Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ጓና ምሳኻትኩም ኣብ ሃገርኩም እንተ ተቐመጠ ድማ፡ ኣይትግፍዕዎ። ንስኻትኩምውን ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ እቲ ምሳኻትኩም ዚነብር ጓና ኣባኻትኩም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን፡ ከም ንነፍስኻ ኸኣ ፍተዎ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
Translation | Contextጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ።
Translation | Contextንስኻትኩም ከኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ንስድተኛ ኣይትዐምጾ ወይ ኣይትጽቀጦ።
Translation | Contextኣነ ንፍርዲ ክቐርበኩም እየ፣ ኣንጻር ኣስማተኛታትን ዘመውትን ኣንጻር እቶም ብሓሶት ዚምሕሉን ነቲ በዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምጽዎን ንመበለትን ዘኽታምን ዚገፍዕዎምን ንስደተኛ መሰሉ ዚጠውዩሉን ንኣይ ከኣ ዘይፈርሁን ቅልጡፍ ምስክር ክዀኖም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
Translation | Contextንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ፍርዲ ዚጠዊ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ከኣ፡ ኣሜን ይበል።
Translation | Contextገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም አለዉ እሞ፡ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፣ ሓቀኛ ፍርዲ ፍረዱ፣ ንሓድሕድኩም ድማ ሰናይን ምሕረትን ግበሩ። ንመበለትን ንዘኽታምን ንስደተኛን ንድኻን ኣይትግፍዑ፡ ካባኻትኩምውን ሓደ እኳ ብልቡ ንሓዉ እከይ ኣይሕሰበሉ።
Translation | Contextኪኸውን ድማ እዩ፣ ንስኻትኩምን ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዚነብሩ፣ ኣብ ማእከልኩምውን ውሉድ ዚወልዱ ጓኖት ርስቲ ጌርኩም ብዕጭ ምቐልዋ። ንሳቶም ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ከም ደቂ ዓድኹም ኪዀኑልኩም እዮም። ኣብ ማእከል ነገድ እስራኤል ከኣ ምሳኻትኩም ንርስቲ ኺርስተዩ እዮም።
Translation | Contextመገድኹምን ግብርኹምን ብሓቂ እንተ ኣጸበቕኩም፡ ኣብ መንጎ ሓድሕድኩም ብሓቂ እንተ ፈረድኩም፡ ንጓናን ዘኽታምን መበለትን እንተ ዘየጨነቕኩም፡ ኣብዚ ስፍራ እዚ ንጹህ ደም እንተ ዘየፍሰስኩም፡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ንጒድኣትኩም እንተ ዘይሰዐብኩምሲ፡ ሽዑ ኣነ ኣብዛ ነቦታትኩም ንዘለኣለም ኣለም ዝሀብክዋ ምድሪ፡ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኸንብረኩም እየ።
Translation | Contextሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ ኸሎ ኢዱ እንተ ሐጸሮ፡ ከም ጓናን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር።
Translation | Contextንሱ ንዘኽታማትን መበለታትን ፍትሒ የውጽእ፡ ንስደተኛውን ይፈቱ፡ እንጌራን ክዳንን ከኣ ይህቦ።
Translation | Contextኣብ ክንዲ ዓባስ፡ ኣብ ክንዲ እቶም ጸግዒ ዜብሎም ኣፍካ ኽፈት። ኣፍካ ኽፈት፡ ብቕንዕና ፍረድ፡ ንሽጉርን ንመስኪንን ብይን ኣውጽኣሎም።
Translation | Contextንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድሓኒ፡ ንሱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ንጽበ አሎና።
Translation | Contextነቶም ዚፈትዉኹም እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ዓስቢ አሎኩም፧ ተገውትስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኰኑን፧ ነሕዋትኩም ጥራይ ብጽቡቕ እንተ ተቐበልኩምከ፡ እንታይ ሓለፋ ገበርኩም፧ ኣህዛብሲ ኸምኡዶ ይገብሩ ኣየለዉን፧
Translation | Context