Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ አለዋ፡ እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ።
Translation | Contextኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፡ ንኣኻ ኺህበካ፡ ዝመሐለሎም ምድሪ፡ ምስ ኣእተወካ፡ ዘይሰራሕካየን ዓበይትን ጽቡቓትን ከተማታት፡ ዘይመላእካየን ኵሉ ጽቡቕ ዘበለ ዝመልኣ ኣባይትን፡ ዘይኰዐትካዮ ዅዑት ዔላታትን፡ ዘይተኸልካዮ ወይንን ኣውልዕን ከኣ ምስ ሀበካ፡ እሞ በሊዕካ ምስ ጸገብካ፡
Translation | Contextእዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰት እኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ካብ ኣምላኽ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና፡ ንፈልጥ ኢና።
Translation | Contextኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስ፡ ምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ፡
Translation | Contextስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ መሰረት፡ ፍቱን እምኒ፡ ድልዱል ዝመሰረቱ፡ ክቡር እምኒ ዂርናዕ ኤንብር አሎኹ፡ ብእኡ ዚኣምን ኣይኪሀድምን እዩ።
Translation | Contextካባኻትኩምከ፡ ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተ፡ ምውዳኡ እንተ ሰኣነ፡ ዝረአይዎ ዅሎም፡ እዚ ሰብኣይዚ ምንዳቕ ጀሚሩስ ምውዳኡ ስኢኑ፡ ኢሎም ምእንቲ ኼላግጹሉ ኸይጅምሩ፡ ንመወድኢኡ ዚኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፡ እንታዋይ እዩ፧
Translation | Contextዘይጸዐርካላ ምድርን ዘይነደቕኩምወን ከተማታትን ሀብኩኹም፡ ኣብኤን ከኣ ትነብሩ አሎኹም፡ ካብ ዘይተኸልኩምዎ ወይንታትን ኣዋልዕን ድማ ትበልዑ አሎኹም።
Translation | Contextደጊ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርሶም፡ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንጻድቕ ይዕቈረሉ።
Translation | Contextብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።
Translation | Contextነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ፡ ኣይወደቐትን። ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ዅሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ነፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ደፍእዋ፡ ወደቐት፡ ኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ።
Translation | Contextካብቲ ቔናን ከናፍር ዘለዎ ዓሻስ፡ ብንጽህና ዚመላለስ ድኻ ይሐይሽ። ነፍሲ ብዘይ ፍልጠት ምዃና ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ቅልጡፍ እግሪ ኸኣ ይስሕት። ሰብ ብዕሽነቱ መገዱ ይገላብጥ፡ ልቡ ግና ኣብ እግዚኣብሄር እዩ ዜንጸርጽር። ሃብትስ ብዙሓት ፈተውቲ ይውስኽ፡ ንድኻ ግና ፈታዊኡ እኳ ይሐድጎ። ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን፡ እቲ ሓሶት ዜስእ ከኣ ኣየምልጥን። ንኸበርቴ ብዙሓት የቀባጥሩሉ፡ ነቲ ዓዳል ውህበታት ድማ ኵሎም ፈተውቱ እዮም። ንድኻ ዅሎም ኣሕዋቱ ይጸልእዎ፡ ምናዳ እኳ ፈተውቱ ኻብኡ ይርሕቁ፡ ብቓላት ይስዕቦም፡ ግናኸ የለዉን። ልቦና ዜጥሪ ንነፍሱ የፍቅራ፡ ንምስትውዓል ዜድህበሉ ሰናይ ይረክብ። ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን፡ ሓሶት ዜውስእ ከኣ ይጠፍእ። ንዓሻ ጣዕሚ ንብረት ኣይግብኦን፡ ምናዳ እኳ ንባርያ ኣብ ልዕሊ መሳፍንቲ ምስልጣን ኣይግብኦን። ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ፡ ንበደል ምሕላፍ ከኣ ክብረቱ እዩ። ኵራ ንጉስ ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፡ ሞገሱ ግና ኣብ ሳዕሪ ኸም ዚወርድ ኣውሊ እዩ። ዓሻ ውሉድ ነቦኡ መከራ እዩ፡ ቈየቛ ሰበይቲ ኸኣ ከየቋረጸ ዚነጥብ ናሕሲ እዩ። ቤትን ሃብትን ካብ ወላዲ ይውረስ፡ ለባም ሰበይቲ ግና ካብ እግዚኣብሄር እያ። ትህኪት ናብ ዓሚቝ ድቃስ የውድቕ፡ ሸለልተኛ ነፍሲ ኸኣ ትጠሚ። ትእዛዝ ዚሕሉ ነፍሱ ይሕሉ፡ መገዱ ሸለል ዚብል ግና ይመውት። እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሪ ኺፈድዮ እዩ። ገና ተስፋ ኸሎ፡ ንወድኻ ቕጽዓዮ፡ ክሳዕ ንምቕታሉ ግና ኣይትናደድ። እንተ ኣናገፍካዮስ ከተንድዶ ኢኻ እሞ፡ ኰራዪ ሰብ ይዕደ። ኣብ መውዳእታኻ ጥበበኛ ኽትከውንሲ፡ ምኽሪ ስማዕ፡ ተግሳጽውን ተቐበል። ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ሃቐና አሎ፡ ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና እዩ ጸኒዑ ዚነብር። ንሰብ ርሕራሔ እዩ ጌጹ፡ ካብ ሓሳውስ ድኻ ይሐይሽ። ፍርሃት እግዚኣብሄር ናብ ህይወት የብጽሕ፡ ሳላኡ ሰብ ጸጊቡ ይሐድር፡ ክፉእ ከኣ ኣይረኽቦን። ሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ፡ ግናኸ ናብ ኣፉ እኳ ኣይምልሳን። ንመላገጺ እንተ ገረፍካዮ፡ ገርሂ ይጥንቀቕ፡ ንበዓል ኣእምሮ እንተ ገሰጽካዮ ኸኣ፡ ፍልጠት የስተውዕል። እቲ ነቦኡ ዜጥፍእ ነዲኡውን ዚሰጕጕ መሕፈርን ነውራምን ውሉድ እዩ። ወደየ፡ ነቲ ኻብ ቃል ፍልጠት ዜርሕቐካ ተግሳጽ ምስማዕ ሕደጎ። ሕሱም ምስክር ንፍርዲ የባጭወሉ፡ ኣፍ ረሲእ ከኣ ኣበሳ ይውሕጥ። ፍርዲ ንመላገጽቲ፡ መውቃዕቲ ኸኣ ንዝባን ዓያሱ ተዳልዩሎም አሎ።
Translation | Context