Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።
Translation | Contextኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን፡ ይባረኽ፡ በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ፡ ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከኣለናስ፡ ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ። ከምቲ ስቓይ ክርስቶስ ኣባና ዚዐዝዝ ዘሎ፡ ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ዚዀነልና ምጽንናዕና ይዐዝዝ እዩ። ግናኸ እንተ ጸበበና እኳ፡ ንምጽንናዕኩምን ምድሓንኩምን እዩ። እንተ ተጸናናዕና ድማ፡ ነቲ ንሕናውን እንስቀዮ ዘሎና ስቓይ ብትዕግስትኹም ዚጋደል ምጽንናዕኩም እዩ። ከምቲ ተማቐልቲ ስቓይ፡ ከምኡ ኸኣ ተማቐልቲ ምጽንናዕ ከም ዝዀንኩም ፈሊጥና፡ ተስፋና ኣባካትኩም ጽንዕቲ እያ።
Translation | Contextእቲ ጽኑዕ ዝሃቐናኡ ኣባኻ ስለ እተማሕጸነ፡ ብሰላም፡ እወ ብሰላም ትሕልዎ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ከውሒ እዩ እሞ፡ ንዘለኣለም ብእግዚኣብሄር ተማሕጸኑ።
Translation | Contextንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ነገር ከአ ገጊዚኡ አለዎ። ንምውላድ ጊዜ አለዎ፡ ንሙማት ከአ ጊዜ አለዎ። ንምትካል ጊዜ አለዎ፡ ነቲ እተተኽለ ምምንቋስ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምቕታል ጊዜ አለዎ፡ ንምሕዋይ ከአ ጊዜ አለዎ። ንምፍራስ ጊዜ አለዎ፡ ንምህናጽ ድማ ጊዜ አለዎ። ንብኽያት ጊዜ አለዎ፡ ንሰሓቕ ከአ ጊዜ አለዎ። ንሓዘን ጊዜ አለዎ፡ ንጓይላ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምድርባይ ኣእማን ጊዜ አለዎ፡ ንምእካብ ኣእማን ከአ ጊዜ አለዎ። ንምሕቋፍ ጊዜ አለዎ፡ ካብ ምሕቋፍ ምፍልላይ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምድላይ ጊዜ አለዎ፡ ንምጥፋእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንምእርናብ ጊዜ አለዎ። ንምድርባይ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምቕዳድ ጊዜ አለዎ፡ ንምስፋይ ከአ ጊዜ አለዎ። ስቕ ምባል ጊዜ አለዎ፡ ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ። ንምፍቓር ጊዜ አለዎ፡ ንምጽላእ ከአ ጊዜ አለዎ። ንውግእ ጊዜ አለዎ፡ ንሰላም ድማ ጊዜ አለዎ። እቲ ዓያዩ ሰብሲ ረብሓ ጻዕሩ እንታይ እዩ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኺጽዕሩ ዝሀቦም ዕዮ ርኤኹ። ንዅሉ በቢጊዜኡ ጽቡቕ ገበሮ። ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ፡ ኣምላኽ ንዘለአለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ። ንኣታቶምሲ ኻብ ባህ ምባልን ካብ ብህይወቶም ከለው ሰናይ ምግባርን ዜሕሾም ከም ዜብሎም ፈለጥኩ። እምበአርሲ ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን፡ ብኹሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን፡ እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ዝገበሮ ዅሉ ንሓዋሩ ኸም ዚነብር እፈልጥ አሎኹ። ኪውሰኾ ኣይከአልን፡ ኪንከዮ ኣይከአልን፡ ኣምላኽ ከአ፡ ሰብ ምእንቲ ኺፈርህዎ፡ ከምዚ ገበሮ። እቲ ዘሎ ድሮ ዝነበረ እዩ፡ እቲ ዚኸውን ዘለዎ ኸኣ ድሮ ዝነበረ እዩ፡ ኣምላኽሲ ነቲ ዝሐለፈ መሊሱ ይደልዮ። ኣነውን ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ኣብ ቦታ ፍርድስ ረሲእነት ከም ዘሎ፡ ኣብ ቦታ ጽድቂውን ረሲእነት ከም ዘሎ ርኤኹ። ኣነ ብልበይ ንዅሉ ነገርን ንዅሉ ተግባርን ኣብኡ ጊዜ ተመዲብዎ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ነቲ ጻድቕን ነቲ ረሲእንሲ ኪፈርዶም እዩ፡ በልኩ። ኣነውን ብልበይ፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺዕዘቦም፡ እንስሳ ምዃኖም ከአ ባዕላቶም ኪርእዩስ፡ ብዛዕባ ደቂ ሰብ እዚ ኾነ፡ በልኩ። ብጽሒት ደቂ ሰብሲ ኸምቲ ናይ እንስሳ እዩ እሞ፡ ሓደ እዩ ብጽሒቶም፡ ከምቲ እዚኣቶም ዚሞቱ እቲእቶም ከኣ ይሞቱ፡ ንኹሎም ሓንቲ እስትንፋስ አላቶም። ኵሉ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ሰብሲ ኻብ እንስሳ ብልጫ የብሉን። ኲሎም ናብ ሓንቲ ቦታ ይኸዱ፡ ኲሎም ካብ መሬት ኰኑ፡ ኲሎምውን ናብ መሬት ይምለሱ። እስትንፋስ ደቂ ሰብ ንላዕሊ ኸም እትድይብ። እስትንፋስ እንስሳ ኸኣ ናብ ትሕቲ ምድሪ ኸም እትወርድከ መን ይፈልጥ፧ ነቲ ብድሕሪኡ ዚኸውን ኪርእስ መን ይመልሶ፡ ንሰብ ብዕዩኡ ባህ ምባል እንተ ዘይኮይንይስ፡ ካልእ ዚሔሾ ኸም ዜብሉ ርእየ እየ እሞ፡ ጊዴኡ እዚ እዩ።
Translation | Contextምሕረቱ ኣይተወድኤን እዩ እሞ፡ ጥራስ ዘይጠፋእናስ ጸጋ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ጸጽባሕ ሓድሽ እዩ፡ እሙን ምዃንካ ዓብዪ እዩ። ነፍሰይሲ፡ ግደይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ስለዚ ብእኡ ተስፋ እገብር፡ ትብል አላ።
Translation | Contextከምቲ ኣደ ንውሉዳ እተጸናንዕ፡ ከምኡ ኸጸናንዓኩም እየ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ኽትጸናንዑ ኢኹም።
Translation | Contextኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል አሎኹ። ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዚመጸኒ፧ ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ። ንሱ ንእግርኻ ኣየሰናኽልን፣ ሓላዊኻ ኣይታኸስን። እንሆ፣ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኸስን ኣይድቅስን እዩ። እግዚኣብሄር ሓላዊኻ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣብ የማነይቲ ኢድካ ጽላልካ እዩ። ጸሓይ ብመዓልቲ፣ ወርሒውን ብለይቲ ኣይኪወቕዓካን እዩ። እግዚኣብሄር ካብ እከይ ዘበለ ኺሕልወካ፣ ንነፍስኻ ኺሕልዋ እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለአለም ምውጻእካን ምእታውካን ኪሕሉ እዩ።
Translation | Contextየሱስ መለሰ በለውን፥ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ፡ ቤት፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ፡ ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ፡ ሕጂ ኣብዛ ዘመን እዚኣ ቤት፡ ኣሕዋት፡ ኣሓት፡ ኣደ፡ ውሉድ፡ ግርሁ፡ ሚእቲ ካዕበት ምስ ስደት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ
Translation | Contextንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ። ስለዚ ተቢዕና፡ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ ንበል።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ። በርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፣ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ አሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።
Translation | Context