Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

jesus being humble


ፊልጲ 2:5-11 | 28 Helpful votes

እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮንመልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ

Translation | Context
ማርቆስ 10:45 | 14 Helpful votes

ወዲ ሰብ ድማ ኬገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ኪህብ እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን፡ በሎም።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 8:9 | 13 Helpful votes

ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ንስካትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙሃብታም ክነሱስምእንታኻትኩም ደኸየ

Translation | Context
ዮሃንስ 13:3-7 | 7 Helpful votes

የሱስ ከኣ ኣቦኡ ንዅሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሃቦካብ ኣምላኽ ድማ ከም ዝመጸ ናብ ኣምላኽውን ከም ዚኸይድ ፈሊጡካብ ድራር ተንሲኡ ኽዳውንቱ ኣንበረዓለባ ኣልዒሉውን ተዓጥቀደሓር ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኺሐጽብን በቲ እተዓጥቆ ዓለባ ገይሩ ኺደርዝን ጀመረሽዑ ናብ ስምኦን ጴጥሮስ መጸ፡ ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይንስኻዶ ኣእጋረይ ክትሐጽበኒ ኢኻ፧ በሎየሱስ መሊሱ፡ ነቲ ኣነ ዝገብሮ ንስኻ ሕጂ ኣይትፈልጦንድሕርዚ ግና ክትፈልጦ ኢኻ፡ በሎ

Translation | Context
ማቴዎስ 11:29 | 6 Helpful votes

ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑትኣርዑተይ ፈኵሽጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 12:12-16 | 5 Helpful votes

ንጽብሒቱ እቲ ንበዓል ዝመጸ ብዙሕ ህዝቢየሱስ ናብ የሩሳሌም ከም ዚመጽእ ሰሚዑጨናፍር ኦም ስየ ኣልዒሎም ኪቕበልዎ ወጹእናጨደሩ ኸኣሆሳእናብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ፡ በሉ። ከምቲ፥ ኣቲ ጓል ጽዮንኣይትፍርሂእንሆንጉስኪ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ አሎ፡ ኢሉ እተጻሕፈየሱስ ከኣ ጻዕብ ኣድጊ ረኺቡ ተወጥሖደቀ መዛሙርቱ ነዚ ነገርዚ ቕድም ኣየስተውዓልዎን። የሱስ ምስ ከበረ ግናሽዑ እዚ ነገርዚ ብዛዕባኡ ኸም እተጻሕፈ፡ ንሳቶምውን እዚ ኸም ዝገበሩሉ ዘከሩ

Translation | Context
ዮሃንስ 5:19 | 4 Helpful votes

የሱስ መሊሱ በሎምብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከአሎንነቲ ንሱ ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 6:34 | 4 Helpful votes

የሱስ ምስ ወጸብዙሕ ህዝቢ ረአየሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ፡ ደንገጸሎምብዙሕውን ኪምህሮም ጀመረ

Translation | Context
እብራውያን 4:15 | 3 Helpful votes

ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን እሞ፡ ብሰማያት ዝሐለፈ ዓብዪ ሊቀ ኻህናትየሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወናስምእማንና ነጽንዕ

Translation | Context
ሮሜ 1:1-32 | 3 Helpful votes

ጳውሎስ ባርያ የሱስ ክርስቶስሃዋርያ ኪኸውን እተጸውዔንወንጌል ኣምላኽ እተፈልየ፡ ኣቐዲሙ ብነብያቱ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘተስፈዎብዛዕባ ወዱብስጋ ኻብ ዘርኢ ዳዊት እተወልደ፡ ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ ካብ ምዉታት ብምትንሳኡብመንፈስ ቅዱስና ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብሓይሊ እተጋህደ፡ ስለ ስሙ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ምእዛዝ እምነት ክንተክል፡ ብእኡ ጸጋን ሃዋርያነትን እተቐበልና፡ ንስኻትኩም ከኣ ምሳታቶም ጽዉዓት የሱስ ክርስቶስ ኢኹም፡ ኣብ ሮሜ ንዘሎኹም ጽዉዓትን ቅዱሳንን ፍቁራት ኣምላኽ ኲላትኩም። ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይሃሉኹም። እምነትኩም ኣብ ኲላ ዓለም ስለ እተወርየትቅድሚ ዂሉ ብዛዕባ ዂላትኩም ንኣምላኸይ ብየሱስ ክርስቶስ ኤመስግኖ አሎኹ። ንምጽናዕኩም ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩምክርእየኩም እናፍቕ አሎኹ፡ ማለት፡ በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት፡ - ናትኩምን ናተይን፡ ኣባኹምን ምሳኹምን፡ - ምእንቲ ኽንጸናናዕሲ፡ ብዘይ ምቊራጽ ከም ዝሐስበኩምብፍቓድ ኣምላኽ እንተ ሰለጠንስ፡ ብገለ መገዲ ኣብ መወዳእታ ናባኻትኩም ክመጽእብጸሎተይ ኲሉ ሳዕ ከም ዝልምን፡ እቲ ብወንጌል ወዱ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ ይምስክረለይ እዩ። ኣቱም ኣሕዋተይከምቲ ኣብቶም ካልኦት ኣህዛብኣባኻትኩምውን ፍረ ምእንቲ ኽረክብሲ፡ ናባኻትኩም ንምምጻእ፡ ምኽረይ ከም ዝቘረጽኩ፡ ክሳዕ ሕጂ ግና ከም እተኸልከልኩ፡ ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ። ንጽርኣውያንን ንኻልኦት ኣህዛብን ንለባማትን ንዓያሱን ዕዳ አሎኒ። ስለዚ ብናይ ርእሰይሲ ኣብ ሮሜ ንዘሎኹምውን ወንጌል ክሰብከልኩም ተዳልየ አሎኹ። ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡውን ንጽርኣዊንዚኣምን ዘበለ ዂሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ። ከምቲ ጽሑፍጻድቕ ግና ብእምነት ይነብር፡ ዚብል፡ እቲ ጽድቂ ኣምላኽ ካብ እምነት ናብ እምነት ብእኡ ይገሃድ እዩ። ቊጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዂሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እዩ። ኣምላኽ ገሊጹሎም እዩ እሞ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሉጽ እዩ፡ ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩእዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ። ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ እሞንኽብሪ እቲ ዘይሐልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዚብልን ንዚመስል ለወጥዎ። ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜንንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉንኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም። ስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦምደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ። ከምቲ ንኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ኪሕዝዎ ዘየቋጸርዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ኪገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሀቦምዓመጻ ዘበለ፡ ሕሰም፡ ስስዔ፡ ክፍኣት ዝመልኦምምሉኣት ቅንኣትቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰልእከይ፡ መሕሸዂሸዂቲ፡ ሓመይቲኣብ ኣምላኽ ጽሉኣትገፋዕቲኲሩዓትተዘሃርቲተጣበብቲ እከይንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ደናቚርቲ፡ ጠለምቲ፡ ፍቕሪ ዜብሎም፡ ዘይድንግጹ፡ እዚኣቶም፡ ነቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ ሞት ከም ዚግብኦም፡ ነቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እናፈለጥዎ ኽነሶምሲ፡ ምስቶም ዚገብርዎ ድማ ይሰምሩ አለዉ እምበር፡ ዚገብርዎ ጥራይ ኣይኰኑን።

Translation | Context