Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

holy week


ዮሃንስ 14:21-23 | 10 Helpful votes

እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩኣነውን ኤፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ። እቲ ዘይ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ድማጐይታይእቲ ርእስኻንዓለም ዘይኰነንኣና እትገልጸሉስ እንታይ እዩበሎየሱስ ከኣዜፍቅረኒ እንተሎቃለይ ይሕሉ እዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና።

Translation | Context
እብራውያን 11:6 | 10 Helpful votes

ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 5:7 | 8 Helpful votes

ገንሸል ፋስጋናማለት ክርስቶስተሰዊኡ እዩ እሞ፡ ከምቲ ዘይምጹጻት ዝዀንኩም፡ ሓድሽ ብሑቝ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ነቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ኣጽሪኹም ኣውጽእዎ

Translation | Context
ዮሃንስ 14:1 | 7 Helpful votes

ልብኹም ኣይሸበርብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:9 | 6 Helpful votes

እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ

Translation | Context
ኤፌሶን 2:8 | 5 Helpful votes

ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።

Translation | Context
መዝሙር 33:6 | 5 Helpful votes

ሰማያት ብቓል እግዚኣብሄር፣ ብዘሎ ሰራዊቶምውን ብስትንፋስ ኣፉ ተገብሩ

Translation | Context
ዮሃንስ 17:3 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ

Translation | Context
ማቴዎስ 28:1-10 | 4 Helpful votes

ድሕሪ ሰንበትወጋሕታ እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙንማርያም ብዓልቲ መግደላን እታ ኻልኣይቲ ማርያምን መቓብር ኪርእያ መጻእንሆዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነመልኣኽ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ወሪዱቅርብ ኢሉ ነቲ እምኒ ገልበጦ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ተቐመጠትርኢቱ ኸም በርቂክዳኑ ድማ ጻዕዳ ኸም በረድ እዩ። እቶም ሓለውቲ ንእኡ ፈሪሆም ራዕራዕ በሉ፡ ከም ዝሞቱውን ኰኑ። እቲ መልኣኽ መሊሱ ነተን ኣንስቲ በለን፡ ንስኻትኽሲ ነቲ እተሰቐለ የሱስ ትደልያ ኸም ዘሎኽን፡ እፈልጥ አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሃ። ከምቲ ዝበሎተንሲኡ እዩ እሞ፡ ኣብዚ የሎን። ነታ ጐይታ ተነቢርዋ ዝነበረ ስፍራንዕነ ርኣያቀልጢፍክን ደኣ ኺዳ እሞ፡ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦምእንሆ፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ፡ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም። እንሆነገርኩኽን። ካብቲ መቓብር ብፍርሃትን ብብዙሕ ሓጐስን ቀልጢፈን ከዳ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራኦም ጐየያንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራ ኪኸዳ ኸለዋ፡ እንሆየሱስ ተጓነፈን፡ ከመይ ኢኽን፡ ከኣ በለን። ንሳተን ቅርብ ኢለን፡ እግሩ ሒዘን ሰገዳሉ። ሽዑ የሱስ፡ ኣይትፍርሃ ኪዳ እሞ ነሕዋተይ ናብ ገሊላ ኪኸዱ ንገራኦምኣብኡውን ኪርእዩኒ እዮም፡ በለን

Translation | Context
ዮሃንስ 13:1-15 | 3 Helpful votes

የሱስቅድሚ በዓል ፋስጋ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣቦኡ ዚኸደላ ጊዜኡ ኸም ዝበጽሔት ፈሊጡነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮምኪድረሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ድያብሎስ ናብ ልቢ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ኬትሕዞ ቕድም ሓሳብ ኣእትዩ ነበረ። የሱስ ከኣ ኣቦኡ ንዅሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሃቦካብ ኣምላኽ ድማ ከም ዝመጸ ናብ ኣምላኽውን ከም ዚኸይድ ፈሊጡካብ ድራር ተንሲኡ ኽዳውንቱ ኣንበረዓለባ ኣልዒሉውን ተዓጥቀደሓር ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኺሐጽብን በቲ እተዓጥቆ ዓለባ ገይሩ ኺደርዝን ጀመረሽዑ ናብ ስምኦን ጴጥሮስ መጸ፡ ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይንስኻዶ ኣእጋረይ ክትሐጽበኒ ኢኻ፧ በሎየሱስ መሊሱ፡ ነቲ ኣነ ዝገብሮ ንስኻ ሕጂ ኣይትፈልጦንድሕርዚ ግና ክትፈልጦ ኢኻ፡ በሎጴጥሮስ ከኣ፡ ንዘለኣለም ኣእጋረይ ኣይትሐጽበንን ኢኻ፡ በሎየሱስ ከኣ፡ ኣነ እንተ ዘይሐጸብኩኻስምሳይ ግደ የብልካን፡ ኢሉ መለሰሉስምኦን ጴጥሮስ ድማ፡ ጐይታይኣእዳወይን ርእሰይን ድማ እምበርኣእጋረይ ጥራይ ኣይኰነንበሎየሱስ ከኣ፡ እቲ እተሐጽበኵለንትናኡ ንጹህ እዩ እሞ፡ ብጀካ ኣእጋሩ ምሕጻብ ኣየድልዮን እዩ። ንስኻትኩም ከኣ ንጹሃት ኢኹምግናኸ ኵላትኩም ኣይኰንኩምንበለነቲ ዜትሕዞ ይፈልጦ ነበረ እሞ፡ ስለዚ እዩ፡ ኵላትኩም ንጹሃት ኣይኰንኩምንዝበለ። ከምዚ ገይሩ ኣእጋሮም ምስ ሓጸቦምክዳውንቱ ተኸዲኑከም ብሓድሽ ተቐሚጡ፡ እዚ ዝገበርኩልኩምሲ ትፈልጥዎዶ አሎኹም፧ በሎምንስኻትኩም መምህርን ጐይታን ትብሉኒ አሎኹም፡ ኣነ ኸምኡ እየ እሞጽቡቕ በልኩምኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩስከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ።

Translation | Context