Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all30 bible verses about
ናብ የማነ ጸጋም ከተስፋሕፍሒ ኢኺ፡ ዘርእኺ ነህዛብ ኪወርሶም፡ ነተን ዝዐነዋ ኸተማታት ከኣ፡ ሰብ ከም ዚነብረለን ኪገብረን እዩ እሞ፡ ስፍራ ድንኳንኪ ኣርሕቢ፡ እቲ መጋረጃታት ማሕደርኺ ብዘይ ምቚጣብ ይገተር፡ ኣግማድኪ ኣንውሒ፡ መታኽልኪውን ኣጽንዒ።
Translation | Contextግናኸ እቲ ንዘራኢ፡ ዘርእን ምግቢ ዚኸውን እንጌራ ዚዕድል፡ ንሱ ዘርእኹም ኪዕድለኩምን ኬበርክተልኩምን፡ ንፍረ ጽድቕኹምውን ኬብቍሎን እዩ፡
Translation | Contextያዕቤጽ ድማ ካብ ኣሕዋቱ ዚኸብር ነበረ። ኣዲኡ ኸኣ፡ ብጻዕሪ ወሊደዮ፡ ኢላ እያ እሞ፡ ስሙ ያዕቤጽ ኣውጽኣትሉ። ያዕቤጽ ድማ ንኣምላኽ እስራኤል፡ ብርግጽ እንተ ትባርኸኒ፡ ዶባተይ ከኣ እንተ ተግፍሓለይ፡ ኢድካውን ምሳይ እንተ ትኸውን፡ ከይጭነቕ ድማ ካብ ክፋእ ከም ዝድሕን እንተ ትገብረኒ፡ ኢሉ ለመኖ። ኣምላኽ ከኣ እቲ ዝለመኖ ገበረሉ።
Translation | Contextንኣኹምን ንውሉድኩምን እግዚኣብሄር የብዝሕኩም። በቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እተባረኽኩም ኢኹም።
Translation | Contextሃቡ ኺውሃበኩም እዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ጽቡቕ እተሰጐደ፡ ንኽኑኽ እተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም እዮም።
Translation | Contextድማ በሎም፡ ብትሰምዕዎ ተጠንቀቑ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኺስፈረልኩም ኪውሰኸልኩምውን እዩ።
Translation | Contextኣብ ቤተት ምግቢ ኪኸውንሲ፣ ዕሽር ዘበለ ዅሉ ናብ ቤት መዝገብ ኣምጽእዎ፣ ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም፣ በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፣ በዚ ተዐዘቡኒ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
Translation | Contextይስሃቅ ድማ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ዘርኤ፡ በታ ዓመት እቲኣ፡ ኸኣ ሚእቲ ኻዕበት ረኸበ። እግዚኣብሄር ድማ ባረኾ።
Translation | Contextልበይ ምስ ኣግፋሕካ፣ ብመገዲ ትእዛዛትካ ኽጐዪ እየ።
Translation | Contextብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፡ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ። ሽዑ ቘፋፍኻ ብብዝሒ ኺመልእ፡ መጽመቝኻ ኸኣ ብዀልዒ ወይኒ ኪቕጸጽ እዩ፡
Translation | Contextኣእጋረይ ከይሰናኸላስ፣ ንመገደይ ኣብ ትሕቲ ስጕምተይ ተርሕባ ኢኻ።
Translation | Contextእቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሪ ኺፈድዮ እዩ።
Translation | Contextኪኸውን ድማ እዩ፡ ከይጸውዑ ኽመልስ፡ ገና ኺዛረቡ ኸለው ኸኣ ክሰምዕ እየ።
Translation | Contextከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም እተዛረበኩም፡ ካብቲ ዘሎኹምዎ ሽሕ ሳዕ የብዝሕኩም፡ ይባርኽኩም ከኣ፡
Translation | Contextመጀመርታኻ ንእሽቶ እንተ ዀነ፡ መወዳእታኻ ግና እምብዛ ኺበልጽ እዩ።
Translation | Contextንሱ ኺዓቢ፡ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእ።
Translation | Contextኣብ ትሕተይ ስጓሞይ ኣግፋሕካ፡ ኣእጋረይ ከኣ ኣየንደልሀጸን።
Translation | Contextእቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። እዚ፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት እዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ።
Translation | Contextግናኸ ከምቲ ኣባና ዚገብር ሓይሊ፡ ካብቲ ንሕና እንልምኖን እንሐስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር ዚከኣሎ፡
Translation | Contextስለዚ ኣነ፡ ሰለስተ ኸተማ ንኣኻ ፍለ፡ ኢሉ እእዝዘካ አሎኹ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምቲ ነቦታትካ ዝመሐለሎም፡ ዶብካ ምስ ኣግፍሓልካ፡ እቲ ነቦታትካ ኽህቦም እየ ዝበለ፡ ኵላ እታ ሃገር ምስ ሀበካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዝ እዚ ኽትገብሮ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸተፍቅሮ፡ ወርትግ ድማ ብመገዱ ኽትከይድ እንተ ተጠንቀቕካ፡ ሽዑ ኣብ ልዕሊ እዘን ሰለስተ ኸተማታት እዚኤን ንኣኻ ኻልኦት ሰለስተ ኽትውስኽ ኢኻ።
Translation | Contextመዓኽንና በብዓይነቱ እኽሊ ይምላእ፣ ኣባጊዕና ኣብ መሮርና ኣሽሓትን ኣእላፋትን ይውለዳ፣
Translation | Contextንኣኹምን ንውሉድኩምን እግዚኣብሄር የብዝሕኩም።
Translation | Contextእቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያ፡ ዘይዘራእክዎ ኸም ዝዐጽድ፡ ዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ አሎኻ። እምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ክትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ፡ ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ። ደጊም እቲ መክሊት ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ህብዎ። ንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይውሀቦ ይወሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ። ነዚ ዘይተቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextህዝብታት ካብ ቅድሜኻ ኽሰጕጕ እየ፡ ንዶባትካ ድማ ከግፍሖ እየ እሞ፡ እቲ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትርኤ ኢልካ ምስ እትድይብ፡ ንምድርኻ ዚትምነ ሰብ የልቦን።
Translation | Contextኣነ ተኸልኩ ኣጵሎስ ኣስተየ፡ ኣምላኽ ግና ኣብቈለ። እምብኣርሲ እቲ ዜብቊል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዓብሱ የብሎምን።
Translation | Contextብፍርድን ብጽድቅን ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ምእንቲ ኼጽንዓን ኬቚማንሲ፡ ኣብ ዝፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብር እዩ።
Translation | Contextኣምላኽ ንያፌት የስፍሕ። ኣብ ድንኳውንቲ ሴም ከኣ ይንበር። ከነኣን ድማ ባርያኡ ይኹን።
Translation | Contextንዕቤተይ ክትውስኸሉ፣ ብምጽንናዕ ከኣ ኽትከበኒ ኢኻ።
Translation | Contextንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻ ናብ ውሽጢ ደታትካ ዚነብር ሌዋውን ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሐረያ ቦታ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደኣ ብልዓዮ። በቲ ኢድካ ዝዘርጋሕካሉ ዘበለ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተሐጐስ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ እትነብረሉ ዅሉ ዘበንካ ንሌዋዊ ኸይትሐድጎ ንርእስኻ ተጠንቀቕ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ከምቲ ዝበለካ፡ ዶባትካ ምስ ኣግፍሔ፡ ነፍስኻውን ስጋ ኽትበልዕ ስለ ዝበሀገት፡ ስጋ ደኣ ኽበልዕ፡ እንተ በልካ፡ ከም ኵሉ ባህጊ ነፍስኻ ጌርካ ስጋ ብላዕ።
Translation | Contextኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። ኣምላኽ፡ ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና። ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስ፡ ንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ። ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረአዮ ከቶ የልቦን፡ ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርና፡ ኣምላኽ ኣባና ይነብር፡ ፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም። ካብ መንፈሱ ስለ ዝሀበና፡ ንሕና ኣብኡ ኸም እንነብር ንሱውን ኣባና ኸም ዚነብር፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። እቲ ኣቦ ንወዱ ምድሓን ዓለም ኪኸውን ከም ዝለኣኾ፡ ንሕና ርኢና ንምስክርውን አሎና። የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚእመን፡ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብ ኣምላኽ ይነብር። ንሕናውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን አሎና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር።
Translation | Context