Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

how to get saved


ሮሜ 10:13 | 7 Helpful votes

ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ፡ ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ፡ ነቶም ዚጽውዕዎ ዂሎምውን ሃብታም እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጒሌላን የልቦን።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:8-10 | 7 Helpful votes

ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን። ፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:5 | 7 Helpful votes

የሱስ መለሰብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይ ተወልደኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን

Translation | Context
ሮሜ 10:9-10 | 6 Helpful votes

እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርንይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካክትድሕን ኢኻ።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:12 | 4 Helpful votes

ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚአምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም

Translation | Context
ሮሜ 3:23 | 4 Helpful votes

ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ውን ስኢኖም

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:18-22 | 3 Helpful votes

ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ። ብእኡ ኸይዱ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ ሰበኸሎምትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየትእታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደትማለት ሾሞንተ ነፍሲብማይ ዝደሐናላነቶም ቀደም ዘይአመኑ ሰበኸሎም። እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉማለት ጥምቀትየድሕነኩም አሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን። ንሱ ናብ ሰማይ ዐሪጉ ኣብ የማን ኣምላኽ አሎ፡ ንእኡ መላእኽቲ ስልጣናትን ሓይልታትን ይግዝእዎ አለዉ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:1-5 | 3 Helpful votes

ካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይሓለቓ ኣይሁድ ነበረንሱ ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡረቢብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ኪገብሮ ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካንፈልጥ አሎና፡ በሎየሱስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከምዜልቦብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹኢሉ መለሰሉኒቆዲሞስ ከኣ፥ ንሰብከ ምስ ኣረገኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከአሎመሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ አትዩስ ኪውለድ ይከአሎ እዩ፧ በሎየሱስ መለሰብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይ ተወልደኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን

Translation | Context
ሮሜ 6:23 | 3 Helpful votes

ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩምንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎመወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 10:10 | 2 Helpful votes

እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርንይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካክትድሕን ኢኻ።

Translation | Context
ዮሃንስ 11:25 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተ ሞተ እኳብህይወት ኪነብር እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 4:12 | 2 Helpful votes

ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:9 | 2 Helpful votes

ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:36 | 2 Helpful votes

ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ፡ እቲ ብወዲ ዘይኣምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:38 | 2 Helpful votes

ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም

Translation | Context