Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all6 bible verses about
እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ዚብል እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ነዘን ዝነገርኩኻ ቓላት ኲለን ኣብ መጽሓፍ ጽሐፈን፡ ይብል አሎ። እንሆ፡ እተን ንህዝበይ እስራኤልን ይሁዳን ካብ ምርኮ ዝመልሰለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ናብታ ነቦታቶም ዝሀብክዋ ሃገር ከኣ ክመልሶም እየ፡ ንሳቶምውን ኪርስተይዋ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። እተን እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን እተዛረበን ቃላት እዚኣተን እየን፡ ከምዚ ይብል እግዚኣብሄር፡ ናይ ደሓን ዘይኰነስ ድምጺ ረዓድን ስምባድን ሰማዕና እሞ፡ ተባዕታይ ዚወልድ እንተ ዀነስ፡ ጠይቑን ተምልከቱን። ስለምንታይ ደኣ እየ ዂሎም እቶም ሰብኡት፡ ከምታ ንምውላድ እትጽዕር ሰበይቲ ዀይኖም፡ ኣእዳዎም ኣብ ሕቚኦም ገይሮም ኲሉ ገጽውን ተዳሂሉ ዝርኢ ዘሎኹ። ወዮ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ዓባይ እያ እሞ፡ ዚመዓራረያ የልቦን። ንያእቆብ ጊዜ ጸበባኡ እዩ፡ ግናኸ ካብኡ ኺድሕን እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ኣርዑቱ ኻብ ክሳድካ ኽሰብር፡ መእሰሪታትካ ድማ ክበትኽ እየ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ነቲ ኣነ ዘተንስኣሎም ዳዊት ንጉሶምን ኪግዝኡ እዮም እምበር፡ ድሕሪ እዝስ ጓኖት ኣይኪግዝእዎን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እምበኣርሲ እንሆ፡ ኣነ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፡ ንዘርእኻ ድማ ካብቲ እተማረኹሉ ሃገር ከድሕን እየ። ያእቆብ ኪምለስ እዩ። ብዕረፍትን ህድኣትን ኪትነብር እዩ፡ ዜፍርሆ ኸኣ የልቦን እሞ፡ ኣታ ያእቆብ ባርያይ፡ ኣይትፍራህ፡ ንስኻ እስራኤልውን ኣይትሰምብድ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ምእንቲ ኸድሕነካስ ኣነ ምሳኻ እየ፡ ነቶም ናባታቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ዂላቶም ህዝብታት ብጥራስ ከጥፍኦም እየ፡ ንኣኻ ግና ብጥራስ ኣይከጥፍኣካን፡ ብልክዕ ደኣ እየ ዝግስጸካ እምበር፡ ከይቀጻዕኩስ ምንም ኣይሐድገካን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ መውቃዕትኺ ዘይሐዊ፡ ቊስልኺ ድማ ብርቱዕ እዩ። ክትስፈፊ ኢሉ፡ ነገርኪ ዚጣበቐልኪ የልቦን፡ ዜሕዊ ፈውሲ ከኣ የብልክን። ብሰሪ ዕቤት ኣበሳኺ፡ ሓቲኣትኪ እናወሰኸ ስለ ዝኸደ፡ ብናይ ጸላኢ መውቃዕቲ፡ ብናይ ጨካን መቕጻዕቲ ገይረ ወቒዔኪ እየ እሞ፡ ኲሎም ፈተውትኺ ረሲዖምኺ፡ ግድኺ እኳ የብሎምን። ስለምንታይ ኢኺ ብሰሪ መውቃዕትኺ ኡይ እትብሊ ዘሎኺ፧ ቃንዛኽስ ዘይሐዊ እዩ። ብሰሪ ዕቤት ኣበሳኺ፡ ሓጢኣትኪ እናወሰኸ ስለ ዝኸደ፡ እዚ ዝገበርኩኺ። እቶም ዚበልዑኺውን ኪብልዑ፡ ተጻረርትኺ ዘበሉ ዂላቶም ኪማረኹ፡ ኲሎም ገፈፍትኺ ኺግፈፉ እዮም፡ ንዂሎም ዘማቶኺ ድማ ንዘመተ ኽምጥዎም እየ። እታ ድርብይቲ ሓደ እኳ ግዳ ዘይገብር ጽዮን፡ ኢሎም ሰምዮምኺ እዮም እሞ፡ ኣነ ኸጥዕየኪ ንቚስልኺውን ከሕውዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ ንድንኳናት ያእቆብ ካብ ምርኮ ኽመልስ፡ ነቲ ዚነብረሉ ስፍራታት ከኣ ክድንግጸሉ እየ። እታ ከተማ ድማ ኣብቲ ዂርባታታ ኽትስራሕ እያ፡ እቲ ኣዳራሽ ከኣ ከምቲ ስርዓቱ መሳፍሮ ኪኸውን እዩ። ካብኦም ድማ ምስጋናን ድምጺ ሕጉሳትን ኪወጽእ እዩ። ከብዝሖም እየ እሞ ኣይኪውሕዱን፡ ከኽብሮም እየ እሞ ኣይኪዋረዱን እዮም። ደቆም ከም ቀደም ኪዀኑ እዮም፡ ማሕበሮም ድማ ኣብ ቅድመይ ክትቀውም እያ። ኣነውን ንዂሎም ጠቓዕቶም ክቐጽዖም እየ። መስፍኖም ካባታቶም ኪኸውን፡ ገዛኢኦም ከኣ ካብ ማእከሎም ኪወጽእ እዩ፡ መን እሞ እዩ ናባይ ኪቐርብ ኢሉስ ንልቡ ትሕጃ ዝህብ፡ ኣነ ደኣ እየ ዘቕርቦ፡ ንሱውን ኪቐርበኒ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ህዝቢ ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኽ ክዀነኩም እየ። እንሆ፡ ናይ እግዚኣብሄር ህቦብላ ነድሩ ይወጽእ፡ እቲ ህቦብላ ኣብ ርእሲ ረሲኣን ተወንጪፉ ይወርድ። እቲ ርሱን ቊጥዓ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ሓሳባት ልቡ ኸይገበረን ከይፈጸመን ኣይኪምለስን እዩ። ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከተስተውዕልዎ ኢኹም።
Translation | Contextእዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ ብሓቂ እብለኩም እሎኹ።
Translation | Contextምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምጽኦም፡ ካብ ምዕራብ ከኣ ክኣኻኽበካ እየ። ንሰሜን፡ ኣምጽእ፡ ንደቡብ ከኣ፡ ኣይትኽላእ፡ ነወዳተይ ካብ ርሑቕ፡ ነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ፡ ነቲ ብስመይ እተጸውዔ ዘበለ ዂሉን ንኽብረይ ዝፈተርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክውን ኣምጻኣዮ፡ እብል አሎኹ
Translation | Contextኣነ ኸኣ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ምርኮ ኽመልሶ እየ፣ ንሳቶም ድማ ነተን ዝባደማ ኸተማታት ኪሀንጽወንን ኪነብርወንን እዮም። ኣታኽልቲ ወይኒ ኪተኽሉ፣ ወይኒ ኸኣ ኪሰትዩ፣ ኣታኽልቲ ኺገብሩ፣ ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። ኣነ ኣብ ምድሮም ክተኽሎም እየ፣ ድሕርዚ ኸኣ ካብታ ዝሀብክዎም ምድሮም ከቶ ኣይኪምንቈሱን እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ።
Translation | Contextነህዛብ ከኣ ሰንደቕ ዕላማ ኺተኽለሎም፡ ነቶም ካብ እስራኤል እተሰጉ ድማ ኪእክቦም፡ ነቶም ካብ ይሁዳ ፋሕ ዝበሉውን ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ኺኣኻኽቦም እዩ።
Translation | Contextሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምርኮኻ ይመልስ፡ ይድንግጸልካ ኸኣ፡ ካብቶም ናባታቶም ፋሕ ኣቢሉካ ዝነበረ ዅሎም ህዝብታት ከኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሊሱ ኺእክበካ እዩ።
Translation | Context