Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all7 bible verses about
ያሪኮ ድማ ብምኽንያት ደቂ እስራኤል ተዐጽያን ተሸጒራን ነበረት። ዚወጽእ ኰነ፡ ዚአቱ ዀነ ኣይነበረን። እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ በሎ፡ ርኤ፡ ያሪኮን ንጉሳን እቶም ሓያላት ጀጋኑኣን ኣብ ኢድካ ሂበካ አሎኹ። ኵልኹም ተዋጋእቲ ሰባት ነታ ኸተማ ኺቢብኩም ሓንሳእ ዙርዋ። ሹድሽተ መዓልቲ ከምኡ ግበሩ። ሾብዓተ ኻህናት ከኣ ቀቅድሚ ታቦት ኰይኖም ሾብዓተ መለኸት እልልታ ይውሰዱ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሾብዓተ ሳዕ ዙርዋ፡ እቶም ካህናት ድማ መለኸት ይንፍሑ። ኺከውን ድማ እዩ፡ እቲ መለኸት እልልታ ኣንዊሖም ምስ ነፍሑ፡ እቲ ደሃይ መለኸት ድማ ምስ ሰማዕኩም፡ ኵሉ ህዝቢ ዓው ኢሉ ይጨድር። መካበብያ እታ ኽተማ ከኣ ናብ ትሕቲኡ ኣቢሉ ኺወድቕ እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ በብቕድሚኡ ኺድይብ እዩ። ሽዑ እያሱ ወዲ ነዌ ነቶም ካህናት ጸዊዑ፡ ታቦት ኪዳን ውሰዱ፡ ሾብዓተ ኻህናት ከኣ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ሾብዓተ መለኸት እልልታ ይውሰዱ፡ በሎም። ነቶም ህዝቢ ድም፡ ሕለፉ እሞ ነታ ኸተማ ዙርዋ፡ ሰልፈኛ ዘበለ ኸኣ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ይሕለፍ፡ በሎም። ኰነ ኸኣ እያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ተዛረቦም፡ እቶም ሾብዓተ ኻህናት ድማ ሾብዓተ መለኸት እልልታ ሒዞም ነቲ መለኸት እናነፍሑ ቐቅድሚ እግዚኣብሄር ሐለፉ። እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ከኣ ደድሕሪኦም ይኸይድ ነበረ። እቲ እተሰለፈ ዘበለ ድማ ቀቅድሚ እቶም መለኸት ዚነፍሑ ኻህናት ይኸይድ ነበረ፡ እቶም ካህናት መለኸት እናነፍሑ ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ደድሕሪ ታቦት ይስዕቡ ነበሩ። እያሱ ድማ ነቶም ህዝቢ፡ ጫውጫው ኣይትበሉ፡ ድምጽኹም ከኣ ኣይተስምዑ፡ ገለ ቓል ድማ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ፡ ክሳዕ እታ ኣነ፡ ኣውክዑ፡ ዝብለኩም መዓልቲ፡ ሽዑ ኣውክዑ፡ ኢሉ ኣዘዞም። ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ሓንሳእ ኣዞሮ፡ ናብ ሰፈር ኣትዮም ከኣ ኣብቲ ሰፈር ሐደሩ። ንጽብሒቱ ድማ እያሱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ እቶም ካህናት ከኣ ንታቦት እግዚኣብሄር ጾርዎ። እቶም ሾብዓተ ኻህናትውን ሾብዓተ መለኸት እልልታ ሒዞም፡ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር እናኸዱ፡ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ሰልፈኛ ዘበለ ኸኣ ቀቅድሚኦም ከደ። እቶም ካህናት መለኸት እናነፍሑ ኪኸዱ ኸለዉ ድማ፡ እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ደድሕሪ ታቦት እግዚኣብሄር ይስዕብ ነበረ። በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሓንሳእ ዞይሮም፡ ናብ ሰፈር ተመልሱ። ሹድሽተ መዓልቲ ኸምኡ ገበሩ። ኰነ ኸኣ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ብወጋሕታ ተንሲኦም፡ ነታ ኸተማ ኸምኡ ገይሮም፡ ሾብዓተ ሳዕ ዞርዋ። በታ መዓልቲ እቲኣ ጥራይ ነታ ኸተማ ሾብዓተ ሳዕ ዞርዋ። ኰነ ኸኣ፡ እቶም ካህናት በቲ ሳብዓይ ሳዕ መለኸት ምስ ነፍሑ፡ እያሱ ነቶም ህዝቢ በሎም፡ እግዚኣብሄር ነዛ ኸተማ እዚኣ ሂቡኩም እዩ እሞ፡ ኣውክዑ። እዛ ኸተማ፡ ንሳን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ንእግዚኣብሄር ሕርሚ ትኹን። ረሃብ ኣመንዝራ ጥራይ ነቶም ዝሰደድናዮም ልኡኻት ስለ ዝሐብኣቶም፡ ንሳን ኣብ ቤት ምስኣ ዘለዉ ዅሎምን ብህይወት ይትረፉ። ሓንትስ ንስኻትኩም ከኣ ምስ ሐረምኩምዎ፡ ካብቲ እተሐርመ ኸይትወስዱ እሞ ንሰፈር እስራኤል ርጉም ከይትገብርዎ፡ መከራውን ከይተምጽኡሉስ፡ ካብቲ እተሐርመ ነገር ተጠንቀቑ። ብዘሎ ብሩርን ወርቅን ኣቕሓ ኣስራዝን ሓጺንን ንሱ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይኹን እሞ ናብ መዝገብ እግዚኣብሄር ይእቶ። ሽዑ እቶም ህዝቢ ኣውክዑ፡ ካህናትውን መለኸት ነፍሑ። ኰነ ኸኣ፡ እቶም ህዝቢ ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዑ፡ ዓው ኢሎም ኣውክዑ። ሽዑ እቲ መንደቕ ናብ ትሕቲኡ ኣቢሉ ወደቐ። እቲ ህዝቢውን፡ ነፍሲ ወከፍ በብቕድሚኡ ደይቡ ናብታ ኸተማ አተወ፡ ነታ ከተማ ድማ ሐዝዋ። ኣብታ ኸተማ ዝነበረ ዘበለ ኸኣ ኣጥፍእዎ። ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፡ ካብ ቈልዓ ክሳዕ ኣረጊት፡ ክሳዕ ብዕራይን በጊዕን ኣድግን ብስሕለት ሴፍ ኣጥፍእዎም። እያሱ ድማ ነቶም ነታ ሃገር ዝሰለዩ ኽልተ ሰብኣይ፡ ናብ ቤት እታ ኣመንዝራ ሰበይቲ እተዉ እሞ፡ ከምቲ ዝመሐልኩምላ፡ ነታ ሰበይትን ምስኣ ዘሎ ዅሉን ካብኣ ኣውጽኡ፡ በሎም። እቲም ኣጕባዝ፡ እቶም ሰለይቲ፡ ኣትዮም ንረሃብን ንቦኣን ነዲኣን ነሕዋታን ዘለዋ ዅሉን ኣውጽኡ፡ ንብዘሎ ዓሌታ ድማ ኣውጽኡ። ኣብ ወጻኢ ሰፈር እስራኤል አቐመጥዎም። ነታ ኸተማን ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉን ብሓዊ ኣንደዱ። ብሩርን ወርቅን ኣቓሑ ኣስራዝን ሓጺንን ጥራይ ናብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄር ገበሩ። ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ንያሪኮ ኺስልዩ እያሱ ዝሰደዶም ልኡኻት ስለ ዝሐብኣቶም፡ እያሱ ንእኣን ንቤት ኣቦኣን ንዅሉ ዘለዋን ብህይወት ሐደገ። ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ኣብ ማእከል እስራኤል ትነብር አላ፡ በታ ጊዜ እቲኣ እያሱ ኸምዚ ኢሉ መሐለ፡ ነዛ ኸተማ ያሪኮ ኺሰርሓ ኢሉ ዚልዐል፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉም ይኹን። ብበዅሪ ወዱ ይሰርታ፡ ደጌታታ ድማ በቲ ዝነኣሰ ወዱ የቑም። እግዚኣብሄር ምስ እያሱ ምስ ነበረ እሞ፡ ወሪኡ ናብ ብዘላ እታ ሃገር በጽሔ።
Translation | Contextቀጽሪ ያሪኮ ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎ፡ ብእምነት ወደቐ።
Translation | Contextበታ ጊዜ እቲኣ እያሱ ኸምዚ ኢሉ መሐለ፡ ነዛ ኸተማ ያሪኮ ኺሰርሓ ኢሉ ዚልዐል፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉም ይኹን። ብበዅሪ ወዱ ይሰርታ፡ ደጌታታ ድማ በቲ ዝነኣሰ ወዱ የቑም።
Translation | Contextብዘመኑ ኸኣ ሒኤል ቤት-ኤላዊ ንያሪኮ ሰርሓ። ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብእያሱ ወዲ ነዌ እተዛረቦ ድማ ብኣቢራም፡ በቲ በዂሩ ሰረታ፡ ደጌታታ ኸኣ ብሴጉብ፡ በቲ ንእሽቶ ወዱ ኣቘመ።
Translation | Contextየሱስ ኣብ ያሪኮ አትዩ ብእኣ ሐለፈ። እንሆ፡ ዘኬዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ሓለቓ ተገውቲ እዩ፡ ሃብታምውን እዩ። ንየሱስ ከኣ፡ ኣየናይ ምዃኑ ኺርእዮ ይደሊ ነበረ። ቍመቱ ሓጺር ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ካብ ብዝሒ እቲ ህዝቢ እተላዕለ ምኽኣል ሰኣነ። ምሕላፉ ብእኣ ነበረ እሞ፡ ቅድሚት ጐይዩ ኺርእዮ ናብ ሳግላ ሐዀረ። የሱስ ድማ ኣብታ ቦታ ምስ በጽሔ ኣንቃዕሪሩ፡ ጠሚትዎስ ዘኬዎስ፥ ሎሚ፡ ኣብ ቤትካ ኸውዕል ይግብኣኒ እዩ እሞ፡ ቀልጢፍካ ውረድ፡ በሎ። ቀልጢፉ ወረደ ተሐጕሱውን ተቐበሎ። እዚ ምስ ረኣዩ ድማ፡ ኣብ ቤት ሓጥእ ሰብኣይ ኪውዕል ኣተወ፡ ኢሎም ኵላቶም ኣዕዘምዘሙ። ዘኬዎስ ከኣ ተንሲኡ፡ ንጐይታ፡ ጐይታይ፡ እንሆ፡ ፈረቓ ጥሪተይ ንድኻታት እህብ፡ ገለ ዝዓመጽክዎ እንተሎውን፡ ኣርባዕተ ዕጽፊ እፈድዮ፡ በሎ። የሱስ ድማ፡ ወዲ ሰብ ንጥፉእ ኪደልን ኬድሕንን እዩ ዝመጸ እሞ፡ ነስኻ ኸኣ ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀንካ፡ ሎሚ ነዛ ቤት ምድሓን ኰነላ፡ በሎ።
Translation | Contextኣብ ያሪኮ ድማ ኣተወ። ካብ ያሪኮ ምስ ደቀ መዛሙርቱን ምስ ብዙሕ ህዝብን ኪወጽእ ከሎ ኸኣ፡ በርጢሜዎስ፡ እቲ ዕዉር ወዲ ጢሜዎስ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ። የሱስ፡ እቲ ናዝራዊ ምዃኑ ምስ ሰምዔ ድማ፡ ዓው ኡሉ፡ የሱስ ወዲ ዳዊት ምሐረኒ፡ ኪብል ጀመረ። ብዙሓት ድማ ስቕ ኪብል ገንሕዎ፡ ንሱ ግና፥ ኣታ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣዝዩ ጨደረ። የሱስ ድማ ደው ኢሉ፥ ጸውዕዎ፡ በለ። ነቲ ዕዉር ከኣ ጸዊዖም፥ ኣጆኻ፡ ተንስእ፡ ይጽውዓካ አሎ፡ በልዎ። ተንሲኡ፡ ባርኖሱ ኣውጺኡ፡ ናብ የሱስ መጸ። የሱስ ድማ፥ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ አሎኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። እቲ ዕዉር ከኣ፥ ረቡኒ፡ ክርኢ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፥ ኪድ፡ እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ። ብኡብኡ ረአየ፡ ኣብ መገዲውን ሰዓቦ።
Translation | Contextሽዑ እቶም ህዝቢ ኣውክዑ፡ ካህናትውን መለኸት ነፍሑ። ኰነ ኸኣ፡ እቶም ህዝቢ ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዑ፡ ዓው ኢሎም ኣውክዑ። ሽዑ እቲ መንደቕ ናብ ትሕቲኡ ኣቢሉ ወደቐ። እቲ ህዝቢውን፡ ነፍሲ ወከፍ በብቕድሚኡ ደይቡ ናብታ ኸተማ አተወ፡ ነታ ከተማ ድማ ሐዝዋ።
Translation | Context