቝሰልኩም፡ ንክርስቶስ ትብድልዎ አሎኹም። ስለዚ ኸኣ እቲ ብልዒ ንሓወይ ዜዐንቅፎ እንተ ዀይኑስ፡ ንሓወይ ምእንቲ ኸየዐንቅፎ፡ ንሓዋሩ ከቶ ስጋ ኣይክበልዕን እየ።
Translation | Contextንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።
Translation | Context