Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ።
Translation | Contextነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ኣሕለለወት፡ ንእግዚኣብሄር ዘከርክዎ፡ ጸሎተይ ናባኻ፡ ናብቲ ቅዱስ መቕደስካ ኣተወ።
Translation | Contextስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡
Translation | Contextኣቱም ደቀየ፡ ካብ ጣኦታት ተሐለዉ።
Translation | Contextእቶም ጣኦታት ዚሰርሑ ዂሎም ከንቱ እዮም፡ እቶም ፍትዋቶም ከኣ ገለ እኳ ኣይጠቕሙን። እቶም ምስክሮም ድማ ኣይርእዩን ኣየስተውዕሉን፡ ስለዚ ኺንውሩ እዮም። ገለ እኳ ዘይጠቕሞስ ኣምላኽ ዝሰርሔ፡ ምስሊውን ብፍሲ ዝገበረ መን እዩ፧ እንሆ፡ ኲሎም መተዓይይቱ ኺንውሩ እዮም፡ እቶም ሰራሕቲ ኸኣ ሰብ እዮም። ኲሎም ይተኣከቡን ይቕረቡን፡ ኪስምብዱን ሐቢሮም ከኣ ኪንውሩን እዮም። ስራሕ ሓጺን ምሳር ይስርሕ፡ ኣብ ጓህሪ ይገብሮ፡ ብሞደሻ ይቕጥቕጦ፡ ብሓይሊ ቕልጽሙ ይዐዮ፡ ይጠሚ እሞ ይደክም፡ ማይ ኣይሰትን እሞ ይሕለል። ጸራቢ ገመድ ይግትር፡ ብመንደፊ ይነድፎ፡ ብመንደል ይነድሎ፡ ብመመዓራረዪ ይሕንጽጾ። ኣብ ቤት ኪነብር እዩ እሞ፡ ከም መልክዕ ሰብ፡ ከም ውቁብ ሰብ ገይሩ ይሰርሖ። ኦም ሊባኖስ ይቘርጽ፡ ኣውሕን ኣልጌንን የምጽእ፡ ካብ ኣእዋም ዱር ከኣ ይሐሪ፡ ጽሕዲ ይተክል፡ ዝናም ድማ የብቊሎ። እዚ ኸኣ ንሰብ ንምንዳድ ይጠቕሞ፡ ካብኡ ወሲዱ ይስሕነሉ፡ ኣንዲዱ ኸኣ እንጌራ ይስንክት፡ ምስናይ እዚውን ካብኡ ኣምላኽ ይገብር እሞ የምልኾ፡ ምስሊ ይጸርብ እሞ ይሰግደሉ። እምበኣርሲ ፈረቓኡ ኣብ ሓዊ የንድዶ፡ በቲ ፈረቓኡ ኸኣ ስጋ የብስለሉ፡ ጥብሲ ጠቢሱ ድማ ይጸግበሉ፡ ይመውቚ እሞ፡ ኣሰይ እመውቚ፡ ሓዊ ኸኣ እርኢ አሎኹ፡ ይብል። ነቲ ዝተረፈ ድማ ምስሊ ቐሪጹ ኣምካኽ ይገብሮ፡ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ኣድሕነኒ፡ እናበለ ኣብ ቅድሚኡ ተደፊኡ ይሰግድን ይጽልን። እዚኣቶምሲ፡ ከይርርእዩ ኣዒንቶም፡ ከየስተውዕሉ ድማ ልቦም ተደፊኑ እዩ እሞ፡ ገለ እኳ ኣይፈልጡን፡ ሓንቲ እኳ ኣየስተውዕሉን እዮም። ፍርቁ ኣብ ሓዊ ኣንዲደ፡ ንጓህሩ ድማ እንጌራ ሰንኪተ፡ ስጋ ኸኣ ጠቢሰ በላዕኩ፡ ነቲ ተረፉዶ ፍንፋን ክገብሮ፧ ንቚራጽ ዕጨይቲዶኸ ኽሰግደሉ እየ፧ ኪብልሲ ኣብ ልቡ ዚምለስ፡ ፍልጠትን ኣእምሮን ዘለዎ ሓደ እኳ የልቦን። ንሱ ሓመዂስቲ ይምገብ፡ ነፍሱ ኸየናግፍ፡ እዚ ኣብ የማነይቲ ኢደይ ዘሎ ሓሶትዶ ኣይኰነን ከኣ ከይብልሲ፡ እተጠበረ ልቢ ኣጋገዮ።
Translation | Contextጻዕሪ እቶም ናብ ካልኦት ዚጐዩ ኺበዝሕ እዩ። ናይ ደም መስዋእቲ መስቲኦም ኣይክስውእን፣ ንስሞም ከኣ ብኸናፍረይ ኣይከውስእን እየ።
Translation | Contextናብ ጣኦታት ኣይትመለሱ፡ ኣማልኽቲ ፍሲ ድማ ኣይትግበሩ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
Translation | Contextእቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextጣኦታት ኣህዛብሲ ብኢድ ሰብ እተገብሩ ብሩርን ወርቅን እዮም። ኣፍ አለዎም፣ ኣይዛረቡን፣ ኣዒንቲ አለዎም፣ ኣይርእዩን፣ ኣእዛን አለዎም፣ ኣይሰምዑን እዮም። ኣብ ኣፎም ድማ ትንፋስ የልቦን። እቶም ዚገብርዎም ዚውከልዎም ዘበሉ ኸማታቶም ኪዀኑ እዮም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ እዚ ቓላት እዚ ዅሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ። እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዐለ ኸይቀጽዔ ኣይሐድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል። መዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክር።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ እዚ ቓላት እዚ ዅሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ። እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዐለ ኸይቀጽዔ ኣይሐድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል። መዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክር።
Translation | Contextፍቁራተየ፡ ስለዚ ኻብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ።
Translation | Contextኣታ ይሁዳ፡ ክንዲ እቲ ብዝሒ ኸተማታትካ ኽንድኡ ኸኣ እዩ ብዝሒ ኣማልኽትኻ። ክንዲ እቲ መገድታት የሩሳሌም ክንድኡ ድማ ንነውሪ መስውኢታት ሰሪሕካ፡ ንበዓል እትዐጥነሉ መሰውኢ እኳ ደኣ ሰሪሕካ ኢኻ እሞ፡ ከተማታት ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ናብቶም ዕጣን ዚዐጥኑሎም ኣምልኽቲ ኺጠርዑ ኢሎም ኪኸዱ እዮም፡ ግናከ ብጊዜ ጸበባኦምሲ ከቶ ኣይኬድሕንዎምን እዮም።
Translation | Context