Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

jesus death


1ይ ጴጥሮስ 3:18 | 10 Helpful votes

ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኬቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:16 | 9 Helpful votes

ንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ አሎና። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ከነሕልፍ ይግብኣና እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 53:5 | 7 Helpful votes

ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና

Translation | Context
ኢሳይያስ 53:1-12 | 5 Helpful votes

ነዚ ምስክርና መን ኣመኖቅልጽም እግዚኣብሄርከ ንመን ተጋህደሉ፧ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን ከምቲ ኻብ ንቑጽ ምድሪ ዚወጽእ ሱርን ጨብጨበመልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ርኤናዮዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን። ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን እዩ፡ ብዓል ስቓይብሕማም ልዱይ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ዚጒልብቡሉ ሰብ እተዋረደ እዩ፡ ንሕናውን ገለ እኳ ኣየቋጾርናዮንብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዐኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚኣብሄር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና። ኲላትና ኸም ኣባጊዕ ተባረርናነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለእግዚኣብሄር ከኣ ኣበሳ ዂላትና ኣብኡ ኣውደቖመከራ ጸገበ፡ ርእሱ ኣዋረደ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል፡ ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን። ካብ ጥቕዓትን ፍርድን ተወስደ፡ ካብ ምድሪ ህያዋን ከም እተቘርጾ፡ ካብቶም ወለዶኡ መን ሐሰቦ፧ ብምኽንያት ገበን ህዝበይ ተቐዝፈ። እከይ ዘይገበረሓሶት ከኣ ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ ኽነሱስ፡ መቓብሩ ምስ ረሲኣን ገበሩብሞቱ ግና ምስ ሃብታም ኰነ። እግዚኣብሄር ግና ብመከራ ኺሕምሽሾ ፈተወነፍሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ወፈያ፡ ዘርኢ ኺርኢመዓልትታቱ ኼንውሕ እዩ፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ኢዱ ኺሰልጥ እዩ። ጻማ ነፍሱ ኺርኢ ኺጸግብውን እዩ። እቲ ጻድቕ ባርያ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ኬጽድቕኣበሳኦም ድማ ባዕሉ ኺጸውር እዩ። ነፍሱ ንሞት ስለ ዝወፈያ፡ ምስ በደለኛታት ከኣ ስለ እተቘጽረ፡ ስለዚ ግዲኡ ምስ ዓበይቲ ኽመቕሎ እየ፡ ምርኮውን ምስ ሓያላት ኪመቅል እዩ። ግናኸ ሓጢኣት ብዙሓት ጾረ፡ ምእንቲ በደለኛታት ከኣ ለመነ

Translation | Context
ዮሃንስ 11:25 | 5 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተ ሞተ እኳብህይወት ኪነብር እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:2 | 4 Helpful votes

ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩብናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ድማ እዩ እምበርብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን

Translation | Context
ዮሃንስ 10:17-18 | 4 Helpful votes

ኣነ ንነፍሰይ በጃ ኸሕልፋመሊሰውን ክወስዳ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣቦ የፍቅረኒ እዩባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር ካባይ ዝወስዳስ የልቦን። በጃ ኸሕልፋ ስልጣን አሎኒመሊሰ ኽወስዳውን ስልጣን አሎኒነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኻብ ኣቦይ እየ እተቐበልክዋ

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:5 | 4 Helpful votes

ንሱ ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም እተገልጸትፈልጡ ኢኹም። ኣብኡውን ሓጢኣት የልቦን

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ

Translation | Context
ዮሃንስ 19:30 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ ነቲ መጺጽ ዝመልኤ ምስ ጠዐመተፈጸመበለርእሱ ኣድነነነፍሱውን ወጸት

Translation | Context
ዮሃንስ 5:24 | 2 Helpful votes

እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለአኸኒ ዚአምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 22:14-18 | 2 Helpful votes

ኣነ ኸም ማይ ፈሰስኩ፣ ብዘሎ ኣዕጽምተይ ተፋላልዩልበይ ከም ስምዒ ዀነ፣ ኣብ ማእከል ኣምዑተይ ከኣ መኸኸሓይለይ ከም ገልዒ ነቒጹልሳነይ ኣብ ትንሓገይ ጠቢቑ፣ ናብ መሬት ሞት ኣውዲቕካኒኣኽላባት ከቢቦምኒኣኼባ ገበርቲ እከይ ኣማእኪሎምኒነእዳወይን ነእጋረይን ሸንኪሮምዎ እዮም እሞ፣ ንዅሉ ኣዕጽምተይ ክቘጽሮ እኽእል እየ፣ ንሳቶም ይጥምቱንን ይዕዘቡንን አለዉ። ንኽዳውንተይ ይማቐልዎንቐምሸይውን ዕጻ የውድቑሉ

Translation | Context
ቈሎሴ 2:14 | 2 Helpful votes

ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ

Translation | Context
ዮሃንስ 8:12 | 2 Helpful votes

ሽዑ የሱስኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦም

Translation | Context
ኤፌሶን 1:7 | 2 Helpful votes

ብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፡ ከምቲ ሃብቲ ጻጋኡ ሕድገት ሓጢኣት አሎና።

Translation | Context