Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም አለዉ እሞ፡ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ።
Translation | Contextብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ።
Translation | Contextሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ። ዐሪቀ፡ ከደንኩምኒ። ሐሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ። ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልስሉ፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ መኣዝከ ጋሻ ኴንካ ርኤናካ ኣሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕካስ ከደንናካ፧ መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ትአሲርካስ በጻሕናካ፧ ይብሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙን ዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ። ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣየብላዕኩምንን። ጸሚኤ፡ ኣየስቴኹምንን። ገይሸ፡ ኣይተቐበልኩምንን። ዐሪቐ፡ ኣይከደንኩምንን። ሐሚመ፡ ተኣሲረ፡ ኣይበጻሕኩምንን። ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ፡ ወይ ጸሚእካ፡ ወይ ጌሽካ፡ ወይ ዐሪቕካ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካ፡ ዘየገልገልናካ፧ ኢሎም ይመልስሉ። ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።
Translation | Contextብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉ፡ ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ።
Translation | Contextንስኻትኩምውን ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ እቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓና ኣባኻትኩም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን፡ ከም ንነፍስኻ ኸኣ ፍተዎ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
Translation | Contextነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ድማ፥ ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፡ ንሳቶም ድማ ምናልባሽ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ፡ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኰነካስ፡ ኣዕሩኽካ ዀነ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ። ምሳሕ እንተ ገበርካስ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብጹእ ክትከውን፡ ብትንሳኤ ጻድቃንውን ክትፍደ ኢኻ፡ በሎ።
Translation | Contextእቲ ኤጶስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባም፡ ቅኑዕ፡ ቅዱስ፡ ይአኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዜብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኵሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኪኸውን ይግባእ።
Translation | Contextነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።
Translation | Contextእቶም ደቂ ዓዲ ድማ ኣዝዮም ደንገጹሎም፡ ዝናም ይዘንም ስለ ዝነበረን፡ ስለቲ ቚርን ድማ፡ ሓዊ ኣንዲዶም ንዂላትና ተቐበሉና።
Translation | Contextናይ ክርስቶስ ስለ ዝዀንኩም፡ ጣሳ ማይ ዝሑል ብስመይ ዜስትየኩም ዘበለ፡ ዓስቡ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextብሰናይ ግብሪ እተመስከረላ፡ ውሉድ ዘዕበየት፡ ጋሻ እተቐበለት፡ እግሪ ቅዱሳን ዝሐጸበት፡ ንዝጸበቦም ዘርሃወት፡ ሰናይ ግብሪ ዘበለ ዝሰዓበት፡ ካብ ስሳ ዓመት ዘይነኣሰት፡ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት ከም መበለት ኰይና ትቈጸር።
Translation | Contextንሰብ ዘይኰነስ ከም ንጐይታ ጌርኩም ብፍታው ተገዝኡ።
Translation | Contextንሳ ድማ ንብዙሓት ንኣይ ንርእሰይን ደጋፊት ነይራ እያ እሞ፡ ንቕዱሳን ከም ዚግባእ ጌርኩም ተቐበልዋ፡ ብትደልየኩም ዘበለ ተግባርውን ደግፍዋ።
Translation | Contextእንሆ ኸኣ፡ ሓደ ፈላጥ ሕጊ፥ መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ኺፍትኖ ተንስኤ። ንሱ ከኣ፥ ኣብ ሕጊ እንታይ ጹሑፍ አሎ፧ ከመይሲ ተንብብ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፥ ጽቡቕ መለስካ። ከምኡ ግበር እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፡ በሎ። ንሱ ግና ርእሱ ኼጽድቕ ደልዩ፡ ንየሱስ፥ ብጻየይከ መን እዩ፡ በሎ። የሱስ መሊሱ በለ፥ ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ገፈፍዎን ከትከትዎን፡ ዳርጋ ምዉት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ። ኰነ ኸኣ፡ ሓደ ካህን በታ መገዲ እቲኣ ኺወርድ ከሎ፡ ርእይዎ ሐለፈ። ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ ብጽሔ፡ እናረኣዮ ሐለፈ። ሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ፡ ምስ ረአዮ ኸኣ ደንገጸሉ። ናብኡ ቐሪቡ ኣቑሳሉ ሰፈፈሉ፡ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ፡ ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ አለዮ። ንጽብሒቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውጺኡ፡ ነቲ ሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ሀቦ እሞ፥ ተኸናኸኖ፡ ንእኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ምስ ተመለስኩ ኸፈድየካ እየ፡ በሎ። ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተ፡ ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ፧ ንሱ ድማ፥ እቲ ምሕረት ዝገበረሉ፡ በለ። የሱስ ከኣ፡ ኪድከ፡ ንስኻውን ከምኡ ግበር፡ በሎ።
Translation | Context