Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም፡ ንሰበይትኻ ሳራይ ስማ ሳራ ደኣ እዩ እምበር፡ ስማ ሳራይ ኢልካ ኣይትጸውዓያ። ክባርኻ እየ፡ ካብኣ ድማ ወዲ ኽህበካ እየ፡ ክባርኻ እየ። ህዝብታት ከኣ ክትከውን እያ፡ ነገስታት ህዝብታት እኳ ደኣ ኻብኣ ኪዀኑ እዮም፡ በሎ። ሽዑ ኣብርሃም ብገጹ ተደፍኤ፡ ስሒቑ ድማ ብልቡ፡ ንወዲ ሚእቲ ዓመትዶ ወዲ ይውለደሉ፧ ሳራ፡ ጓል ተስዓ ዓመትከ ትወልድዶ፧ በለ። ኣብርሃም ድማ ንኣምላኽ፡ እስማኤል ግዳ ኣብ ቅድሜኻ እንተ ዚነብር፡ በሎ። ኣምላኽ ከኣ በለ፥ ኣይፋልን፡ ሰበይትኻ ሳራ ደኣ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፡ ስሙ ድማ ይስሃቅ ከተውጽኣሉ ኢኻ። ኪዳነይ ክኣ ምስኡን ብድሕሪኡውን ምስ ዘርኡን ኪዳን ዘለኣለም ከቕውም እየ።
Translation | Contextይስሃቅ ድማ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ዘርኤ፡ በታ ዓመት እቲኣ፡ ኸኣ ሚእቲ ኻዕበት ረኸበ። እግዚኣብሄር ድማ ባረኾ። እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ዐበየ፡ ኣዝዩ ኽሳዕ ዚዐዝዝ ድማ እናወሰኸ ኸደ። ጥሪት ኣባጊዕን ጥሪት ኣሓን ብዙሓት ግዙኣትን ነበርዎ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ቀንኡሉ።
Translation | Contextንኣብርሃምን ንሳራ ሰበይቱን ኣብኣ ቐበርዎም፡ ንይስሃቅን ንሰበይቱ ርብቃን ከኣ ኣብኣ ቐበርዎም፡ ኣነ ድማ ንልያ ኣብኣ ቐበርክዋ።
Translation | Contextሳራ እኳ ጊዜኣ ምስ ሐለፈ፡ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረአየቶ፡ ዘርኢ ንምትካል ብእምነት ሓይሊ ረኸበት።
Translation | Contextነቦኹም ኣብርሃም ከኣ ካብ ክንየው ርባ ወሲደ፡ ኣብ ኵሉ ምድሪ ኸነኣን መራሕክዎ፡ ዘርኡውን ኣብዛሕኩ፡ ይስሃቅ ከኣ ሀብክዎ።
Translation | Contextይስሃቅ ድማ ንርብቃ፡ ጓል ቤቱኤል እቲ ሶርያዊ በዓል ጳዳን-ኣራም፡ ሓብቲ ላባን እቲ ሶርያዊ፡ ንሰበይቱ ኼእትዋ ኸሎ፡ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ኰይኑ ነበረ።
Translation | Contextንሕና፡ ኣሕዋተየ፡ ከም ይስሃቅ ደቂ ተስፋ ኢና።
Translation | Contextኣብርሃም ከኣ ነዊሕ ዕድመ ዝገበረ ኣረጊት ነበረ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም ብዅሉ ባሪኽዎ ነበረ። ኣብርሃም ከኣ ነቲ ኣረጊት ግዙእ ቤቱ፡ ኣዛዝ ኵሉ ገንዘቡ፡ በጃኻ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣንብር። ካብ ኣዋልድ እዞም ኣነ ኣብ ማእከሎም ዝነብር ዘሎኹ ከነኣናውያን፡ ንወደይ ሰበይቲ ኸይተተኣታትዎ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይን ኣምላኽ ምድርን ኤምሕለካ አሎኹ። ናብ ሃገረይን ናብ ዓሌተይን ኬድካ ደኣ ንወደይ ይስሃቅ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ፡ በሎ። እቲ ግዙእ ከኣ፡ ምናልባሽ እታ ሰበይቲ ናብዛ ሃገር ደድሕረይ ክትስዕብ እንተ ዘይፈተወትከ፡ ንወድኻ ናብታ ንስኻ ዝወጻእካላ ሃገርዶ ብግዲ ኽመልሶ እየ፧ በሎ። ኣብርሃም ድማ፡ ንወደይ ናብኣ ኸይትመልሶ ተጠንቀቕ። እቲ ኻብ ቤት ኣቦይን ካብታ እተወለድኩላ ሃገርን ዘውጽኣኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ፡ ንሱ ኸኣ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ክህባ እየ፡ ኢሉ እተዛረበንን፡ ዝመሐለለይን፡ ንሱ መልኣኹ ቀቅድሜኻ ኺልእኽ እዩ እሞ ካብኡ ንወደይ ሰበይቲ ኸተምጽኣሉ ኢኻ። እታ ሰበይቲ ደድሕሬኻ ኽትስዕብ እንተ ዘይፈተወት ግና፡ ንስኻ ኻብዛ ማሕላይ ንጹህ ኢኻ። ሓንትስ ንወደይ ደኣ ናብኡ ኣይትምለሶ፡ በሎ። እቲ ግዙእ ኢዱ ኣብ ትሕቲ ሰለፍ ጐይታኡ ኣብርሃም ኣንበረ፡ ከምዚ ነገርዚ ገይሩ ኸኣ መሓለሉ። እቲ ግዙእ ድማ ካብ ኣግማል ጐይታኡ ዓሰርተ ገመል ወሲዱ፡ ካብ ኵሉ ዘዝጸበቐ ዘበለ ናይ ጐይታኡ ሒዙ ተበገሰ፡ ተንሲኡ ድማ ናብ መሶጶታምያ ናብ ከተማ ናሆር ከደ። ኣጋ ምሸት፡ በታ ማይ ኪቐድሓላ ዚወጻላ ጊዜ ኸኣ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ኣብ ጥቓ ዔላ ማይ ነተን ኣግማል ኣብረኸን። በለ ድማ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ ሎሚ ዀታ ኣገባግበለይ፡ ንጐይታይ ኣብርሃም ከኣ ምሕረት ግበር። እንሆ፡ ኣነ ኣብ ጥቓ እዚ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ አሎኹ፡ ኣዋልድ ደቂ እዛ ኸተማ ኸኣ ማይ ኪቐድሓ ይወጻ ኣለዋ። ይኹን ከኣ፡ ማይ ክሰቲ፡ በጃኺ ዕትሮኺ ትሕት ኣብልዮ ዝብላ ጓል፡ ንሳ ኸኣ፡ ስተ፡ ነግማልካውን ከስትየን እየ እትብለኒ፡ ንሳ ንይስሃቅ ባርያኻ ዝመደብካያ ትኹን። ንጐይታይ ምሕረት ከም ዝገበርካሉ ኸኣ በዚ እፈልጥ። ኰነ ኸኣ፡ ገና ዘረባኡ ኸይወድኤ፡ እንሃ፡ ርብቃ፡ ጓል ቤቱኤል ወዲ ሚልካ፡ ሰበይቲ ንሆር ሓዉ ኣብርሃም፡ ዕትሮኣ ኣብ መንኩባ ጾይራ ወጸት። እታ ጓል ድማ ትርኢታ ኣዝያ ውቅብቲ፡ ሰብኣይ ዘይፈለጣ ድንግል ነበረት። ናብቲ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ኸኣ ዕትሮኣ መሊኣ ደየበት። እቲ ግዙእ ድማ ጐይዩ ተቓባቢሉ፡ ካብ ዕትሮኺ ኰታ ሒደት ማይ ኣስትይኒ፡ በለ። ንሳ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ስተ፡ ኢላ ቐልጢፋ ዕትሮኣ ናብ ኢዳ ኣውሪዳ ኣስተየቶ። ምስ ኣስተየቶ ድማ፡ ነግማልካውን ክሳዕ ዚኣኽለን ኪሰትያ ክቐድሓለን እየ፡ በለት። ቀልጢፋ ኸኣ ዕትሮኣ ናብ ጋብላ ኣዕሪቓ ማይ ክትቀድሕ መሊሳ ናብ ዔላ ጐየየት፡ ንዅለን ኣግማሉ ኸኣ ቀድሓትለን። እቲ ሰብኣይ ድማ እግዚኣብሄር መገዱ ኣቕኒዑሉ እንተ ዀነ ወይስ እንተዘይኰነ ኺፈልጥ፡ ስቕ ኢሉ ተኵሩ ይጥምታ ነበረ። ኰነ ኸኣ፡ እተን ኣግማል ሰትየን ምስ ኣእከላ፡ እቲ ሰብኣይ ፈረቓ ሲቃል ዝሚዛኑ ቐለቤት ወርቅን ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ኽልተ ኣምባር ወርቂውን ነእዳዋ ኣውጽኤ፡ ጓል መን ኢኺ፧ በጃኺ ንገርኒ፡ ኣብ ቤት ኣቦኺኸ እንሓድረሉ ስፍራዶ ይርከብ፧ ድማ በለ። ንሳ ኸኣ፡ ኣነ ጓል ቤቱኤል፡ ወዲ ሚልካ ንናሆር ዝወለደትሉ፡ እየ፡ በለቶ። መሊሳ ኸኣ፡ ብዙሕ ሓሰርን ድርቋን፡ ንመሕደሪ ኸኣ ስፍራ አሎና፡ በለቶ። እቲ ሰብኣይ ድማ ፍግም ኢሉ ንእግዚኣብሄር ሰገደ። በለ ኸኣ፡ እቲ፡ ምሕረቱን እምነቱን ካብ ጐይታይ ዘየቋረጸ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ ይባረኽ። እግዚኣብሄር ንኣይ ከኣ ብመገዲ ቤት ኣሕዋት ጐይታይ መርሓኒ። እታ ጓል ከኣ ጐይያ እዚ ነገርዚ ኣብ ቤት ኣዲኣ ነገረት። ርብቃ ድማ ላባን ዝስሙ ሓው ነበራ። ላባን ከኣ ናብቲ ሰብኣይ ኣብ ግዳም ናብቲ ዓይኒ ማይ ጐየየ። ኰነ ኸኣ፡ ነቲ ቀለቤትን ኣምባርን ኣብ ኢድ ሓብቱ ምስ ረአየ፡ ዘረባ ርብቃ ሓብቱ ድማ፡ እቲ ሰብኣይ ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፡ ክትብል ምስ ሰምዔ፡ ናብቲ ሰብኣይ መጸ፡ እንሆ ኸኣ፡ ምስተን ኣግማል ኣብ ጥቓ ዔላ ደው ኢሉ ነበረ። ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ብሩኽ፡ ንምንታይ ኣብ ግዳም ደው ትብል፧ ቤት ኣዳልየልካ አሎኹ፡ ነግማልካ ኸኣ ሰፈር፡ እቶ፡ በሎ። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ናብ ቤት ኣተወ። ንሱ ድማ ነተን ኣግማል ኣራገፈን፡ ሓሰርን ድርቋን ከኣ ሀበን፡ ንምሕጻብ ኣእጋሩን ኣእጋር እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ማይ ሀቦም። መብልዕ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ተቐረበ፡ ንሱ ግና፡ ጕዳየይ ከይነገርኩስ ኣይበልዕን፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ተዛረብ፡ በለ። ንሱ ድማ በለ፡ ኣነ ግዙእ ኣብርሃም እየ። እግዚኣብሄር ንጐይታይ ኣብዚሑ ባረኾን ኣዕበዮን፡ ኣባጊዕን ኣሓን ብሩርን ወርቅን፡ ገላዉን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግን ከኣ ሂብዎ አሎ። ሳራ፡ ሰበይቲ ጐይታይ ድማ ምስ ኣረገት፡ ንጐይታይ ወዲ ወለደትሉ፡ ንእኡ ኸኣ ዘለዎ ዅሉ ሂብዎ አሎ። ጐይታይ ድማ ኸምዚ ኢሉ ኣምሓለኒ፡ ካብ ኣዋልድ እዞም ኣነ ኣብ ምድሮም ዝነብር ዘሎኹ ከነኣናውያን፡ ንወደይ ሰበይቲ ኣይተምጽኣሉ። ናብ ቤት ኣቦይን ናብ ዓሌተይን ኬድካ ደኣ፡ ንወደይ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ። ሽዑ ኸኣ እነ ንጐይታይ፥ ምናልባሽ እታ ሰበይቲ እንተ ዘይሰዓበትኒኸ፧ በልክዎ። ንሱ ድማ በለኒ፡ እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ዝማላለስ እግዚኣብሄር መልኣኹ ምሳኻ ሰዲዱ መገድኻ ኬቕንዓልካ እዩ እሞ ንወደይ ካብ ዓሌተይን ካብ ቤት ኣቦይን ሰበይቲ ኸተምጽኣሉ ኢኻ። ናብ ዓሌተይ ምስ መጻእካ ድማ፡ ካብቲ ማሕላይ ክትነጽህ ኢኻ፡ እንተ ዘይሀቡኻ፡ ሽዑ ኻብቲ ማሕላይ ንጹህ ትኸውን ኢኻ። ሎሚ ኸኣ ናብዛ ዓይኒ ማይ መጺኤ በልኩ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ እዛ ኣነ ዝኸዳ ዘሎኹ መገዲ ተቕንዓለይ እንተ ዄንካስ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ጥቓ እዛ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ አሎኹ፡ ማይ ክትቀድሕ እትወጽእ ጓል፡ ኣነ ኸኣ፡ ካብ ዕትሮኺ ዀታ ሒደት ማይ ኣስትይኒ ዝብላ፡ ንሳ ድማ፡ ስተ፡ ነግማልካውን ክቐድሓለን እየ እትብለኒ፡ ንሳ እታ እግዚኣብሄር ንወዲ ጐይታይ ዝመደባ ሰበይቲ ትኹን። ኣነ ብልበይ ምዝራብ ከይወዳእኩ፡ እንሆ ርብቃ፡ ዕትሮኣ ኣብ መንኩባ ጾይራ፡ ወጸት፡ ናብ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ድማ ቀድሔት። ኣነ ኸኣ፡ ኣስትይኒ ዀታ፡ በልክዋ። ቀልጢፋ ድማ ዕትሮኣ ኻብ መንኩባ ኣውሪዳ፡ ስተ፡ ነግማልካውን ከስትየን እየ፡ በለት። ኣነ ሰቴኹ፡ ነተን ኣግማል ድማ ኣስተየተን። ኣነ ኸኣ፡ ኣቲ፡ ጓል መን ኢኺ፧ ኢለ ሐተትክዋ። ንሳ ኸኣ፡ ጓል ቤቱኤል ወዲ ናሆር፡ ሚልካ ዝወለደትሉ እየ፡ በለት። ሽዑ ኣነ ቐለቤት ኣብ ኣፍንጫኣ፡ ኣምባር ደኣ ኣብ ኣእዳዋ ገበርኩላ። ፍግም ኢለ ድማ ንእግዚኣብሄር ሰገድኩሉ፡ ጓል ሓው ጐይታይ ንወዱ ኽወስድ ቅንዕቲ መገዲ ዝመርሓኒ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም ኣመስገንኩ። ሕጂ ኸኣ ንጐይታይ ሞገስን እምነትን ትገብሩሉ እንተ ዄንኩም፡ ንገሩኒ። እንተዘይኰነ ድማ፡ ንየማን ወይስ ንጸጋም ክምለስ፡ ንገሩኒ። ሽዑ ላባንን ቤቱኤልን፡ እዚ ነገር እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ዝወጸ እዩ፡ ክፉእ ሓደው ጽቡቕ ክንዛረበካ ኣይንኽእልን። እንሃ፡ ርብቃ ኣብ ቅድሜኻ አላ፡ ውሰዳ እሞ ኺድ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ፡ ሰበይቲ ወዲ ጐይታኻ ትኹን፡ ኢሎም መለሱሉ። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ግዙእ ኣብርሃም ዘረባኦም ምስ ሰምዔ፡ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። ድሕርዚ እቲ ግዙእ ኣቓሑ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣውጺኡ ንርብቃ ሀባ። ንሓዋን ነዲኣን ድማ ክቡር ነገር ሀቦም። ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ከኣ በሊዖም ሰትዮም ኣብኡ ሓደሩ። ንጽብሒቱ ምስ ተንስኡ ኸኣ፡ ናብ ጐይታይ ክምለስ ኣፋንዉኒ፡ በለ። ሓዋን ኣዲኣን ድማ፡ እዛ ጓል ገለ ዓሰርተ መዓልቲ ምሳና ትቐኒ፡ ድሕሪኡ ትኺድ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣይተደናጕዩኒ፡ እግዚኣብሄር መገደይ ኣቕኒዑለይ እዩ፡ ናብ ጐይታይ ክኸይድ ስደዱኒ፡ በሎም። ነታ ጓል ጸዊዕና ኻብ ኣፋ ኽንሐትት፡ ከኣ በሉ። ንርብቃ ጸዊዕም ድማ፡ ምስ እዚ ሰብኣይዚዶ ትኸዲ፧ በልዋ። ንሳ ድማ፡ እኸይድ፡ በለት። ሽዑ ንርብቃ ሓብቶምን፡ ንመጕዚታን ነቲ ግዙእ ኣብርሃምን ንሰቡን ይኺዱ ሓደግዎም። ንሳቶም ንርብቃ፡ ኣቲ ሓብትና፡ ኣሻሕ ኣእላፋት ኩኒ፡ ዘርእኺ ድማ ደገ ጸላእቱ ይውረስ፡ ኢሎም መረቕዋ። ርብቃ ኸኣ ምስ ኣግራዳ ኣብ ኣግማል ተወጢሔን ነቲ ሰብኣይ ሰዓባኦ። እቲ ግዙእ ድማ ንርብቃ ወሰዳ እሞ ኸደ። ይስሃቅ ከኣ ኣብ ምድሪ ደቡብ ተቐሚጡ ነበረ እሞ፡ ካብታ መገዲ ብኤር-ሓላይ-ሮይ ይመጽእ ነበረ። ይስሃቅ ድማ ኣጋ ምሸት ኣብ መሮር ኰይኑ ብሓሳቡ ኼስተንትን ወጺኡ ነበረ። ኣዒንቱ ኸኣ ቋሕ ኣበለ፡ እንሆ፡ ኣግማል ኪመጻ ረአየ። ርብቃ ድማ ኣዒንታ ቛሕ ኣቢላ፡ ንይስሃቅ ምስ ረአየቶ፡ ቀልጢፋ ኻብ ገመል ወረደት። ነቲ ግዙእ ድማ፡ እቲ ኣብ መሮር ኪቕበለና ዚመጽእ ዘሎ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ በለቶ። እቲ ግዙእ ከኣ፡ ንሱ ጐይታይ እዩ፡ በለ። ሽዑ መጐልበቢኣ ወሲዳ ተጐልበበት። እቲ ግዙእ ድማ ዝገበሮ ዅሉ ነገር ንይስሃቅ ኣዘንተወሉ። ይስሃቅ ከኣ ናብ ድንኳን ኣዲኡ ሳራ ኣእተዋ። ንርብቃ ድማ ወሰዳ እሞ ሰበይቱ ዀነት፡ ፈተዋውን። ይስሃቅ ከኣ ድሕሪ ሞት ኣዲኡ ተደበሰ።
Translation | Contextኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ፡ ይስሃቅ ንያእቆብ ወለደ፡ ያእቆብ ንይሁዳን ንሕዋቱን ወለደ፡
Translation | Contextያእቆብ ድማ ናብ ኣቦኡ ይስሃቅ ናብ መምሬ ኣብ ቅርያት-ኣርባዕ መጸ። ንሳ እታ ኣብርሃምን ይስሃቅን ተሰዲዶምዋ ዝነበሩ ኬብሮን እያ። ዕድመ ይስሃቅ ከኣ ሚእትን ስማንያን ዓመት ኰነ። ይስሃቅ ድማ ትንፋሱ ወጸት እሞ ሞተ። ኣሪጉ ዕድመ ጸጊቡ ናብ ህዝቡ ተአከበ። ደቁ ኤሳውን ያእቆብን ከኣ ቀበርዎ።
Translation | Contextድሕርዚ ነገርዚ ኸኣ ዀነ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም መከሮ በሎውን፡ ኣብርሃም። ንሱ ኸኣ፥ እኔኹ፡ በለ። እምበኣር ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሃቅ ውሰድ እሞ፡ ናብ ምድሪ ሞርያ ኺድ፡ ኣብኣ ድማ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣነ ዝነግረካ ኣኽራን ንዚሓርር መስዋእቲ ሰውኣዮ፡ በለ። ንጽብሒቱ ድማ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ኣድጉ ጽዒኑ፡ ክልተ ግዙኣቱን ወዱ ይስሃቅን ምስኡ ወሰደ፡ ንዝሐርር መስዋእቲ ዚኸውን ዕጨይቲውን ፈለጸ፡ ተንሲኡ ድማ ናብታ ኣምላኽ ዝነገሮ ቦታ ኸደ። ኣብርሃም ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣዒንቱ ኣንቃዕሪሩ ነታ ቦታ ብርሑቕ ረአያ። ኣብርሃም ድማ ንግዙኣቱ፡ ምስ እዛ ኣድጊ ኣብዚ ጽንሑ፡ ኣነን እዚ ወድን ከኣ ናብቲ ኼድና ኽንሰግድ ኢና፡ ናባኻትኩም ድማ ንምለስ፡ በሎም። ኣብርሃም ድማ እቲ ንዚሐርር መስዋእቲ ዚኸውን ዕጨይቲ ወሲዱ፡ ንወዱ ይስሃቅ ኣሰከሞ፡ ሓውን ካራን ከኣ ብኢዱ ወሰደ፡ ክልትኦም ድማ ብሓደ ኸዱ። ይስሃቅ ነቦኡ ኣብርሃም፡ ኣቦየ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ ኸኣ፡ እነኹ ወደይ፡ በሎ። ንሱ ድማ፥ ሓውን ዕጨይትንሲ እንሆ፡ እቲ ንዝሓርር መስዋእቲ ዝኸውን በጊዕ ደኣ ኣበይ አሎ፧ በለ። ኣብርሃም ከኣ፡ ወደየ፡ እቲ ንዚሐርር መስዋእቲ ዚኸውን በጊዕሲ ኣምላኽ ንርእሱ ይሓልዮ እዩ፡ በለ። ክልቲኦም ድማ ብሓደ ኸዱ። ናብታ ኣምላኽ ዝነገሮ ቦታ መጹ፡ ኣብርሃም ድማ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሔ፡ ዕጨይቲ ኸኣ ጸፍጸፈሉ። ንወዱ ይስሃቅ ኣሲሩ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጨይቲ በጥ ኣበሎ። ኣብርሃም ድማ ንወዱ ኺሓርድ፡ ኢዱ ዘርጊሑ፡ ካራ ወሰደ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ሰማይ ጸዊዑ፡ ኣብርሃም፡ ኣብርሃም በሎ። ንሱውን፡ እኔኹ፡ በለ። ንሱ ድማ፡ ነዚ ሓደ ውሉድካ እኳ ካብ ዘይከላእካንስ፡ ንእግዚኣብሄር ከም እትፈርህ ሕጂ ፈሊጠ አሎኹ እሞ፡ ኢድካ ኣብዚ ወዲ ኣይትዘርግሕ፡ ገለን ኣይትግበሮ፡ በለ፡ ኣብርሃም ድማ ዓይኑ ቛሕ ኣበለ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ድሕሪኡ ቐርኑ ብሓረግ እተታሕዘ ድዑል ረአየ። ኣብርሃም ድማ ከይዱ፡ ነቲ ድዑል ወሲዱ፡ ኣብ ክንዲ ወዱ ንዚሓርር መስዋእቲ ሰውኦ። ኣብርሃም ከኣ ስም እታ ቦታ እቲኣ፡ እግዚኣብሄር ይርኢ፡ ኢሉ ኣውጽኣላ። ንሱ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ከረን እግዚኣብሄር ይሕለ፡ ዚብሀል ዘሎ እዩ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ካልኣይ ሳዕ ካብ ሰማይ ንኣብርሃም ጸውዖ፡ ብርእሰይ መሐልኩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ እዚ ነገርዚ ኻብ እትገብር፡ ነቲ ሓደ ውሉድካን ካብ ዘይትኸልእ፡ ስለዚ ኣዝየ ኽባርኸካ እየ፡ ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ። ዘርእኻ ድማ ደጌታት ጸላእቱ ኺወርስ እዩ። ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም፡ በሎ። ኣብርሃም ከኣ ናብ ግዙኣቱ ተመልሰ። ተላዒሎም ከኣ ብሓንሳእ ናብ ብኤር-ሸባዕ ከዱ። ኣብርሃም ድማ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ተቐመጠ።
Translation | Context