Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስ፡ ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ።
Translation | Contextሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ።
Translation | Contextኣታ ግብዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ። ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ።
Translation | Contextጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርአዩ፡ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን።
Translation | Contextብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካ፡ ንምይታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ፧ ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ትብሎ፡ እንሆ፡ ጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ። ኣታ ግብዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ። ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ።
Translation | Contextኣቱም ግቡዛት፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ጽቡቕ ተነበየ፡ ከምዚ ኢሉ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ። ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሀሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ።
Translation | Contextኣታ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እትፈርድ ባዕልኻውን እትገብሮ ሰብ፡ ካብቲ ፍርዲ ኣምላኽ እትመልቚዶ ይመስለካ አሎ፧
Translation | Contextኣብ ብርሃን አሎኹ፡ ዚብል፡ ንሓዉ ኸኣ ዚጸልእ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ።
Translation | Contextግናኸ ስዉር ዘይቅላዕ፡ ሕቡእውን ዘይፍለጥ የልቦን።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብ፡ እምነት ኣላትኒ፡ እንተ በለ፡ ግብሪ ግና ካብ ዘይትህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እዛ እምነት እዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧ ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲ፡ ሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቕም፧ ከምኡ ኸኣ እምነት፡ ግብሪ እንተ ዜብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ። ግናኸ ሓደ ሰብ ግዳ፡ ንስኻ እምነት ኣላትካ፡ ኣነ ኸኣ ግብሪ አሎኒ፡ ይብል ይኸውን። እምብኣርሲ እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒ፡ ኣነውን ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ። ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን አሎኻ። ጽቡቕ ገበርካ፡ ኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም። ግናኸ፡ ኣታ ከንቱ ሰብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፡ ብግብሩ ኣይጸደቐን፧ እምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዐየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመት፡ ትርኢ አሎኻ። እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ፡ ፍቁር ኣምላኽውን ተባህለ። ሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ፡ ብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ትርእዩ አሎኹም። ከምኡ ኸኣ ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፡ ብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውጽኣቶም፡ ብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧ እምብኣርከ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።
Translation | Contextእቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘልዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጕ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣን፡ ኵሉ ሳዕ ዚምሃራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ።
Translation | Contextካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ፡ ውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም።
Translation | Contextኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን።
Translation | Contextንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ፡ ፍንፉናትን ዘይእዘዙን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ዘይጠቕሙን ብምዃኖም ግና በቲ ግብሮም ይኽሕድዎ አለዉ።
Translation | Contextፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ።
Translation | Context