Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

house dedication


2ይ ሳሙኤል 7:29 | 26 Helpful votes

ሕጂ ድማእግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ቤት ባርያኻ ብበረኸትካ ንዘለአለም ክትባረኽ ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ቤት ባርያካ ንዘለአለም ኣብ ቅድሜካ ምእንቲ ኽትነብር፡ ክትባርኻ ፍቶ

Translation | Context
መዝሙር 91:9-11 | 12 Helpful votes

ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮእከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካንስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣

Translation | Context
ምሳሌ 24:3-4 | 11 Helpful votes

ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ፡ ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕክፍልታት ቤት ሳላ ፍልጠት እዩ ኽቡርን ጽቡቕን ዘበለ ዅሉ ጥሪት ዚመልእ

Translation | Context
መዝሙር 127:1 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ። እግዚኣብሄር ንኸተማ እንተ ዘይሐለዋሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ

Translation | Context
ያእቆብ 1:17 | 4 Helpful votes

ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ

Translation | Context
መዝሙር 127:1-5 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ። እግዚኣብሄር ንኸተማ እንተ ዘይሐለዋሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕኣንጊህኩም ምትንሳእኩምኣምሲኹም ምድቃስኩምእንጌራ ጻዕሪ ምብላዕኩም ከንቱ እዩ፣ እዝስ ንፍቁራቱ ደቂሶም ከለዉ ይህቦም እዩ። እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም። ጕልድባኡ ብእኦም ዝመልኤ ሰብኣይ ብጹእ እዩ፣ ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡኣይሐፍሩን እዮም።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:5 | 3 Helpful votes

ቤት ስርሑ እሞ ንበሩላኣታኽልቲ ትኸሉ እሞ ፍሪኡ ብልዑ

Translation | Context
ኤፌሶን 2:19-22 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይስን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩምን። ኣብኡ ብዘሎ እቲ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዐቢ እዩ። ንስኻትኩምውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኰኑ ሐቢርኩም ትህነጹ አሎኹም።

Translation | Context
እያሱ 24:15 | 2 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ክፉእ ኰይኑ እንተ ተራእየኩምሲ ንመን ከም እተገልግሉ፡ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ክንየው ርባ ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ወይ ኣማልኽቲ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘሎኹም ኣሞራውያንሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል

Translation | Context
መዝሙር 150:1-6 | 2 Helpful votes

ሃሌሉያንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ አመስግንዎ፣ ኣብ ጠፈር ስልጣኑ አመስግንዎ፣ ስለቲ ግብርታት ሓይሉ አመስግንዎ። ከም ብዝሒ ዕቤቱ አመስግንዎ። ብድምጺ መለኸት አመስግንዎብበገናን መሰንቆን አመስግንዎ፣ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ። ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል አመስግንዎ፣ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ። ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖሃሌሉያ

Translation | Context
ማቴዎስ 7:24-27 | 2 Helpful votes

ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስልዝናም ዘነመውሒዝ ወሐዘንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ፡ ኣይወደቐትን። ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ዅሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስልዝናም ዘነመውሒዝ ወሐዘነፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ደፍእዋወደቐትኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ።

Translation | Context
መዝሙር 128:1-6 | 2 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ዚፈርህብመገዱ ዚመላለስ ዘበለ ሰብ ብጹእ እዩ። ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዕ ኢኻ እሞ፣ ብጹእ ኢኻ፣ ደሓንውን ክትረክብ ኢኻ። ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ እዮም። እንሆንእግዚኣብሄር ዚፈርህ ሰብ ከምዚ ኢሉ ኺባረኽ እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ኪባርኸካ፣ ኵለን መዓልትታት ህይወትካ ድማ ሰናይ የሩሳሌም ክትርኢ ኢኻ። ደቂ ደቅኻውን ክትርኢ ኢኻ። ሰላም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይኹን።

Translation | Context
መዝሙር 121:1-8 | 2 Helpful votes

ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል አሎኹ። ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዚመጸኒረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ። ንሱ ንእግርኻ ኣየሰናኽልንሓላዊኻ ኣይታኸስን። እንሆ፣ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኸስን ኣይድቅስን እዩ። እግዚኣብሄር ሓላዊኻ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣብ የማነይቲ ኢድካ ጽላልካ እዩ። ጸሓይ ብመዓልቲወርሒውን ብለይቲ ኣይኪወቕዓካን እዩ። እግዚኣብሄር ካብ እከይ ዘበለ ኺሕልወካንነፍስኻ ኺሕልዋ እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለአለም ምውጻእካን ምእታውካን ኪሕሉ እዩ።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 17:1-27 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ዳዊት ኣብ ቤቱ ምስ ተቐመጠ፡ ዳዊት ንነብዪ ናታን፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቤት ጽሕዲ ተቐሚጠ አሎኹ፡ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ግና ኣብ ትሕቲ መጋረጃታት አሎ፡ በሎናታን ከኣ ንዳዊትኣምላኽ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዂሉ ግበርበሎ። ኰነ ድማ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ኸምዚ ዚብል ቃል ኣምላኽ ናብ ናታን መጾ፡ ኪድ እሞ ንዳዊት ባርያይእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ በሎ፡ ኣነ ዝነብረላ ቤት ንስኻ ኣይክትሰርሓለይን ኢኻ። ካብታ ንእስራኤል ዘደየብኩላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎም መዓልቲ ኻብ ድንኳን ናብ ድንኳንካብ ማሕደሪውን ናብ ማሕደሪ እኸይድ ነበርኩ እምበር፡ ኣብ ቤትሲ ኣይነበርኩን። ኣብቲ ምስ ብዘሎ እስራኤል እተመላለስኩሉንሓደ ኻብቶም ንህዝበይ ኪጓስዩ ንዝኣዘዝክዎም መሳፍንቲ እስራኤል፡ ስለምንታይ ቤት ጽሕዲ ዘይሰራሕኩምለይኢለዶ ተዛረብኩ፧ ሕጂ ኸኣ ንባርያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ክትከውንሲ፡ ኣነ ኻብቲ ምጒሳይ ካብ ድሕሪ እተን ኣባጊዕ ኣምጻእኩኻኣብ ዝኸድካዮ ዘበለ ኸኣ ምሳኻ ነበርኩ፡ ንዂሎም ጸላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጽነትክዎምከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ስም ክገብረልካ እየ፡ ንህዝበይ እስራኤልውን ቦታ ኽዳልወሉ፡ ድሕሪ ደጊም ከኣ ከይነቓነቕ፡ ኣብታ ቦታ ኽተኽሎ እየ። ሽዑ ኸምቲ ኻብተን ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈረዲ ኪዀኑ ዝኣዘዝኩለን መዓልትታት፡ እቶም ደቂ ዓመጽቲ ኸምቲ ናይ ቀደም ገይሮም መሊሶም ኣይከጨንቕዎምን እዮም። ንዂሎም ጸላእትኻ ድማ ከጥቅዖም እየ። እግዚኣብሄር ደኣ ንኣኻ ቤት ከም ዚሰርሓልካእነግረካ አሎኹ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ መዓልትታትካ ምስ መልኣ፡ ናብ ኣቦታትካውን ምስ ከድካብድሕሬኻ ነቲ ካብ ደቅኻ ዚኸውን ዘርእኻ ልዕል ከብሎ እየመንግስቱ ድማ ከጽንዓ እየ። ንሱ ንኣይ ቤት ኪሰርሓለይ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ዝፋኑ ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ። ኣነ ኣቦ ክዀኖ እየንሱ ድማ ወዲ ኪዀነኢ እዩምሕረተይ ከኣ፡ ከምቲ ኻብቲ ኣብ ቅድሜኻ ዝነበረ ዝመለስክዋካብኡ ኣይክመልሳን እየ። ኣብ ቤተይን ኣብ መንግስተይን ደኣ ንዘለኣለም ከቚሞ እየ፡ ዝፋኑ ኸኣ ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ። ከም ኲሉ እዚ ዘረባ እዝን ከም ኲሉ እዚ ራእይ እዝን ናታይ ከምኡ ገይሩ ንዳዊት ተዛረቦ። ሽዑ ንጉስ ዳዊት አትዩኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጡ በለ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽክሳዕ ክንድዚ ዘብጻሕካንስኣነ መን እየቤተይከ እንታይ እያ፧ ዎ ኣምላኽእዚ ድማ ንእሽቶ ዀይኑ ተራእዩካስ፡ ብዛዕባ ቤት ባርያኻ ብርሑቕ ዚኸውን ትዛረብ አሎኻዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ልዕል ዝበለ መዓርግ ከም ንዘለዎ ሰብ ጌርካ ድማ ርኤኻኒንባርያኻስ ትፈልጦ አሎኻ እሞ፡ ደጊም ዳዊት ብዛዕባ እዚ ኽብረት ባርያኻ እንታይ ኪውስኽ እዩዎ እግዚኣብሄር፡ እዚ ዂሉ ዓበይቲ ነገራት ከተፍልጥሲ፡ ምእንቲ ባርያካ ከም ልብኻን ኢልካ ዂሉ እዚ ዕቤት እዚ ገበርካዎ እግዚኣብሄር፡ በቲ በእዛንና ዝሰማዕናዮ ዂሉ፡ ከማኻ የልቦንብጀካኻ ድማ ኣምላኽ የልቦን። ከብ ቅድሚ እቲ ኻብ ግብጺ ዘድሐንካዮ ህዝብኻ ኣህዛብ ብምስጓጒካ፡ በዚ ዓብዪን ዜፍርህን ነገር ንኣኻ ስም ክትገብርሲህዝቡ ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣምላኽ ባዕሉ ኼድሕኖ ዝኸደ፡ ኣብ ምድሪኸ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ ሓደ ህዝቢዶ አሎ እዩ፧ ህዝብኻ እስራኤል ከኣ ንዘለኣለም ንኣኻ ህዝቢ ኪኸውን ገበርካዮ፡ ንስኻ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄርኣምላኹ ዀንካሉሕጂ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ብዛዕባ ባርያኻን ብዛዕባ ቤቱን እተዛረብካዮ ነገር ንዘለኣለም ይጽናዕ ኢልካ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ግበር። ሽዑ፡ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንሱ ንእስራኤል ኣምላኽ እዩ፡ እናተባህለ ስምካ ንዘለኣለም ይጽናዕን ይዕበንእታ ቤት ዳዊት ባርያኻ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ጸኒዓ አላ። ዎ ኣምላኸይንባርያኻ ቤት ከም እተሰርሓሉስ፡ ንስኻ ኣብ ኣእዛኑ ገሊጽካሉ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ኺጽሊ ኣብ ልቡ ረኸበ። ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣምላኽ ኢኻንባርያኻ ኸኣ እዚ ጽቡቕ ነገር እዚ ኣተስፎኻዮሕጂ ድማ እቲ ንስኻ፡ ዎ እግዚኣብሄርዝባረኽካዮ ንዘለኣለም ብሩኽ እዩ እሞቤት ባርያኻ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ምእንቲ ኽትነበር፡ ክትባርኻ ፈቲኻ አሎኻ።

Translation | Context