Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።
Translation | Contextንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ።
Translation | Contextንልቦም እተሰብሩ ይፍውስ፣ ነቚሳሎም ይዘንን።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም።
Translation | Contextእታ ድርብይቲ ሓደ እኳ ግዳ ዘይገብር ጽዮን፡ ኢሎም ሰምዮምኺ እዮም እሞ፡ ኣነ ኸጥዕየኪ ንቚስልኺውን ከሕውዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextንስምካ ኸማሱስ፣ ንነፍሰይ ካብ ማእሰርቲ ኣውጽኣያ፣ ሰናይ ክትገብረለይ ኢኻ እሞ፣ ጻድቃን ኪኸቡኒ እዮም።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣነ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስኻውን ኣጥዔኻኒ።
Translation | Contextማለት ብዛዕባ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝዀነ፡ እናዞረ ጽቡቕ ከም ዝገበረ፡ ነቶም ሰይጣን ዝሰዐሮም ኲሎም ከኣ ከም ዘሕወየ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
Translation | Contextሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextእንሆ፣ ንሓቂ ኣብ ውሽጢ ኢኻ እትደልዮ፣ ኣብ ሕቡእውን ጥበብ ምሀረኒ።
Translation | Context