Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
ሕጻን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተውሂቡና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኲቡ እዩ፡ ስሙውን ግሩም፡ መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ።
Translation | Contextበዅሪ ወዳ ወለደት ብዓለባውን ጠቕለለቶ፡ ኣብቲ ማሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ፡ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
Translation | Contextልደት የሱስ ክርስቶስ ከምዚ እዩ፡ ኣዲኡ ማርያምን ዮሴፍ ተሐጽያ ኸላ፡ ከይተራኸቡ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት። ዮሴፍ ሕጹያ፡ ጻድቕ ሰብኣይ ነበረ እሞ፡ ብሕቡእ ኪሐድጋ ሓሰበ እምበር፡ ኪገልጻ ኣይፈተወን። ንሱ እዚ ኺሐስብ ከሎ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተራእዮ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፡ እቲ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ንምውሳዳ ኣይትፍራህ። ወዲ ኽትወልድ እያ፡ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ፡ ስሙ የሱስ ክትሰምዮ ኢኻ። እዚ ዅሉ እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ እተዛረቦ ኺፍጸም ኰነ፡ ከምዚ ዚብል፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጸንስ ወዲውን ክትወልድ እያ፡ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ኪብልዎ እዮም፡ ትርጉሙ፡ ኣምላኽ ምሳና እዩ። ዮሴፍ ካብ ድቃሱ ተንሲኡ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዞ ገበረ፡ ንማርያም ሕጽይቱ ወሰዳ። በዅሪ ወዳ ኽሳዕ እትወልድ ከኣ ኣይፈለጣን። ስሙ ድማ የሱስ ሰመዮ።
Translation | Contextስለዚ እግዚኣብሄር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ፡ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ።
Translation | Contextእቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና።
Translation | Contextብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።
Translation | Contextየሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።
Translation | Contextቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ።
Translation | Contextንሱ መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ፡ በዅሪ ዅሉ ፍጥረትውን እዩ። ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርኤን ዘይርኤን፡ ዝፋናት ኰኑ ወይስ ጕይትነት፡ ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ አሎ እሞ፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ። ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ እዩ፡ ኵሉውን ብእኡ ቘይሙ አሎ።
Translation | Contextየሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮዶስ ኣብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ምስ ተወለደ፡ እንሆ፡ ሰብ ጥበብ፡ እቲ እተወለደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ አሎ፧ ኰዀብ ኣብ ምብራቕ ርኢና እሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእና፡ እናበሉ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ። ንጉስ ሄሮዶስ ስሚዑ ሰምበደ፡ ኵላ የሩሳሌም ውን ምስኡ። ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃውንቲ ኻህናት ንጻሓፍትን ህዝብን ኣኪቡ፡ ክርስቶስ ኣበይ እዩ ዚውለድ፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ቤት-ልሄም ምድሪ ይሁዳ፡ ንህዝበይ እስራኤል ዚሕሉ ሹም ካባኺ ኺወጽእ እዩ እሞ፡ ካብ ሹማምቲ ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ ኣብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ እዩ፡ በልዎ። ድሕርዚ ሄሮድስ ንሰብ ጥበብ ብሕቡእ ጸውዖም፡ ካባታቶም ድማ ዘመን እቲ እተራእዮም ኰዀብ ኣጸቢቑ ተረድኤ። ናብ ቤት-ልሄም ድማ ሰደዶም፡ ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ህጻን ኣርጊጽኩም መርምሩ። ምስ ረኸብኩምዎ፡ ኣነ ኸኣ መጺኤ ኽሰግደሉ፡ ኣፍሉጡኒ በሎም። ንሳቶም ከኣ ካብ ንጉስ ሰሚዖም ከዱ። እንሆ፡ እቲ ኣብ ምብራቕ ዝረአይዎ ኰዀብ ኣብ ልዕሊ እታ እቲ ሕጻን ዘለዋ ቦታ መጺኡ ደው ክሳዕ ዚብል መርሖም። ነቲ ኰዀብ ምስ ረአይዎ፡ ኣዝዮ ብዙሕ ሓጐስ ተሐጐሱ። ናብ ቤት ኣትዮም፡ ነቲ ሕጻን ምስ ማርያም ኣዲኡ ረአይዎ፡ ፍግም ኢሎም ድማ ሰገድሉ። ሳጽኖም ከፊቶም ከኣ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጸ በረኸት ሀብዎ። ናብ ሄሮዶስ ከይምለሱ፡ ብሕልሚ ምስ ተራእዮም ድማ፡ ብኻልእ መገዲ ናብ ሃገሮም ተመልሱ።
Translation | Contextየሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮዶስ ኣብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ምስ ተወለደ፡ እንሆ፡ ሰብ ጥበብ፡ እቲ እተወለደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ አሎ፧ ኰዀብ ኣብ ምብራቕ ርኢና እሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእና፡ እናበሉ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ።
Translation | Contextዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
Translation | Contextኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ፡ ይብል እቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን ኵሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
Translation | Contextኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።
Translation | Contextንሱ መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ፡ በዅሪ ዅሉ ፍጥረትውን እዩ።
Translation | Context