Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

job hunting


ማቴዎስ 7:7 | 29 Helpful votes

ዝለመነ ዅሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ይውሀበኩምድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 43:18-19 | 10 Helpful votes

ነቲ ቐደም ዝነበረ ኣይትዘክሩ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ኸኣ ኣይትሕሰቡ። እንሆ፡ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፡ ሕጂ ትበቊል አላኣይተለልይዋንዶ ኢኹም፧ እወ፡ መገዲ ኣብ በረኻወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኽገብር እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 60:1-22 | 8 Helpful votes

ብርሃንኪ መጺኡክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ወጺኡልኪ እዩ እሞ፡ ተንስኢብርሂ። እንሆ፡ ጸልማት ንምድሪጣቓ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኺ ኺወጽእክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኺርኤ እዩ። ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪነገስታት ከኣ ናብ ጸዳል ምብራቕኪ ኺመጹ እዮም። ኣዒንትኺ ናብ ዙርያ ቛሕ ኣብሊ እሞ ጠምቲ፡ ኲሎም ተኣኪቦም ናባኺ ይመጹ ኣለው፡ ኣወዳትኪ ኻብ ርሑቕኣዋልድኪውን ተሐቚፈን ይመጹ ኣለው። ምልኣት ባሕሪ ናባኺ ኺምለስ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ከኣ ናባኺ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ኽትርእዪ፡ ብታሕጓስ ድማ ከተንጸባርቒ ኢኺ፡ ልብኺውን ትርግርግ ኪብልን ኪርሕብን እዩ። ብዝሒ ኣግማልን ረብዓት ኣግማል ሚድያንን ኤፋን ኪለማኺ እየን፡ ኲላቶም ካብ ሳባ ኺመጹ፡ ወርቅን ዕጣንን ኬምጽኡውዳሴ እግዚኣብሄር ከኣ ኪነግሩ እዮም። ኲላተን መጓሴታት ቄዳር ናባኺ ኺእከባድቤላታት ኔባዩት ኬገልግሉኺ፡ ባህ ንምባለይ ናብ መሰውእየይ ኪስውኡ እዮም፡ ኣነውን ንቤት ክብረይ ከኽብሮ እየ። እዞም ከም ደበናን ከም ናብ ኣባይተን ዚነፍራ ረገቢትን ዚመጹ እንታዎት እዮም፧ ደሴታት ይጽበያኒ፡ ንሱ ኣኽቢሩኪ እዩ ኣሞ፡ ንደቅኺ ምስ ብሩሮምን ወርቆምን ናብ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ፡ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ካብ ርሑቕ ምእንቲ ኼምጽኣስመራኽብ ተርሲስ ቅድም ኪመጻ እየን። ብዂራይ ወቒዔኪብለውሃተይ ግና ምሒረኪ እየ እሞ፡ ደቂ መጻእተኛታት ንቐጽርኺ ኺነድቅዎነገስታቶም ከኣ ኬገልግሉኺ እዮም። እቲ ዘይግዝኣኪ ህዝብን መንግስትን ኪጠፍእ፡ እወ፡ እዞም ኣህዛብ ብጥራስ ኪጸንቱ እዮም እሞ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ምእንቲ ኼእትውልኪነገስታቶም ድማ ተዐጅቦም ኪኣትውኽስደጌታትኪ ዂሉ ጊዜ ኽፋት ኪኸውን፡ ለይትን መዓልትን ኣይኪዕጾን እዩ። ነቲ ስፍራ መቕደሰይ ምእንቲ ኺስልምዎክብሪ ሊባኖስጽሕድን ሙዝን ዝበንሐቢሮም ኪመጹኺ እዮም። ኣነውን ንስፍራ መርገጽ እግረይ ከኽብሮ እየ። ደቂ ጠቓዕትኺ እናደነኑ ናባኺ ኺመጹ፡ እቶም ዝነዐቑኺ ዂሎም ድማ ናብ ትሕቲ ኣእጋርኪ ፍግም ኪብሉ እዮም እሞ፡ ከተማ እግዚኣብሄርጽዮን ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ኢሎም ኪሰምዩኺ እዮም። ኣብ ክንዲ እቲ ሓደ እኳ ዘየግልሰኪ ሕድግትን ጽልእትን ዝነበርኪ፡ ኣነ ዘለኣለማዊ መሓበንን ንውሉድ ወለዶ ኸኣ ደስታን ክገብረኪ እየ። ጸባ ኣህዛብ ክትጠብዊ፡ ኣጥባት ነገስታት ከኣ ክትጠብዊ ኢኺ። ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኺ፡ እቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ተበጃዊኺ ምዃነይውን ክትፈልጢ ኢኺ። ኣብ ክንዲ ነሃሲ ወርቂ ኸምጽእ፡ ኣብ ክንዲ ሓጺን ብሩር፡ ኣብ ክንዲ ዕጨይቲ ኸኣ ነሃሲ፡ ኣብ ክንዲ እምኒውን ሓጺን ከምጽእ እየ። ኣሕሉቚኪ ሰላምሹማምትኺ ድማ ጽድቂ ኽገብር እየ። ድሕርዚ ዓመጽ ኣብ ምድርኺጥፍኣትን ምዕናውን ኣብ ዶብኪ ኣይኪስማዕን እዩ። ግናኸ ንቐጽርታትኪ ምድሓን፡ ንደጌታትኪ ኸኣ ምስጋና ኢልኪ ክትሰምይየን ኢኺ። እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ፡ ኣምላኽኪ ድማ ክብርኺ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ድሕርዚ ጸሓይ ብመዓልቲ ብርሃንኪ ኣይክትከውንን፡ ወርሒ ኸኣ ብምድማቓ ኣይከተብርሃልክን እያ። እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ ኪዀነልኪ፡ መዓልትታት ሓዘንኪ ኸኣ ኪውድኣ እየን እሞ፡ ድሕርዚ ጸሓይኪ ኣይክትዐርብንወርሕኺ ድማ ኣይክትጐድልን እያ። ኲሎም ህዝቢ ብዘለዉ ጻድቃን ኪዀኑ፡ ነታ ሃገር ከኣ ንዘለኣለም ኪወርስዋ እዮም፡ ንሳቶም ንኽብረይ ዚኸውን ጨንፈር ተኽለይግብሪ ኣእዳወይ እዮም። እቲ ንእሽቶስ ሽሕ፡ እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዚ ብጊዜኡ ቐልጢፈ ኽገብሮ እየ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:27-28 | 8 Helpful votes

ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከኣላ እንተ ዀይኑስ፡ ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮዚወሃብ ከሎካስንብጻይካኪድ እሞ ተመለስጽባሕ ክህበካ እየ ኣይትበሎ

Translation | Context
መዝሙር 115:1 | 7 Helpful votes

ንኣና ኣይኰነን፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንኣና ኣይኰነን፣ ግናኸ ስለ ምሕረትካን ሓቅኻን ኢልካ፣ ንስምካ ኽብሪ ሀብ

Translation | Context
ማቴዎስ 6:28-34 | 5 Helpful votes

ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም አለኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ እምበርከ እንታይ ንበልዕእንታይ ንሰቲእንታይ ንኽደንኢልኹም ኣይትጨነቑነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩእዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩምጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ

Translation | Context
መዝሙር 5:12 | 5 Helpful votes

ንጻድቕ ትባርኾ ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ብዋልታ ብጸጋ ትኸቦ

Translation | Context
ምሳሌ 21:1 | 5 Helpful votes

ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ወሓዚ ማይ እዩ፡ ንሱ ናብ ዝደለዮ ይመልሶ

Translation | Context
ኤርምያስ 29:7 | 4 Helpful votes

ደሓን እታ ኣነ ናብኣ ዘማረኽኩኹም ከተማ ድለዩብደሓና ደሓን ክትረኽቡ ኢኹም እሞ፡ ስሊኣ ንእግዚኣብሄር ለምኑ

Translation | Context
ኤፌሶን 2:10 | 4 Helpful votes

ፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና።

Translation | Context
ኤርምያስ 11:1-23 | 3 Helpful votes

ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል አሎ፡ ንቓላት እዚ ኺዳን እዚ ስምዑንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ድማ ተዛረቡእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡ ኢልካ በሎም፡ ከምቲ ሎም ዀይንዎ ዘሎ፡ ነታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ክህበኩም እየ፡ ኢለ ነቦታትኩም ዝመሐልክዎ ማሕላ ምእንቲ ኸጽንዕ፡ ነቲ በታ ነቦታትኩም ካብ ሃገር ግብጺ፡ ካብ እቶን ሓጎዶ ዘውጻእኩላ መዓልቲ፡ ድምጸይ ስምዑዝኣዘዝኩኹም ኲሉ ኸኣ ግበሩ፡ ሽዑ ንስኻትኩም ህዝበይ ክትኰኑ፡ ኣነውን ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፡ ኢሉ ዝኣዘዝክዎም ቃል ኪዳን ዘይሰምዕ ሰብ ርጉም ይኹን። ኣነ ድማ፡ ኣሜን ጐይታይኢለ መለስኩእግዚኣብሄር ከኣ፡ ነዚ ዂሉ ቓላት እዚ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባይት የሩሳሌምን ከምዚ ኢልካ ኣውጆበለኒንቓላት እዚ ኺዳን እዚ ስምዕዎ ግበርዎ ድማ። ካብታ ኻብ ሃገር ግብጺ ዘውጻእክዎም መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ነቦታትኩም ኣሰማዕኩሎምንድምጸይ ስምዑኢለ ኣንጊሄ ኣስማዕኩሎም። ንሳቶም ግና ነፍሲ ወከፎም ብትሪ እኩይ ልቦም ተመላለሱ እምበር፡ ኣይሰምዑንእዝኖም ኣይጸለውን። ስለዚ ኸኣ ነቲ ኺገብርዎ ዝኣዘዝክዎም፡ ንሳቶምውን ዘይገበርዎ ዅሉ ቓላት እዚ ኺዳን እዚ ኣብ ርእሶም ኣውረድክዎእግዚኣብሄር ድማ በለኒሰብ ይሁዳን እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ተማሓሒሎም ኣለው። ንሳቶም ናብቲ ኣበሳ ናይቶም ንቓለይ ምስማዕ ዝአበዩ ቐዳሞት ኣቦታቶም ተመልሱ። ምእንቲ ኼገልግልዎም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ሰዐቡቤት እሰራኤልን ቤት ይሁዳን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ ኣፍረሱ። ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ዘየምልጡሉ መዓት ከውርደሎም እየ፡ ናባይ ኪጠርዑ እዮም፡ ኣነ ግና ኣይክሰምዖምን እየ። ኣታ ይሁዳክንዲ እቲ ብዝሒ ኸተማታትካ ኽንድኡ ኸኣ እዩ ብዝሒ ኣማልኽትኻክንዲ እቲ መገድታት የሩሳሌም ክንድኡ ድማ ንነውሪ መስውኢታት ሰሪሕካንበዓል እትዐጥነሉ መሰውኢ እኳ ደኣ ሰሪሕካ ኢኻ እሞ፡ ከተማታት ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ናብቶም ዕጣን ዚዐጥኑሎም ኣምልኽቲ ኺጠርዑ ኢሎም ኪኸዱ እዮም፡ ግናከ ብጊዜ ጸበባኦምሲ ከቶ ኣይኬድሕንዎምን እዮም። ብሰሪ ጸበባኦም ናባይ እንተ ተማህለሉ፡ ኣይክሰምዖምን እየ እሞ፡ ንስኻስ ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትለምን፡ ምእንትኦም ከኣ ኣይትጥራዕን ኣይትማህለልንፈታውየይ ግብሪ እከይ እናገበረስ ኣብ ቤተይ እንታይ አለዎ፧ መብጽዓን እተቐደሰ ስጋንዶ እከይካ የርሕቐልካ እዩ፧ ብምንታይ ደኣ ትሕጐስ አሎኻ፧ እግዚኣብሄር ብጽቡቕ ፍረ እተሰለመት ልምዕቲ ኣውልዕ፡ ኢሉ ሰመየካ። እቲ ዝተኸለካ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብሰሪ እቲ ናይ ቤት እስራኤልን ናይ ቤት ይሁዳን ንበዓል እናዐጠኑ ዘቘጥዑኒ ንጒድኣቶም ዝገበርዎ እከይ፡ መዓት ኪወርደካ መደበ እሞ፡ ብብርቱዕ ህማም ታዕታዕ ድማ ብሓዊ ኣንደዳጨናፍራውን ሞዂ በለእግዚኣብሄር ኣፍለጠኒ እሞ፡ ፈለጥኩ፡ ሽዑ ተግባሮም ኣርኤኻኒ። ኣነ ግና ከም ናብ ማሕረዲ ዚወስድዎ ሓላል ገንሸል ነበርኩ። ንሳቶም፡ ስማ ኸይዝከር ነታ ኦም ምስ ፍሬኣ ነጥፍኣያ፡ ካብ ሃገር ህያዋን ድማ ንመንቊሳ፡ ኢሎም ውዲት ከም ዝደበቑለይ ኣይፈለጥኩን። ግናኸ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትቅኑዕ እትፈርድልብን ኰላሊትን ከኣ እትምርምርነገረይ ኣባኻ ኤማሕጽን አሎኹ እሞ፡ ምፍዳይ ሕኔኻ ኣባታቶም ኣርእየኒ። ስለዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም፡ ብኢድና ኸይትመውት ብስም እግዚኣብሄር ኣይትነበኢሎም ነፍስኻ ዚደልዩ ዘለዉ ሰብ ኣናቶት ይዛረብ አሎ። ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ክቐስፎም እየ፡ ኣባጽሖም ብሰይፊኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከኣ ብጥሜት ኪሞቱ እዮም። በታ ንኣታቶም ዝቐጽዓላ ዓመት ኣብ ሰብ ኣናቶት መዓት ከውርድ እየ እሞ፡ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይኪተርፍን እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 2:10 | 3 Helpful votes

ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዂሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ኪውሀቦ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11 | 3 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context