Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all5 bible verses about
ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝገበረ፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኪገብር እዩ።
Translation | Contextከምቲ ዮናስ ንሰብ ነነዌ ትእምርቲ ዝዀኖም፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ነዚ ወለዶ እዚ ኪዀኖ እዩ።
Translation | Contextንዮናስ ወዲ ኣሚታይ፣ ተንስእ እሞ ናብ ነነዌ፣ ናብታ ዓባይ ከተማ፣ ኪድ። እከዮም ናብ ቅድመይ ደዮቡ እዩ እሞ፣ ኣንጻሮም ኣውጅ፣ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ። ዮናስ ግና ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ናብ ተርሲስ ኪሀድም ኢሉ ተበገሰ፣ ናብ ያፋ ኸኣ ወረደ፣ ናብ ተርሲስ እትሐልፍ መርከብ ድማ ረኸበ። ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ርሒቑ፣ ምሳታቶም ናብ ተርሲስ ኪኸይድ ከኣ ዋጋ ኸፊሉ ናብ መርከብ ኣተወ። እግዚኣብሄር ድማ ናብቲ ባሕሪ ህቦብላ ንፋስ ሰደደ፣ እታ መርከብ ክትስበር ክሳዕ እትቐርብ፣ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኰነ። እቶም ባሕረኛታት ድማ ፈርሁ፣ ነፍሱ ወከፎምውን ነናብ ኣምላኹ ተማህለለ። ምእንቲ ኺፈዅሰሎም ከኣ፣ ነቲ ኣብታ መርከብ ዝነበረ ኣቓሑ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ። ዮናስ ግና ናብቲ ታሕታይ ክግሊ እታ መርከብ ወሪዱ ተገምሲሱ፡ ከቢድ ድቃስውን ደቂሱ ነበረ። እቲ ሓለቓ መርከብ ናብኡ ቐረበ እሞ፣ ኣታ ደቃሲ፣ እንታይ ትገብር አሎኹ፡ ተንስእ፣ ምናልባሽ እቲ ኣምላኽካ ከይንጠፍ እንተ ሐሰበናስ፣ ናብ ኣምላኽካ ተማህለል፣ በሎ። ንሓድሕዶም ድማ፡ እዚ መከራ እዚ ብሰሪ መን ከም ዚረኽበና ዘሎ ኽንፈልጥሲ፡ ንዑ ዕጭ ነውድቕ፡ ተባሃሀሉ። ዕጭ ኣውደቑ፡ እታ ዕጭውን ኣብ ዮናስ በጽሔት። ሽዑ ንሳቶም፣ ንገረና ዀታ፣ እዚ ረኺብና ዘሎ መከራስ ብሰሪ መን እዩ፡ ዕዮኻ እንታይ እዩ፡ ካበይከ መጻእካ፡ ኣየናይ እዩ ሃገርካ፡ ካብ ኣየናይ ህዝቢኸ ኢኻ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፣ ኣነ እብራዊ እየ፣ ነቲ ባሕርን ንቑጽን ዝገበረ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይን እፈርሆ እየ፣ በሎ። ሽዑ እቶም ሰባት ንሱ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ርሒቑ ኸም ዝሀደመ፡ ባዕሉ ስለ ዝነገሮም፡ ፈለጡ፡ ዓብዪ ፍርሃትውን ፈርሁ እሞ፡ ስለምንታይ ደኣ እዚ ገበርካ፡ ከኣ በልዎ። እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዔ ይኸይድ ነበረ እሞ፣ ንሳቶም፣ ባሕሪ ኺሀድኣልናስ እንታይ ንግበርካ፡ በልዎ። ንሱ ድማ፣ እዚ ብርቱዕ ማኦበል ብሰረይ ከምዝበጽሓኩም፣ እፈልጥ አሎኹ እሞ፣ ወሲድኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ፣ እቲ ባሕሪ ኸኣ ኪሀድኣልኩም እዩ፣ በሎም። እቶም ሰባት ናብ ምድሪ ኺምለሱ ብምቕዛፍ ይጋደሉ ነበሩ፣ ግናኸ እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዖም ስለ ዝኸደ ኣይኰነሎምን። ሽዑ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንልምነካ አሎና፣ ምእንቲ ነፍሲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣይተጥፍኣና። ንስኻ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ዝፈቶኻዮ ጌርካ ኢኻ እሞ፣ ንጹህ ደም ኣብ ልዕሌና ኣይተንብር፣ ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ። ንዮናስ ወሲዶም ድማ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፣ እቲ ባሕሪ ከኣ ካብ ምንዋጽ ሀድኤ። እቶም ሰባት ከኣ ንእግዚኣብሄር ኣዝዮም ፈርህዎ፡ መስዋእቲ ድማ ንእግዚእብሄር ሰውኡሉ፡ መብጽዓውን ተማባጽዑ።
Translation | Contextዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ዀይኑ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸለየ።
Translation | Contextኣነኸ ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ፣ ነማዮም ካብ ጸጋሞም ኪፈክዩ ዘይኽእሉ፣ ካብ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ዚበዝሑ ሰብን ብዙሓት እንስሳን ዘለውዋዶ ኣይርሕርሃላን እየ፧
Translation | Context