Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፡ ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ።
Translation | Contextሽዑ ኣፍና ብሰሓቕ፣ መልሓስናውን ብእልልታ መልኤ። ሽዑ ኣህዛብ፣ ነዚኣቶም እግዚኣብሄር ዓብዪ ግብሪ ገይሩሎም፣ ተባሃሀሉ።
Translation | Contextንኣፍካ ስሓቕ፡ ንኸናፍርካውን እልልታ ኺመልኦ እዩ።
Translation | Contextንብኽያት ጊዜ አለዎ፡ ንሰሓቕ ከአ ጊዜ አለዎ። ንሓዘን ጊዜ አለዎ፡ ንጓይላ ድማ ጊዜ አለዎ።
Translation | Contextሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆ፡ ልቢ እንተ ጐሀየ ግና መንፈስ ይስበር።
Translation | Contextእቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ይስሕቆም፣ ጐይታ የላግጸሎም።
Translation | Contextሳራ ኸኣ፡ ኣምላኽ ሰሓቕ ገበረለይ፡ እዚ ዝሰምዔ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ምሳይ ይስሕቕ፡ በለት።
Translation | Contextኣቱም ጻድቃን፣ ብእግዚኣብሄር ተሐጐሱ፣ ባህ ድማ ይበልኩም፣ ኣቱም ቅኑዓት ልቢ ዅላትኩም፣ እልል በሉ።
Translation | Contextዜሕፍር ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግባእ ዋዛውን ኣይሰማዕኩም።
Translation | Contextልቢ እናሰሐቕካውን ይጉሂ እዩ፡ መወዳእታ ሓጐስ ከኣ ሓዘን እዩ።
Translation | Contextንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ፣ ብየማነይ ስለ ዝዀነ፣ ኣይክናወጽን እየ። ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን፣ ቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ፣ ስለዚ ልበይ ይሕጐስ፣ ክብረይ እልል ይብል፣ ስጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪሐድር እዩ። ንመገዲ ህይወት ትሕብረኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጐስ ጽጋብ፣ ኣብ የማናይካውን ንዘለአለም ብጽእና አሎ።
Translation | Contextካብቲ እቶም እኽሎምን ወይኖምን ምስ በዝሔ ዚሕጐስዎ ኣብሊጽካ ኣብ ልበይ ሓጐስ ኣንበርካ።
Translation | Contextንመገዲ ህይወት ትሕብረኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጐስ ጽጋብ፣ ኣብ የማናይካውን ንዘለአለም ብጽእና አሎ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ዕለቱ ኸም እትመጽእ ይርኢ እዩ እሞ ይስሕቆ።
Translation | Contextብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሐጐሱ፡ ደጊመ፤ ተሐጐሱ፡ እብል አሎኹ።
Translation | Context