Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
እንሆ፡ ብደበና ይመጽእ አሎ፡ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ኪርእይዎ እዮም፡ ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪውን ኪበኽዩሉ እዮም። እወ፡ ኣሜን።
Translation | Contextከምኡ ኸኣ እቲ ንሓጢኣት ብዙሓት ኬርሕቕ ኢሉ ሓንሳእ እተሰውኤ ክርስቶስ ንምድሓን እቶም ዚጽበይዎ ኻልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ኪግለጽ እዩ።
Translation | Contextግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማን፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ። ዐሪቀ፡ ከደንኩምኒ። ሐሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ። ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልስሉ፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ መኣዝከ ጋሻ ኴንካ ርኤናካ ኣሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕካስ ከደንናካ፧ መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ትአሲርካስ በጻሕናካ፧ ይብሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙን ዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ። ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣየብላዕኩምንን። ጸሚኤ፡ ኣየስቴኹምንን። ገይሸ፡ ኣይተቐበልኩምንን። ዐሪቐ፡ ኣይከደንኩምንን። ሐሚመ፡ ተኣሲረ፡ ኣይበጻሕኩምንን። ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ፡ ወይ ጸሚእካ፡ ወይ ጌሽካ፡ ወይ ዐሪቕካ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካ፡ ዘየገልገልናካ፧ ኢሎም ይመልስሉ። ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።
Translation | Contextእቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና አሎ።
Translation | Contextግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እታ መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ኰይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ፡ ባዕላትኩም ኣርጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ብናይ ዘመናትን ጊዜታትን ክንጽሕፈልኩምሲ ኣየድልየኩምን እዩ።
Translation | Contextሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ርኤኹ። እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሀል፡ ብጽድቂውን እዩ ዚዳንን ዚዋጋእን። ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣብ ርእሱውን ብዙሕ ዘውድታት አለዎ፡ ብጀካኡ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ አለዎ። ብደም እተዐለሰ ኽዳን ተወንዚፉ እዩ፡ ስሙውን ቃል ኣምላኽ እዩ። ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ሻሽ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሌታት ኣፍራስ ተቐሚጦም ሰዐብዎ። ካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ። ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ፡ ነቲ መጽመቝ ወይኒ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከኣ ንሱ ይረግጾ። ኣብ ክዳኑን ኣብ ምሕኵልቱን ድማ፡ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ ዚብል ጽሑፍ ስም አለዎ።
Translation | Contextናብ መልኣኽ ማሕበር ፊላደልፍያውን ጽሐፍ፡ እቲ ቅዱስ፡ ሓቀኛ፡ መርሖ ዳዊት ዘለዎ፡ ንሱ ምስ ከፈተ፡ ሓደ እኳ ዘይዐጹ፡ ንሱ ምስ ዐጸወ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ዘይከፍት፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ ንግብርኻ እፈልጦ አሎኹ። ዓቕምኻ ሒደት እዩ፡ ንቓለይ ሐሊኻዮ ንስመይውን ኣይከሐድካዮን እሞ፡ እንሆ፡ ሓደ እኳ ኺዐጽዎ ዘይኽእል ክፉት ደገ ሂበካ አሎኹ። እንሆ፡ ካብቶም፡ ኣይሁድ ኢና፡ ዚብሉ ማሕበር ስይጣን፡ ግናኸ ይሕስዉ አለዉ እምበር፡ ኣይሁድሲ ዘይኰኑ፡ እህበካ አሎኹ። እንሆ፡ ንሳቶም ከም ዚመጹን፡ ኣብ ቅድሚ እግርኻ ኸም ዚሰግዱን ኣነ ኸም ዘፍቀርኩኻውን ከም ዚፈልጡን፡ ክገብሮም እየ። ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሐሎኻዮ፡ ኣነ ድማ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኽትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመጽእ ሰዓት ፈተና ኽሕልወካ እየ። ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ። ሓደ እኳ ኣኽሊልካ ኸይዝርፈካስ፡ ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሐዞ።
Translation | Contextጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም። ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ብደበና ኽንለዓል ኢና፡ ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።
Translation | Contextየሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኸደ፡ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኬርእይዎ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ግና መሊሱ፡ እዚ ዅሉስ ትርእይዎዶ አሎኹም፧ ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧ እስኪ ንገረና፡ እናበሉ ናብኡ ቐረቡ። የሱስ መሊሱ በሎም፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ፡ ኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ። ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህብኹምን ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃህቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም። ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ። እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ። እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ - እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ - ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘለዉ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይሌኤን። ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ። እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን። ሽዑ ገለ፡ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመንዎ። ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ኼስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። እንሆ፡ ኣቐዲመ ነገርኩኹም። እንሆ፡ ኣብ በረኻ አሎ፡ እንተ በሉኹም፡ ኣይትውጽኡ። እንሆ ኣብ ቤት አሎ እንተበሉኹምውን ኣይትእመኑ። በርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዚርኤ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ከኣ ናብኡ ኺእከቡ እዮም። ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፡ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም። ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም። ንመላእኽቱ ኸኣ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ኻብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ወሰን ሰማይ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንፋሳት ኪእክብዎም እዮም። ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ። ጨነፍራ ምስ ለምለመ፡ ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ርኤኹም፡ ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ። እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ። ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡ መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን። ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ፡ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ፡ ማይ ኣይሂ መጺኡ፡ ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን። ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኽልተ ኣብ ግራት ኪዀኑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን ኪጥሕና እየን፡ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ። ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። ግናኸ ፍለጡ፡ በዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ፡ ምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን። ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ። እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ። ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ኸም ዚሸሞ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ብልቡ፡ ጐይታይ ይድንጕ እዩ፡ እንተ በለ፡ ነቶም ብጾቱ ባሮት ምውቃዖም ይጅምር፡ ምስቶም ሰኸርቲውን ይበልዕን ይሰትን። ጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ ብዘይፈላጣ ጊዜውን ኪመጽእ እዩ። ኣብ ክልተ ኺጭንድሖ፡ ዕድሉ ድማ ምስ ግቡዛት ኪገብሮ፡ ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡ መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን።
Translation | Contextወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺህቦ እዩ።
Translation | Context