Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all5 bible verses about
ዕድመ ኣዳም ድሕሪቲ ንሴት ምስ ወለዶ፡ ሾሞንተ ሚእቲ ዓመት ኰነ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።
Translation | Contextመጽሓፍ ወለዶ ኣዳም እዚ እዩ፥ ኣምላኽ በታ ንሰብ ዝፈጠረላ መዓልቲ ብምስሊ ኣምላኽ ገበሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም፡ ባረኾም ድማ። በታ እተፈጥሩላ መዓልቲ ኸኣ ስሞም ኣዳም ኢሉ ኣውጽአሎም። ኣዳም ድማ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገበረ፡ ከም መልክዑ ኸኣ ንእኡ ዚመስል ወዲ ወለደ፡ ስሙውን ሴት ኣውጽኣሉ። ዕድመ ኣዳም ድሕሪቲ ንሴት ምስ ወለዶ፡ ሾሞንተ ሚእቲ ዓመት ኰነ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። ኣዳም ዝነበሮ ዅሉ ዕድሜኡ ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ኰነ። ሞተ ኸኣ። ሴት ድማ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ገበረ፡ ንሄኖስ ከኣ ወለደ። ሴት ንሄኖስ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእትን ሾብዓተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። ኵሉ ዕድመ ሴት፡ ትሽዓተ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን ዓመት ኰነ። ሞተ ኸኣ። ሄኖስ ድማ ተስዓ ዓመት ገበረ፡ ንቃይናን ከኣ ወለደ። ሄኖስ ድማ ድሕርቲ ንቃይናን ምስ ወለደ፡ ሾሞንተ ሚእትን ዓሰርተው ሓሙሽተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። ኵሉ ዕድመ ሄኖስ ትሽዓተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ። ቃይናን ከኣ ሰብዓ ዓመት ገበረ፡ ንመሃላልኤል ድማ ወለደ። ቃይናን ንመሃላልኤል ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። ኵሉ ዕድመ ቃይናን ከኣ ትሽዓተ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ። መሃላልኤል ከኣ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ገበረ፡ ንያሬድ ድማ ወለደ። መሃላልኤል ንያሬድ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። ኵሉ ዕድመ መሃላልኤል ከኣ ሾሞንተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ። ያሬድ ከኣ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ገበረ፡ ንሄኖክ ድማ ወለደ። ያሬድ ንሄኖክ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእቲ ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። ኵሉ ዕድመ ያሬድ ከኣ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ኰነ። ሞተ ኸኣ። ሄኖክ ድማ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ገበረ፡ ንማቱሳላ ኸኣ ወለደ። ሄኖክ ንማቱሳላ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። ኵሉ ዕድመ ሄኖክ ድማ ሰለስተ ሚእትን ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ኰነ። ሄኖክ ከኣ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ፡ ኣምላኽ ወሲድዎ እዩ እሞ ኣይተራእየን። ማቱሳላ ድማ ሚእትን ሰማንያን ሾብዓተን ዓመት ገበረ፡ ንላሜክ ከኣ ወለደ። ማቱሳላ ንላሜክ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሾብዓተ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። ኵሉ ዕድመ ማቱሳላ ኸኣ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ትሽዓተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ። ላሜክ ከኣ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ገበረ፡ ወዲ ድማ ወለደ። ኣብዛ እግዚኣብሄር ዝረገማ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዕዮናን ካብ ጻዕሪ ኢድናን እዚ ኼጸናንዓና እዩ፡ ኢሉ ስሙ ኖህ ኣውጽኣሉ። ላሜክ ንኖህ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሓሙሽተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። ኵሉ ዕድመ ላሜክ ከኣ ሾብዓተ ሚእትን ሰብዓን ሾብዓተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ። ኖህ ከኣ ወዲ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ኰነ፡ ኖህ ድማ ንሴምን ንካምን ንያፌትን ወለደ።
Translation | Contextኣዳም መሊሱ ንሰበይቱ ፈለጣ። ንሳ ኸኣ ወዲ ወለደት፡ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል ካልእ ፍረ ኸርሲ ተኪኡኒ እዩ፡ ኢላ ስሙ ሴት ኣውጽኣትሉ።
Translation | Contextኣዳም ድማ ንሰበይቱ ሄዋን ፈለጣ፡ እሞ ጠነሰት፡ ንቃየል ከኣ ወለደት፥ ብረድኤት እግዚኣብሄር ሰብ ተቐበልኩ፡ ድማ በለት። ደጊማውን ንሓው ኣቤል ወለደት። ኣቤል ድማ ጓሳ ኣባጊዕ፡ ቃየል ከኣ ዓያዪ ምድሪ ዀነ። ድሕሪ ገለ ወርሓት ድማ ዀነ፡ ቃየል ካብ ፍረ ምድሪ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣምጽኤ። ኣቤል ከኣ ካብ ብዅራት ኣባጊዑን ካብ ስብሔንን ኣምጽኤ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ባህ ኢልዎ ረአየ። ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግና ባህ ኢልዎ ኣይረአየን። ቃየል ከኣ ኣዝዩ ዀረየ፡ ገጹ ድማ ጸለመ። እግዚኣብሄር ከኣ ንቃየል፥ ስለምንታይ ኰሬኻ፧ ስለምንታይከ ገጽካ ጸለመ፧ ጽቡቕ እንተ ትገብርሲ፡ ገጽካዶ ትኽ ኣይምበለን፡ ጽቡቕ እንተ ዘይገበርካ ድማ፡ ሓጢኣት ኣብ ኣፍደገ ትቃጸወካ አላ፡ ሃረርታኣውን ናባኻ እዩ፡ ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግባኣካ፡ በሎ። ቃየል ድማ ንሓዉ ኣቤል ተዛረቦ። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መሮር ከለዉ፡ ቃየል ንሓዉ ኣቤል ተንስኦ፡ ቀተሎ ድማ። እግዚኣብሄር ከኣ ንቃየል፥ ኣቤል ሓውካ፡ ኣበይ አሎ፧ በሎ። ንሱ ድማ፥ ኣይፈልጥን፡ ኣነዶ ሓላው ሓወይ እየ፧ በለ። ንሱ ኸኣ፥ እንታይ ጌርካ ኢኻ፧ ድምጺ ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ አሎ። ሕጂ ድማ ንስኻ ካብዛ ንደም ሓውካ ኻብ ኢድካ ኽትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ ርጉም ኩን፡ ንምድሪ ምስ እትሓርሳ መሊሳ ሓይላ ኣይክትህበካን እያ፡ ኣብ ምድሪ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ኩን፡ በለ። ቃየል ከኣ ንእግዚኣብሄር በሎ፥ በደለይ ክጾሮ ዘይክኣለኒ ዓብዪ እዩ። እንሆ፡ ሎሚ ኻብ ገጽ ምድሪ ትሰጐኒ አሎኻ፡ ኣነ ድማ ኻብ ገጽካ ኽሕባእ እየ፡ ኣብ ምድሪ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ክኸውን እየ። ክኸውን ከኣ እዩ፡ ዚረኽበኒ ዘበለ ዅሉ ኪቐትለኒ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ፥ እምበኣር ንቃየል ዝቐተለ ዅሉ ሾብዓተ ካዕበት ሕነ ኺፍደዮ እዩ፡ በሎ። ዝረኸቦ ዅሉ ምእንቲ ኸይቀትሎ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ንቃየል ምልክት ገበረሉ። ቃየል ድማ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወጸ፡ ኣብ ምድሪ ኖድ ከኣ፡ ኣብ ምብራቕ ኤድን ተቐመጠ። ቃየል ከኣ ንሰበይቱ ፈለጣ፡ እሞ ጠነሰት፡ ንሄኖክ ድማ ወለደት። ንሱ ኸኣ ከተማ ሰርሔ፡ ስም እታ ኸተማ ድማ ብስም ወዱ ሄኖክ ኣውጽኣላ። ንሄኖክ ከኣ ኢራድ ተወልደሉ። ኢራድ ድማ ንሜሁያኤል ወለደ። ሜሁያኤል ከኣ ንሜቱሳኤል ወለደ። ሜቱሳኤል ድማ ንላሜክ ወለደ። ላሜክ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወ፡ ስም እታ ሓንቲ ዓዳ፡ ስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ጺላ ነበረ። ዓዳ ንያባል ወለደት። ንሱ ኣቦ እቶም ኣብ ድንኳውንቲ ዚነብሩን ማሎም ዚጓስዩን ኰነ። ስም ሓዉ ኸኣ ዮባል እዩ። ንሱ ኸኣ ኣቦ ዅሎም እቶም ወቓዕቲ መሰንቆን በገናን ኰነ። ጺላ ድማ ንቱባል-ቃይን ወለደት። ንሱ ኸኣ ካብ ኣስራዝን ሓጺንን ኵሉ ዓይነት መቕረጺ ይሰርሕ ነበረ። ሓውቲ ቱባል-ቃይን ድማ ናዕማ እያ። ላሜክ ድማ ነንስቱ በለን፥ ዓዳን ጺላን፡ ቃለይ ስምዓ፡ ኣትን ኣንስቲ ላሜክ፡ ናብ ዘረባይ ጽን በላ፡ ስለ ቝስለይ ሰብኣይ፡ ስለ ስምብራተይ ድማ ጐበዝ ቀተልኩ። ንቃየል ሾብዓተ ኻዕበት ሕነ እንተ ዝፈድዮስ፡ ንላሜክ ከኣ ሰብዓን ሾብዓተን ካዕበት። ኣዳም መሊሱ ንሰበይቱ ፈለጣ። ንሳ ኸኣ ወዲ ወለደት፡ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል ካልእ ፍረ ኸርሲ ተኪኡኒ እዩ፡ ኢላ ስሙ ሴት ኣውጽኣትሉ። ንሴት ድማ ወዲ ተወልደሉ። ስሙ ኸኣ ሄኖስ ኣውጽኣሉ። ሽዑ ሰብ ብስም እግዚኣብሄር ኪምህለሉ ጀመሩ።
Translation | Contextደጊማውን ንሓው ኣቤል ወለደት። ኣቤል ድማ ጓሳ ኣባጊዕ፡ ቃየል ከኣ ዓያዪ ምድሪ ዀነ።
Translation | Context