Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

how to pray


ማቴዎስ 6:7-9 | 13 Helpful votes

ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ፡ ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ፡ ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ። እምብኣርስከ ኣቦኹም ከይለመንኩምዎ፡ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ኣይትምሰልዎም። ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኹም ደኣ ጸልዩኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦናስማካ ይቀደስ

Translation | Context
ፊልጲ 4:6 | 13 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ

Translation | Context
ማቴዎስ 6:6 | 10 Helpful votes

ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻናብ ቤትካ እቶማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 5:17 | 7 Helpful votes

ከየባተኽኩም ጸልዩ

Translation | Context
ሮሜ 8:26 | 6 Helpful votes

መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዚግብኣናኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና

Translation | Context
ዮሃንስ 15:7 | 6 Helpful votes

ኣባይ እንተ ጸናዕኩምቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:8 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ ሰብኡት ብዘይ ኵራን ውልውልን ቅዱሳት ኣእዳው ኣልዒሎም፡ ኣብ ኵሉ ስፍራ ኪጽልዩ፡ እደሊ አሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:7 | 4 Helpful votes

ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ፡ ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ፡ ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ

Translation | Context
ዮሃንስ 14:1-31 | 4 Helpful votes

ልብኹም ኣይሸበርብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ፡ ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹምኩምኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስተመሊሰ ኽምጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ። ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጡ፡ ነቲ መገድውን ትፈልጥዎ ኢኹም። ቶማስ ከኣ፡ ጐይታይናበይ ከም እትከይድ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ነቲ መገዲኸ ኸመይ ጌርና ኢና እንፈልጦበሎየሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን። ንኣይ እንተ ትፈልጡንስንቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም። ካብ ሕጂ ትፈልጥዎን ርኢኹምዎን አሎኹም፡ በሎ። ፊልጶስ ከኣ፥ ጐይታይነቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለናበሎየሱስ በሎፊልጶስእዚ ኽንድዚ ዚኣክል ዘመን ምሳኽትኩም ክነብር ከሎኹስኣይትፈልጠንን ዲኻ፡ እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረኣዮ። ከመይ ኢልካኸ፥ ነቦ ኣርእየናትብል አሎኻ፧ ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፡ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበርእዚ ንኣካትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰነኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ። ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፡ ኣቦውን ኣባይ ምህላዉ እመኑኒእንተ ዘይኰነስስለቲ ግብርታት እኳ እመኑኒኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብርካብኡ ዚዓብውን ከም ዚገብርብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ። ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩምክገብረልኩም እየ። እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ፡ ነቲ መንፈስ ሓቂዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦ ስለ ዝዀነት፡ ክትቅበሎ ኣይኰነላን እዩ። ንስካትኩም ግናምሳኻትኩም ይሐድር ኣባኻትኩምውን ኪነብር እዩ እሞትፈልጥዎ ኢኹም። ኣነ ዘኽታማት ኴንኩም ኣይሐድገኩምንናባኻትኩም ክመጽእ እየ። ቅሩብ ጊዜ ዓለም ደጊም ኣይክ ትርእየንን እያ፡ ንስኻትኩም ግና ክትርእዩኒ ኢኹም። ኣነ ህያው እየ እሞ፡ ንስካትኩምውን ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኣብ ኣቦይንስኻትኩም ከኣ ኣባይኣነውን ኣባኻትኩም ምህላወይ ክትፈልጡ ኢኹም። እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩኣነውን ኤፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ። እቲ ዘይ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ድማጐይታይእቲ ርእስኻንዓለም ዘይኰነንኣና እትገልጸሉስ እንታይ እዩበሎየሱስ ከኣዜፍቅረኒ እንተሎቃለይ ይሕሉ እዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና። እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን እዩ። እዚ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ቃል ከኣ ናብቲ ዝለአኸኒ ኣቦ እዩ እምበርናተይ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሉ። ምሳኻትኩም ከሎኹእዚ ነገርኩኹምእቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒመንፈስ ቅዱስንሱ ዅሉ ኺምህረኩምዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ። ሰላም እሐድገልኩምሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነንልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድንኣነ ክኸይድ ናባኻትኩምውን ክምለስ እየ፡ ከም ዝበልኩኹም ሰሚዕኩም አሎኹምካባይ ኣቦይ ይዐቢ እዩ እሞእተፍቅሩኒ እንተ ትዀኑስ፡ ናብ ኣቦይ ብምኻደይ ምተሐጐስኩም ኔርኩም። ሕጂ ድማምስ ኰነ ምእንቲ ኽትኣምኑስከይኰነ ነጊረኩም አሎኹ። ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ይመጽእ አሎ እሞኣባይ ሓንቲ እኳ የብሉንደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይዛረብን እየ። ግናኸ ኣነ ነቦ ኸም ዘፍቅሮንከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒውን ከም ዝገብርንዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ከምዚ ይኸውን አሎ። ተንስኡ ኻብዚ ንኺድ

Translation | Context
እብራውያን 4:16 | 4 Helpful votes

ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ

Translation | Context
እብራውያን 5:7 | 4 Helpful votes

ንሱ ብዘመን ስጋኡ ኸሎ፡ ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ኬድሕኖ ዚከአሎጸሎትን ምህልላን ምስ ኣቕረበንብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ምስ ተሰምዔን

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 5:14 | 4 Helpful votes

ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮይሰምዓና እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 6:1-25 | 3 Helpful votes

እቲ ኣብታ ክትርስተይዋ እትሐልፍዋ ዘሎኹም ሃገር ክትገብርዎ፡ ኣነ ኽምህረኩምእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኒ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ድማ እዚ እዩ። ንስኻን ወድኻን ደቂ ደቅኻን ምሉእ ዕድሜኻ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትፈርህዕድሜኻ ድማ ምእንቲ ኺነውሕ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ሐሉ። ስለዚ፡ ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ ዝበለካ፡ ኪጽብቐልካን ኣብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ሃገርን ድማ ኣዚኻ ኽትበዝሕን፡ ክትገብሮ ተጠንቀቕዎ እስራኤልስማዕእግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ። ንስካ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ። እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮምኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብንምልክት ኣብ ኢድካ እሰሮኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ክታብ ይኹን። ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ድማ ጽሐፎ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነቦታትካንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፡ ንኣኻ ኺህበካዝመሐለሎም ምድሪ፡ ምስ ኣእተወካ፡ ዘይሰራሕካየን ዓበይትን ጽቡቓትን ከተማታት፡ ዘይመላእካየን ኵሉ ጽቡቕ ዘበለ ዝመልኣ ኣባይትንዘይኰዐትካዮ ዅዑት ዔላታትን፡ ዘይተኸልካዮ ወይንን ኣውልዕን ከኣ ምስ ሀበካ፡ እሞ በሊዕካ ምስ ጸገብካ፡ ሽዑ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ከይትርስዖ ተጠንቀቕንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍራህ፡ ንእኡ ድማ ኣገልግል ብስሙውን ምሐል። እቲ ኣብ ማእከልካ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ኵራ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣባኻ ኸይነድድ ካብ ገጽ ምድሪውን ከየብርሰካስ፡ እቶም ኣብ ዙርያኻ ዚነብሩ ህዝብታት ንዜምልኽዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስዐቡንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ኣብ ማሳ ዝፈተንኩምዎኣይትፈትንዎትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምንዝአዘዘካ ምስክሩን ሕጋጋቱን ከኣ ኣጽኒዕኩም ሐልዉ። ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካንዅሎም ጸላእትኻ ኻብ ቅድሜኻ ኪሰጎም፡ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትካ ዝመሐለሎም ጽብቕቲ ምድሪ ኸኣ ክትኣቱን ክትርስተያን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕን ጽቡቕን ግበርንዳሕራዩ ወድኻ፡ እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝአዘዘኩም ምስክራትን ሕጋጋትን ፍርድታትን እንታይ እዩ፧ ኢሉ እንተ ሐተተካ፡ ሽዑ ንወድኻ በሎ፡ ኣብ ግብጺ ባሮት ፈርኦን ነበርናእግዚኣብሄር ከኣ ብሓያል ኢድ ካብ ግብጺ ኣውጽኣናእግዚኣብሄር ድማ ኣብ ግብጺኣብ ፈርኦንን ኣብ ብዘሎ ቤቱን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዓበይትን ዚጐድእን ትእምርትን ተኣምራትን ገበረ። ንኣና ግና፡ ናብታ ነቦታትና ዝመሐለሎም ምድሪ ምእንቲ ኼእትወናን ንእኣ ኺህበናን፡ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና። ምሉእ ዕድሜና ምእንቲ ጽቡቕ ኪዀነልና ኸምዚ ሎሚ ዘሎናዮ ኸኣ፡ ብህይወት ኬንብረናእግዚኣብሄር ነዚ ዅሉ ትእዛዛት ክንገብሮ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ድማ ክንፈርሆ ኣዘዘና። ንኣና ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ከምቲ ዝአዘዘና፡ ንዅሉ እዚ ትእዛዛት እዚ ንምግባሩ እንተ ተጠንቀቕናጽድቂ ይዀነልና

Translation | Context
ሉቃስ 11:1-54 | 3 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኺጽሊ ጸኒሑ፡ ምስ ወድኤሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱጐይታይከምቲ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሀሮምምጽላይ ምሀረናበሎ። ንሱ ኸኣ በሎምክትጽልዩ ኸሎኹም፥ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦናስምካ ይቀደስመንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ኣብ ጸጽባሕ ሀበናንሕና ንዝበደሉና ዅሎም ይቕረ ንብል ኢና እሞ ሓጢያትና ይቕረ በለልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፡ በሉ። በሎም ድማ፥ መን እዩ ካባኻትኩም ዓርኪ ዘለዎፈረቃ ለይቲ ናብኡ ኸይዱዓርከይፈታዊ ካብ መገዲ መጺኡንስዝቕርበሉ ስኢነ እሞ፡ ሰለስተ እንጌራ ኣለቅሓኒ፡ እንተ በሎ፡ እቲ ኸኣ ካብ ውሽጢ መሊሱኣይተድክመኒሕጂ ማዕጾ ተሸጕሩደቀይ ከኣ ምሳይ ኣብ ዓራት እዮም ዘለዉ፡ ተንሲኤ ኽህበካ ኣይዀነለይንይብሎዓርኩ ስለ ዝዀነ ኺህቦ እኳ እንተ ዘይተንስኤ፡ ምእንቲ ድቃስ ከይኸልኦ ኢሉ ይትንስእ እሞ ዝደለዮ ይህቦእብለኩም አሎኹ። ኣነ ኸኣ፡ ዚልምን ዘበለ ይቕበልዚደሊ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃህዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ኺውሃበኩምድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ እብለኩም አሎኹ ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖእምኒ ዝህቦወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ኣብ ክንዲ ዓሳስ ተመን ዚህቦ፡ ወይስ እንቋቝሖ እንተ ለመኖዕንቅርቢትዶ ይህቦ፧ እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹምንደቕኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧ ንሱ ዓባስ ጋኔን የውጽእ ነበረኰነ ድማ፡ እቲ ጋኔን ምስ ወጸ፡ እቲ ዓባስ ተዛረበ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ተገረሙገሊኦም ግና፥ ነጋንንቲ ብብኤል- ዜቡል፡ በቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ እዩ ዜውጽኦም ዘሎ፡ በሉክልኦት ከኣ ኺፍትንዎ፡ ካብኡ ትእምርቲ ኻብ ሰማይ ይደልዩ ነበሩ። ንሱ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ በሎም፥ ንሓድሕዳ እተፋላለየት ዘበለት መንግስቲ ትጠፍእቤት ድማ ንርእሳ እተፋላለይትትወድቕ እያ። ኣነ ነጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል ከም ዘውጽኦም ካብ እትብሉስሰይጣን ንርእሱ እንተ ተፈላለየ ደኣ፡ እታ መንግስቱ ኸመይ ኢላ ትቐውም፡ ኣነ ነጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል ዘውጽኦም ካብ ኰንኩስ፡ ደቕኹም ደኣ ብመን የውጽእዎም አለዉ፧ ስለዚ ንሳቶም ፈራዶኹም ኪዀኑ እዮም። ኣነ ነጋንንቲ በጻብዕ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ ግና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣባኻትኩም በጽሔት። እቲ ሓያል ሰብኣጽዋሩ ሒዙ ገዛኡ እንተ ሐለወ፡ ብዘሎ ጥሪቱ ደሓን ይኸውንካብኡ ዚሕይል መጺኡ እንተ ሰዓሮ ግና፡ ነቲ ዚእመኖ ዝነበረ ኣጽዋሩ ይገፎ፡ ነቲ ዝበዝበዞውን ይማቐሎምሳይ ዘይኰነ፡ ንሱ መቓናቕንተይ እዩ። ምሳይ ዘይእክብ ድማ ይዘሩርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸዕረፍቲ ደልዩናብ ኣጻምእ ቦታ ይኸይድ እሞ እንተ ዘይረኸበናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስይብል። ምስ መጸ ድማ፡ ተዀስቲራን ተሰሊማን ትጸንሖ። ሽዑ ንሱ ይኸይድ፡ ካብኡ ዚገዱ ካልኦት ሾብዓተ መናፍስቲ ኸኣ ምስኡ ይማላእኣትዮም ኣብኣ ይሰፍሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ይገዶኰነ ድማ፡ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ካብቲ እኩብ ህዝቢ ሓንቲ ሰበይቲ ቓላ ዓው ኣቢላዝጾረትካ ኸርስን ዝጠቦካየን ኣጥባትን ብጹኣት እየን፡ በለቶ። ንሱ ግና፥ ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን ደኣ እዮም፡ በላ። እቶም ህዝቢ ምስ ተኣከቡ ድማ፡ ኪብል ጀመረ፥ እዚ ወለዶ እዚ ሕሱም እዩ፡ ትእምርቲ ይደሊብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ትእምርቲ ኣይውሃቦንከምቲ ዮናስ ንሰብ ነነዌ ትእምርቲ ዝዀኖም፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ነዚ ወለዶ እዚ ኪዀኖ እዩ። ንግስቲ ኣዜብ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ ካብ ወሰን ምድሪ መጺኣ እያ እሞ፡ ብፍርዲ ምስ ሰብ እዚ ወለዶ እዚ ተንሲኣ ኽትዅንኖ እያ። እንሆ፡ ካብ ሰሎሞን ዚዓቢ ኣብዚ እሎሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፡ ብፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ተንሲኦም ኪዅንንዎም እዮም። እንሆ፡ ካብ ዮናስ ዚዓቢ ኣብዚ አሎንመብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዚኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኺርእዩ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐዴል እምበር፡ ኣብ ከውሊ ወይ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ዜንብሮ የልቦን። ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት ኵሉ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ሕምምቲ እንተ ኰነት ግና፡ ስጋኻ ድማ ጸልማት ይኸውን። እምብኣርከ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃንሲ ጸልማት ከይኸውን ተጠንቀቕኵሉ ስጋኻ ገለ ቕሩብ ጸልማት ዜብሉ ብሩህ እንተ ዀነከምቲ መብራህቲ ብድሙቕ ብርሃኑ ዜብርሃልካ፡ ኵሉ ስጋኻ ብሩህ ኪኸውን እዩ። ኪዛረብ ከሎሓደ ፈሪሳዊ ምስኡ ኺምሳሕ ጸውዖአትዩ ኸኣ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። እቲ ፈሪሳዊ ቅድሚ ምሳሕ ኢዱ ዘይምሕጻቡ ምስ ረአየተገረመጐይታ ኸኣ በሎሕጂ ንስኻትኩም ፈሪሳውያንዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ተጽርዩከብድኹም ግና ከትርን ክፍኣትን ምሉእ እዩ። ኣቱም ዓያሱእቲ ናይ ዝባን ዝገበረ ነቲ ናይ ውሽጡስ ኣይገበረንዶግናኸ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንምጽዋት ሃቡእንሆ፡ ሽዑ ዅሉ ጽሩይ ይዀነልኩም። ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ካብ ሽላንን ጨና ኣዳምን ኵሉ ኣሕምልትን ዕሽር እተውጽኡፍትሕን ፍቕሪ ኣምላኽን ግና ሸለል እትብሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። እቲ ኸይሐደግኩምሲ እዚውን ክትገብሩ ይግብኣኩም ነይሩ። ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ኣብ ቤት ጸሎት ኣውራ መቐመጢ፡ ኣብ ዕዳጋውን ምስላም ትፈትዉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንንከም ዘይርኤንሰብ ከይፈለጦ ብልዕሊኡ ዚረግጾን መቓብር ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ካብቶም ፈለጥቲ ሕጊ ሓደ መሊሱመምህርእዚ ብምባልካስ ንኣናውን ትጸርፈና አሎኻ፡ በሎ። ነሱ ኸኣ በለ፥ ንስኻትኩም ፈለጥቲ ሕጊ ድማ፡ ንሰብ ከቢድ ጾር ተሰክምዎባዕላትኩም ግና ነቲ ጾር ብሓንቲ ኣጻብዕኩም እኳ ኣይትትንክይዎን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ንስኻትኩምውን መቓብር ነብያት ትሰርሑ አሎኹም፡ ኣቦታትኩምውን ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ወይለኹምንሳቶም ቀቲሎምዎም እዮም፡ ንስካትኩም ድማ መቓብሮም ትሰርሑ አሎኹም እሞ፡ ከምኡ ነዚ ንስካትኩም ምስክር ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ኣቦታትኩምውን ትሰምርዎ አሎኹም። ስለዚ ድማ ጥበብ ኣምላኽ በለትነብያትን ሃዋርያትን ናባታቶም እልእኽ አሎኹ፡ ንሓያል ካባታቶም ከኣ ይቐትሉን ይሰጕዎምን አለዉ። ካብ ደም ኣቤል ጀሚሩ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ መሰውእን ቤተ መቕደስን ዝቐተልዎ ዘካርያስ፡ እቲ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ነብያት ካብዚ ወለዶ እዚ ኪደለ እዩ። እወ፡ ካብዚ ወለዶ እዚ ኪድለ እዩ፡ እብለኹም አሎኹ። ኣቱም ፈለጥቲ ሕጊመርሖ ፍልጠት ወሲድኩምሲንስኻትኩም ኣይኣቶኹምን፡ ነቶም ኪኣትዉ ዝደለዩ ድማ ከልኪልኩምዎም ኢኹም እሞ፡ ወይለኹምእዚ ምስ ተዛረበ፡ እቶም ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ብጽኑዕ ኪቕየምዎ ጀመሩምእንቲ ኪኸስዎ ኸኣ፡ ካብ ኣፉ ገለ ዘረባ ቘጠፋ ደልዮም እናተጻናተዉ ብብዙሕ ዘረባ ይሐትዎ ነበሩ።

Translation | Context
ዘዳግም 6:6-9 | 3 Helpful votes

እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮምኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብንምልክት ኣብ ኢድካ እሰሮኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ክታብ ይኹን። ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ድማ ጽሐፎ

Translation | Context
ያእቆብ 5:13-16 | 2 Helpful votes

ኣብ ማእከልኩምዶ ሓሳረ መከራ ዚጸግብ አሎ፧ ይጸሊሕጉስዶ አሎ፧ ይዘምር። ኣብ ምኣእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄርዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ። እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።

Translation | Context