Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

holiness of god


1ይ ሳሙኤል 2:2 | 9 Helpful votes

ብጀካኻ ኻልእ የልቦን እሞ፡ ከም እግዚኣብሄር ዝበለ ቅዱስ የልቦን፡ ከም ኣምላኽና ዝበለ ኸውሒ ኸኣ የልቦን፡

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 1:15-16 | 5 Helpful votes

ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 1:16 | 4 Helpful votes

ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 57:15 | 4 Helpful votes

ስለዚ እቲ ንዘለኣለም ዚነብር ልዑልን ዕዙዝን ቅዱስ ዝስሙን ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ እነብር አሎኹ፡ ግናኸ ንመንፈስ ትሑታት ህያው ክገብሮ፡ ንልቢ ድቑሳት ከኣ ህያው ክገብሮስ፡ ምስቲ ድቑስን ትሑትን መንፈስ ዘለዎ ሰብ ድማ እነብር አሎኹ።

Translation | Context
ኤፌሶን 1:4 | 3 Helpful votes

ከምቲ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቕብ ዜብሎምን ምእንቲ ኽንከውንቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ዝሐረየና

Translation | Context
ዘሌዋውያን 11:44-47 | 3 Helpful votes

ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ተቐደሱኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ። ኣብ ምድሪ ብዚዋሳወስ ኲሉ ለመምታ ነፍሳትኩም ኣይተርክሱኣምላኽኩም ክኸውን ኢለ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየብኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ። ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን፡ ኣብ መንጎ ዚብላዕ ህያውን ዘይብላዕ ህያውን ምእንቲ ኽትፈልዩ፡ ብዛዕባ እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ማይ ዚዋሳወስ ህይወት ዘለዎ ዂሉ እንስሳን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኲሉ እንስሳን እቲ ሕጊ እዚ እዩ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:2 | 3 Helpful votes

ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ተዛረብ በሎም ድማ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳን ኩኑ።

Translation | Context
መዝሙር 96:9 | 3 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ብቕዱስ ክብረት ስገዱ፣ ኵልኺ ምድሪ፣ ኣብ ቅድሚኡ አንቀጥቅጢ

Translation | Context
ኢሳይያስ 6:3 | 3 Helpful votes

እቲ ሓደ ኸኣ ነቲ ሓደ፡ ቅዱስቅዱስቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኲላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ አላ፡ ኢሉ ኣድሀየ

Translation | Context
መዝሙር 103:1-22 | 2 Helpful votes

ነፍሰይንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ። ነፍሰይንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ፣ ንሱ ንዅሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ፣ ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዚብጀዋብሳህልን ምሕረትን ዚኽልለኪንድሌትኪ ብጽቡቕ ነገር ዜጽግብ እዩ፣ ንእስነትኪውን ከም ንስሪ ትሕደስእግዚኣብሄርሲ ንዅሎም ጥቑዓት ጽድቅን ፍትሕን ይገብር እዩ። መገድታቱ ንሙሴግብርታቱ ንደቂ እስራኤል ኣፍለጠእግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ፣ ንዅራ ደንጓዪብሳህሊ ድማ ምሉእ እዩ። ኵሉ ጊዜ ኣይገንሕንንዘለአለም ከኣ ኣይቅየምን እዩ። ከም መጠን ሓጢኣትና ኣይገብረናን፣ ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ። ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብል፣ ከምኡ ምሕረቱ ናብቶም ዚፈርህዎ ይስልጥንምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፣ ከምኡ ንኣበሳና ኻባና ኣርሓቖ። ከምቲ ወላዲ ንውሉዱ ዚርሕርሓሎም፣ ከምኡ እግዚኣብሄር ንዚፈርህዎ ይርሕርሓሎም እዩ። ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፣ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ። ሰብሲ መዓልትታቱ ኸም ሳዕሪ እዩ፣ ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብንፋስ ኣብ ልዕሊኣ ይሐልፍ እሞ፣ ከቶ ኣይትርከብን እያ፣ ቦታኣውን ኣይፈልጣን እዩ። ምሕረት እግዚኣብሄር ግና አብቶም ዚፈርህዎ ኻብ ዘለአለም ንዘለአለም ትነብር። ጽድቁ ኸኣ ነቶም ኪዳኑ ዚሕልዉንትእዛዛቱ ምእንቲ ኺገብርዎ ዚዝክርዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ። እግዚኣብሄር ንዝፋኑ ኣብ ሰማይ ኣቘመመንግስቱውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ትገዝእ አላ። አቱም መላእኽቱንድምጺ ቓሉ እትእዘዙ፣ ንቓሉ እትፍጽሙ ሓያላትን ስልጡናትንንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። ኣቱም ሰራዊቱ ዅሉኹም፣ ኣቱም ንፍቓዱ እትፍጽምዎ ኣገልገልቱንእግዚኣብሄር ባርኽዎ። ኵሉ ግብርታቱ ኣብ ኵሉ ስፍራ ግዝኣቱንእግዚኣብሄር ባርኹነፍሰየ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ

Translation | Context
ኢሳይያስ 6:1-13 | 2 Helpful votes

በታ ንጉስ ኡዝያ ዝሞተላ ዓመት ኣነ፡ እግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ፡ ርኤኽዎዘፈራት ልብሱ ኸኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሱራፌል ቈይሞም ነበሩ፡ ነፍሲ ወከፎም ሹድሽተ ኽንፊ አለዎ፡ በቲ ኽልተ ንገጹ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተ ድማ ነእጋሩ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተውን ይነፍር ነበረ። እቲ ሓደ ኸኣ ነቲ ሓደ፡ ቅዱስቅዱስቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኲላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ አላ፡ ኢሉ ኣድሀየ። ብድምጺ እቶም ዘድሀዩ እቲ መሰረት ልዳውቲ ኣንቀጥቀጠ፡ እታ ቤትውን ትኪ መልኤት። ሽዑ ድማ፡ ከናፍረይ ዝርኹስ ሰብ እየ፡ ኣብ ማእከል እቲ ኸናፍሩ ዝርኹስ ህዝቢ ኸኣ እነብር አሎኹ እሞ፡ ወይለይኣዒንተይ ንንጉስንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትርእየን እየን እሞ፡ ጠፋእኩበልኩ። ካብቶም ሱራፌል ሓደ ድማ፡ ጓህሪ ኻብቲ መሰውኢ ብጒጤት ወሲዱ፡ ኣብ አዱ ሒዙ ናባይ ነፈረ። ብእኡ ኸኣ ኣፈይ ተንከየ እሞ፡ እንሆ፡ እዚ ንኸናፍርካ ተንከዮ፡ ኣበሳኻ ረሐቐልካሓጢኣትካውን ጸረየልካበለ። ንመን ክልእኽ፧ መንከ ኪኸደልና እዩ፧ ዚብል ድምጺ እግዚኣብሄር ሰማዕኩ። ኣነውን፡ እኔኹ ልኣኸኒበልኩ። ንሱ ድማ፡ ኪድ እሞ ነዚ ህዝቢ እዚ፡ ምስማዕሲ ስምዑ፡ ግናኸ ኣይተስተውዕሉምርኣይሲ ርኣዩ፡ ግናኸ ኣይተለልዩ፡ ኢልካ ተዛረቦ። ምእንቲ በዒንቶም ከይርእዩበእዛኖም ከኣ ከይሰምዑብልቦምውን ከየስተውዕሉከይምለሱ እሞ ከይሐውዩስንልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ድፈኖነእዛኖም ኣጽምመንነዒንቶምውን ዐምተን፡ ኢሉ ተዛረበኒ። ኣነ ኸኣ፡ ጐይታየ፡ ክሳዕ መኣዝ፡ በልኩ። ንሱ ድማ በለከተማታት ክሳዕ ዚባድማ እሞ ዚነብረን ዜብለን፡ ኣባይቲ ብዘይ ሰብ፡ እታ ሃገርውን በረኻ ዀይና ኽሳዕ እትባድምእግዚኣብሄር ንሰብ ክሳዕ ዜግዕዞም፡ ኣብ ማእከል እታ ሃገርውን ጽምዊ ስፍራታት ክሳዕ ዚበዝሕዕሽር እኳ ኣብኣ እንተ ተረፈ፡ ንሱውን መሊሱ ኺጠፍእ እዩ። ግናኸ ከምቲ መመናን ኣውሕን ምስ ተቘርጸጒንዱ ዚተርፍ፡ ከምኡ እቲ ቅዱስ ዘርኢ ጒንዱ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context