Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

incest


ዘፍጥረት 19:30-36 | 30 Helpful votes

ሎጥ ከኣ ኣብ ዞኣር ንምቕማጥ ፈሪሁ ነበረ እሞ፡ ኣብ ዞኣር ደይቡክልቲኤን ኣዋልዱ ድማ ምስኡ ኣብ ከረን ተቐመጡንሱን ክልቲኤን ኣዋልዱን ኣብ በዓቲ ተቐመጡ። እታ ቦዂሪ ኸኣ ነታ ንእሽቶኣቦና ኣሪጉ እዩ፡ ኣብ ምድሪ ድማ ከም ልማድ ኵሉ ምድሪ ዜእትወና ሰብኣይ የልቦን። ንዒነቦና ወይኒ ነስትዮ፡ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኸነትርፍሲ ምስኡ ንደቅስ፡ በለታ። እሞ በታ ለይቲ እቲኣ ነቦኤን ወይኒ እስተያኦ፡ እታ በዂሪ ድማ ኣትያ ምስ ኣቦኣ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንስኣን ኣይፈለጠንኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ እታ በዅሪ ነታ ንእሽቶእንሆትማሊ ለይቲ ምስ ኣቦይ ደቂሰ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ወይኒ ነስትዮ፡ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኸነትርፍ፡ ንስኺ ድማ ኣቲኺ ምስኡ ደቅሲበለታበታ ለይቲ እቲኣ ድማ ነቦኤን ወይኒ ኣስተያኦእታ ንእሽቶ ኸኣ ከይዳ ምስኡ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንስኣን ኣይፈለጠን። ክልቲኤን ደቂ ሎጥ ከኣ ካብ ኣቦኤን ጠነሳ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 18:6-18 | 20 Helpful votes

ሓደ ሰብ እኳ ቀረባ ዘመዱ ናብ ዘበለት ሕፍረታ ኪቐልዕ ኢሉ ኣይቕረባኣነ እግዚኣብሄር እየሕፍረት ኣቦኻን ሕፍረት ኣዴኻን ኣይትቕላዕኣዴኻ እያ እሞ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕሕፍረት ሰበይቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕሕፍረት ኣቦኻ እዩ። ሕፍረት ሓብትኻ ኣይትቕላዕ፡ ጓል ኣቦካ ወይ ጓል ኣዴኻ፡ ኣብ ቤት እተወልደት ወይ ኣብ ግዳም እተወልደትሕፍረት ኣይትቕላዕሕፍረት ጓል ወድኻ ወይ ጓል ጓልካሕፍረትካ እዩ እሞ፡ ሕፍረተን ኣይትቕላዕሕፍረት ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ፡ ካብ ኣቦኻ እተወልደት ሓብትኻ እያ እሞ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕሕፍረት ኣሞኻ ኣይትቕላዕ፡ ንሳ ቐረባ ዘመድ ኣቦኻ እያ፡ ቀረባ ዘመድ ኣዴኻ እያ እሞ፡ ሕፍረት ሓትኖኻ ኣይትቕላዕሕፍረት ሓው ኣቦኻ ኣይትቕላዕናብ ሰበይቱ ኣይትቕረብሓብቲ ኣቦኻ እያ። ሕፍረት ሰበይቲ ወድኻ ኣይትቕላዕሰበይቲ ወድኻ እያ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕሕፍረት ሰበይቲ ሓውካ ኣይትቕላዕሕፍረት ሓውካ እዩ። ሕፍረት ሰበይትን ጓላን ኣይትቕላዕጓል ወዳ ወይ ጓል ጓላ ድማ ሕፍረታ ንምቕላዕ ኣይትውሰድንሳተን ቀረባ ዘመድ እየን እሞ፡ ገበን እዩብህይወታ ኸላ ሕፍረታ ብምቕላዕ ከተቕንኣ ሰበይቲ ምስናይ ሓብታ ኣይተእቱ

Translation | Context
ዘዳግም 27:22 | 8 Helpful votes

ምስ ሓብቱጓል ኣቦኡ ወይ ጓል ኣዲኡዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜንይበል

Translation | Context
ዘሌዋውያን 18:6 | 7 Helpful votes

ሓደ ሰብ እኳ ቀረባ ዘመዱ ናብ ዘበለት ሕፍረታ ኪቐልዕ ኢሉ ኣይቕረባኣነ እግዚኣብሄር እየ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 18:7 | 6 Helpful votes

ሕፍረት ኣቦኻን ሕፍረት ኣዴኻን ኣይትቕላዕኣዴኻ እያ እሞ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:17 | 4 Helpful votes

ሰብ ከኣ ሓብቱ፡ ጓል ኣቦኡ ወይ ጓል ኣዲኡ፡ እንተ ኣእተወሕፍረታ ድማ እንተ ረአየ፡ ንሳውን ሕፍረቱ እንተ ረአየት፡ እዚ ነውሪ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ ህዝቦም ይመንቈሱ። ንሱ ሕፍረት ሓብቱ ቐሊዑ እዩ፡ ክፍኣቱ ኺጸውር እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 27:23 | 4 Helpful votes

ምስ ሓማቱ ዚድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ኣሜን ይበል

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 5:1 | 3 Helpful votes

ምንዝርና ብሱሩ፡ ከምኡ ዘመሰለ ምንዝርናስ ኣብቶም ኣህዛብ እኳ ዜልቦ፡ ማለት፡ ሓደ ኻባኻትኩም ነታ ሰበይቲ ኣቦኡ ኸም ዘእተወይውረየኩም አሎ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 20:12 | 2 Helpful votes

ንሳ ድማ ብሓቂ ሓብተይ፡ ጓል ኣቦይ፡ እያ፡ ጓል ኣደይ ግና ኣይኰነትን፡ ሰበይተይ ከኣ ዀነት

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 13:1-39 | 2 Helpful votes

ድሕርዚ ኸኣ ዀነንኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት ታማር ዝስማ መልክዔኛ ሓብቲ ነበረቶ፡ ኣምኖን ወዲ ዳዊት ከኣ ኣፍቀራንሳ ድንግል ነበረት እሞ፡ ኣምኖን ገለ ኺገብራ ኸም ዘይከአሎ፡ ስለ እተራእዮ፡ ኣምኖን ብምኽንያት ሓብቱ ታማር ክሳዕ ዚሐምም ሓሳቡ ኣዕገርገሮኣምኖን ድማ ዮናዳብ ዝስሙወዲ ሺምዓ ሓው ዳዊትፈታዊ ነበሮ። ዮናዳብ ከኣ ኣዝዩ ብልሂ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ድማ፡ አታ ወዲ ንጉስ፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ኸምዚ እትዐብር፡ እንታይ ኴንካ ኢኻ፡ ኣይትነግረንንዶበሎኣምኖን ከኣ፡ ኣነስ ብፍቕሪ ታማር ሓብቲ ሓወይ ኣቤሴሎም እየ፡ በሎ። ዮናዳብ ድማ በሎሓሚመ ኢልካ ኣብ ዓራትካ ደቅስ፡ ኣቦኻ ኺርእየካ ኢሉ ምስ መጸ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ሓብተይ ታማር እንጌራ ኽትህበኒ ትምጻእ፡ ነቲ ብልዒ ድማ፡ ምእንቲ ኽርእዮስኣብ ቅድሚ ዓይነይ ተዳልዎብኢዳ ኸኣ ከተብልዓኒ፡ በሎ። ኣምኖን ድማ ሐሚመ ኢሉ ደቀሰንጉስ ንኣምኖን ኪርእዮ ኢሉ ምስ መጸ ኸኣ፡ ኣምኖን ንንጉስ፡ በጃኻ፡ ታማር ሓብተይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክልተ ቕቻ ኽትገብረለይብኢዳ ድማ ክበልዕሲ ትምጻኣኒ፡ በሎ። ሽዑ ዳዊት ናብ ቤት ናብ ታማር ልኡኽ፡ በጃኺ፡ ናብ ቤት ኣምኖን ሓውኩ ኺዲ እሞ ዚብላዕ ግበርሉበላታማር ከኣ ናብ ቤት ኣምኖን ሓዋ ኸደት፡ ንሱ ድማ ደቂሱ ነበረ። ንሳ ኸኣ ብሑቚ ወሲዳ ኣቘምጢዓኣብ ቅድሚ ዓይኑ ድማ ቅጫታት ገይራ ነቲ ቕጫታት ኣብሰለቶ። ነቲ መቚሎ ወሲዳ ኸኣ ናብ ቅድሚኡ ገልበጠቶ። ንሱ ግና ምብላዕ ኣበየ። ኣምኖን ድማ፡ ኲሉ ሰብ ካባይ ኣውጽኡለይበለ። ኲሉ ሰብ ከኣ ካብኡ ወጸ። ኣምኖን ድማ ንታማር፡ እቲ ብልዒ ብኢድኪ ኽበልዕሲናብ ሕልፍኚኣእትውዮበላታማር ከኣ ነቲ ዝገበረቶ ቕጫ ወሲዳ ናብ ሕልፍኚ፡ ናብ ሓዋ ኣምኖን ኣእተወቶኪበልዕ ምስ ቀረበትሉ ድማ ቀጥ ኣቢሉ ሒዙሓብተይ፡ ንዒ ምሳይ ደቅሲበላ። ንዳ ኸኣ፡ ኣይፋልካን ሓወየኣይተነውረኒ፡ ከምዚ ዝበለ ኣብ እስራኤል ኣይግበርን እዩ እሞ፡ ነዚ ዕሽነት እዝስ ኣይትግበሮ። ነዚ ነውረይ ተሰኪመኸ ኣነ ናበይ ክኸይድ እየ፡ ንስኻውን ከም ሓደ ኻብቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ዓያሱ ኽትከውን ኢኻ። ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ንጉስ ንኣይ ኣይኸልኣካን እዩ እሞ፡ ንእኡ ንገሮ፡ በለቶ። ንሱ ግና ዘረባአ ኺሰምዕ ኣይፈተወን፡ ኣብአ ሐይሉስ ዐመጻ፡ ምስአ ድማ ደቀሰ። ድሕርዚ ኣምኖን ኣዝዩ ብዙሕ ጽልኢ ጸልአ እሞ፡ ካብቲ ዘፍቀራ ፍቕሪ እቲ ዝጸልአ ጽልኢ በዝሔ። ኣምኖን ድማ፡ ተንስኢ፡ ኪዲበላ። ንሳ ኸኣ፡ ንኣይ ብምስዳድካ ኻብቲ ቕድም ዝገበርካኒ እዚ ዝገደደ ኽፉእ እዚ ኣይትግበረኒበለቶ። ንሱ ግና ኪሰምዓ ኣይፈተወንነቲ ዜገልግሎ ጊልያኡ ጸዊዑ ድማ፡ በጃኻ፡ ነዚኣ ኻባይ ንግዳም ኣውጽአለይድሕሪአ ኸኣ ነቲ ማዕጾ ዕጸዎ፡ በሎኣዋልድ ንጉስ ደናግል ከለዋ ኸምኡ ዝበለ ቐመውሽ ይኽደና ስለ ዝነበራ፡ ንሳ ኸኣ ወለል ዚብል ቀምሽ ተኸዲና ነበረት። ሽዑ እቲ ጊልያኡ ንግዳም ኣውጽአ፡ ነቲ ማዕጾ ድማ ብድሕሪአ ዐጸዎታማር ድማ ሐመዂስቲ ኣብ ርእሳ ነስነሰት፡ ነቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ወለል ዚብል ቀምሽ ከኣ ቀደደቶ፡ ክትከይድ ከላ ድማ፡ ኢዳ ኣብ ርእሳ ገይራ እናአእወየት ከደትኣቤሴሎም ሓዋ ኸኣ፡ ኣምኖን ሓውኪዶ ምሳኺ ነይሩ እዩ፡ ሕጂ ግና ሓብተይንሱ ሓውኪ እዩ፡ ስቕ በሊ፡ ነዚ ነገር እዚ ኣብ ልብኺ ኣይትሐዝዮበላታማር ድማ ብጒህይታ ኣብ ቤት ኣቤሴሎም ሓዋ ተቐመጠትንጉስ ዳዊት ግና፡ እዚ ነገር እዚ ዂሉ ምስ ሰምዔኣዝዩ ተናደደኣቤሴሎም ከኣ ኣምኖን ንታማር ሓብቱ ስለ ዝዐመጻጸሊእዎ ነበረ እሞ፡ ኣቤሴሎም ንኣምኖን ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ኣይተዛረቦን። ኰነ ድማ፡ ኣቤሴሎም ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኣብ ጥቓ ኤፍሬም ኣብ ዘላ በዓል-ሓጾር ቈረጽቲ ኣባጊዕ ነበርዎ። ኣቤሴሎም ከኣ ንዅሎም ደቂ ንጉስ ዐደሞምኣቤሴሎም ድማ ናብ ንጉስ መጺኡ፡ እንሆ፡ ጊልያኻ ቘረጽቲ ኣባጊዕ ዓለዉኒ እሞ፡ በጃኻ፡ ንጉስን ገላዉኡን ምስ ጊልያኻ ይኺዱበሎንጉስ ከኣ ንኣቤሴሎም፡ ኣይፋልካን ወደይ፡ ከይንኸብደካ ዂላትናስ ኣይንኸይድን ኢና፡ በሎ። ግዲ ኸኣ በሎ። ንሱ ግና መረቖ ደኣ እምበር፡ ኪኸይድሲ ኣይፈተወን። ሽዑ ኣቤሴሎም፡ እዚ እንተ ዘይኰነስ፡ በጃኻ፡ ኣምኖን ሓወይ ምሳና ይኺድበሎ። ንጉስ ድማ፡ ስለምንታይ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ፡ በሎ። ኣቤሴሎም ግና ግዲ በሎ፡ ሽዑ ንኣምኖንን ንዂሎም ደቂ ንጉስን ምስኡ ይኺዱ ሐደጎም። ኣቤሴሎም ድማ ንገላዉኡ፡ ርአዩ፡ ልቢ ኣምኖን ብወይኒ ምስ ተሐጐሰ፡ ሽዑ ኣስተብህሉ፡ ኣነ ንአምኖን ቅተልዎ፡ ምስ በልኩኹም ከኣ፡ ኣይትፍርሁቅተልዎ፡ ኣነ ደይኰንኩን ዝእዝዘኩም ዘሎኹ፡ ጽንዑ፡ ሓያላት ድማ ኹኑ፡ በሎምገላዉ ኣቤሴሎም ዝአዘዞም ገበርዎ። ሽዑ እቶም ደቂ ንጉስ ኲሎም ተንሲኦምነፍሲ ወከፍ በበቕሎም ሰሪሮም ሀደሙ። ኰነ ኸኣ፡ ገና ኣብ መገዲ ኸለዉ፡ ንዳዊትኣቤሴሎም ንዂሎም ደቂ ንጉስ ሓደ እኳ ኸይተረፈ ቐቲልዎምዚብል ወረ መጸሽዑ ንጉስ ተንሲኡ ኽዳኑ ቐደደኣብ ምድሪ ድማ ወደቐኲሎም ገላዉኡ ኸኣ ክዳውንቶም ቀዲዶም ምስኡ ደው በሉ። ዮናዳብወዲ ሺምዓ ሓው ዳዊት፡ ግና ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እዝስ ካብታ ኣምኖን ንሓብቱ ታማር ዝዐመጸላ መዓልቲ ጀሚሩ ብአፍ ኣቤሴሎም ተመዲቡ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ኣምኖን ጥራይ እዩ ዝሞተ እምበር፡ ኲሎም እቶም ኣጒባዝ ደቂ ንጉስ ከም ዝሞቱስጐይታይ ኣይበል። እምበአርሲ ሕጂ ጐይታይ ንጉስኣምኖን ጥራይ እዩ ዝሞተ እምበር፡ ኲሎም ደቂ ንጉስ ሞይቶም ኢሉ፡ ነዚ ነገር ኣዚ ኣብ ልቡ ኣየንብሮ፡ በሎ። ኣቤሴሎም ግና ሀደመእቲ ዚጥምቶ ዝነበረ ጐበዝ ኣዒንቱ ቛሕ እንተበለ ድማ፡ እንሆ፡ በታ ብድሕሪኡ ብሸነኽ ከረን ዘላ መገዲ ኣቢሉ ብዙሕ ህዝቢ ኺመጽእ ረአየዮናዳብ ከኣ ንንጉስ፡ ደቂ ንጉስሲ እነዉ፡ ይመጹ አለዉ፡ ከምቲ ጊልያኻ ዝበሎ፡ ከምኡ ዀነ፡ በሎኰነ ድማዘረባኡ ምስ ወድኤ፡ እነዉ እቶም ደቂ ንጉስ አተዉ፡ ቃሎም ዓው ኣቢሎም ከኣ በኸዩ። ንጉስን ኲሎም ገላዉኡን ድማ ኣዝዩ ብርቱዕ ብኽያት በኸዩኣቤሴሎም ግና ሀዲሙ ናብ ታልማይወዲ ዓሚሑር ንጉስ ጌሹርከደዳዊት ከኣ ንወዱ ዂሉ መዓልቲ ይሐዝነሉ ነበረ። ኣቤሴሎም ከኣ ሀዲሙ ናብ ጌሹር ከደ፡ ኣብአ ኸኣ ስለስተ ዓመት ነበረ። ንጉስ ዳዊት ድማ ብዛዕባ ሞት ኣምኖን ስለ እተደበሰናብ ኣቤሴሎም ምውጻእ ሐደጎ

Translation | Context