Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all18 bible verses about
ጻድቃን የእውዩ፣ እግዚኣብሄር ድማ ይሰምዖም፣ ካብ ኵሉ መከራኦምውን የናግፎም። እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም። ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ፣ እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ። ንሱ ንዅለን ኣዕጽምቱ ይባልሄን፣ ሓንቲ እኳ ኣይትስበርን።
Translation | Contextንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ይሕልዎ ብህይወትውን የንብሮ። ንሱ ኣብ ምድሪ ብጹእ ይኸውን። ናብ ፍቓድ ጸላእቱ ኣይተሕልፎን ኢኻ። ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፣ እግዚኣብሄር ይድግፎ። ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ። ጐይታየ፣ በዲለካ እየ እሞ፣ ምሐረኒ፣ ንነፍሰይ ኣሕውያ፣ በልኩ።
Translation | Contextኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።
Translation | Contextየሱስ መሊሱ በሎም፡ እምነት እንተ ኣልያትኩም እሞ እንተ ዘይተዋላወልኩም፡ እዛኦም በለስ ከም ዝዀነቶ ጥራይ ኣይትገብሩን፡ ነዚ ኸረን እኳ፡ ተንስእ፡ ናብ ባሕሪ ውደቕ፡ ትብልዎ እሞ ከም ኪኸውን፡ ኣሚንኩም ብጸሎት እትልምንዎ ዅሉ ኸምእትረኽቡ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ።
Translation | Contextብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ንህዝቡ ሓይሊ ይህቦ፣ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሰላም ይባርኾ።
Translation | Contextብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።
Translation | Contextእቲ ጽኑዕ ዝሃቐናኡ ኣባኻ ስለ እተማሕጸነ፡ ብሰላም፡ እወ ብሰላም ትሕልዎ።
Translation | Contextጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ከፍርስ እየ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።
Translation | Contextምሸት ምስ ኰነ፡ ኣጋንንቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምናውን ጾረ፡ እተበሀለ ምእንቲ ኽፍጸም፡ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽኤ፡ ሕማም ንዘለዎም ኵሎም ድማ ኣሕወዮም።
Translation | Contextእምብኣርሲ ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና። ብእኡ ኸኣ ናብዚ ዘሎናዮ ጸጋ ብእምነት ምእታው ዝረኸብና፡ ብተስፋ ኽብሪ ኣምላኽውን ንምካሕ አሎና። ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ።
Translation | Contextብምኽርኻ ኽትመርሓኒ፣ ድሓርውን ናብ ክብሪ ኽትቅበለኒ ኢኻ። ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን አሎኒ፧ ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ፣ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን። ስጋይን ልበይን እንተ ማህመነ እኳ፣ ኣምላኽ ንዘለአለም ከውሒ ልበይን ክፍለይን እዩ። እንሆ፣ ካባኻ ዚርሕቁ ኺጠፍኡ እዮም እሞ፣ ካባኻ ብምንዝርና ዚዐልዉ ዘበሉ ተጽንቶም።
Translation | Contextእታ ድርብይቲ ሓደ እኳ ግዳ ዘይገብር ጽዮን፡ ኢሎም ሰምዮምኺ እዮም እሞ፡ ኣነ ኸጥዕየኪ ንቚስልኺውን ከሕውዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ ንድንኳናት ያእቆብ ካብ ምርኮ ኽመልስ፡ ነቲ ዚነብረሉ ስፍራታት ከኣ ክድንግጸሉ እየ። እታ ከተማ ድማ ኣብቲ ዂርባታታ ኽትስራሕ እያ፡ እቲ ኣዳራሽ ከኣ ከምቲ ስርዓቱ መሳፍሮ ኪኸውን እዩ። ካብኦም ድማ ምስጋናን ድምጺ ሕጉሳትን ኪወጽእ እዩ። ከብዝሖም እየ እሞ ኣይኪውሕዱን፡ ከኽብሮም እየ እሞ ኣይኪዋረዱን እዮም። ደቆም ከም ቀደም ኪዀኑ እዮም፡ ማሕበሮም ድማ ኣብ ቅድመይ ክትቀውም እያ። ኣነውን ንዂሎም ጠቓዕቶም ክቐጽዖም እየ። መስፍኖም ካባታቶም ኪኸውን፡ ገዛኢኦም ከኣ ካብ ማእከሎም ኪወጽእ እዩ፡ መን እሞ እዩ ናባይ ኪቐርብ ኢሉስ ንልቡ ትሕጃ ዝህብ፡ ኣነ ደኣ እየ ዘቕርቦ፡ ንሱውን ኪቐርበኒ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ህዝቢ ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኽ ክዀነኩም እየ። እንሆ፡ ናይ እግዚኣብሄር ህቦብላ ነድሩ ይወጽእ፡ እቲ ህቦብላ ኣብ ርእሲ ረሲኣን ተወንጪፉ ይወርድ። እቲ ርሱን ቊጥዓ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ሓሳባት ልቡ ኸይገበረን ከይፈጸመን ኣይኪምለስን እዩ። ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከተስተውዕልዎ ኢኹም።
Translation | Contextከምኡ ኸኣ ንስሓ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትችዓተን ጻድቃንሲ፡ ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፣ ከማኻ ስልጡን መን እዩ፧ ዎ ጐይታይ፣ እምነትካውን ኣብ ዙርያኻ አሎ።
Translation | Contextመልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ።
Translation | Context