Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።
Translation | Contextብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ፡ እቲ ብወዲ ዘይኣምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።
Translation | Contextሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
Translation | Contextየሱስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከምዜልቦ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ።
Translation | Contextስለዚ ንሳቶም፥ ግብሪ ኣምላኽ ክንገብርሲ እንታይ ንግበር፡ በልዎ። የሱስ ከኣ። ግብሪ ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ፡ በሎም።
Translation | Contextንሱ ብምሕረት ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን። ብጸጋኡ ጸዲቕና፡ ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ።
Translation | Contextጻማ ነፍሱ ኺርኢ ኺጸግብውን እዩ። እቲ ጻድቕ ባርያ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ኬጽድቕ፡ ኣበሳኦም ድማ ባዕሉ ኺጸውር እዩ።
Translation | Contextእንሆ፡ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል አሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፡ ናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ።
Translation | Contextካብ ላዕሊ ኽትውለድ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም።
Translation | Contextብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፡ ከምቲ ሃብቲ ጻጋኡ ሕድገት ሓጢኣት አሎና።
Translation | Contextብህያውን ንዘለኣለም ብዚነብር ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር፡ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም፡ ንሓቂ እናተኣዘዝኩምዋ፡ ግብዝና ንዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩ፡ ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ፡
Translation | Contextጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም።
Translation | Context