Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

joseph


ዘፍጥረት 39:2-5 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ ነበረ እሞ፡ ንሱ ዕዮኡ ዝቐንዓሉ ሰብኣይ ኰነ። ኣብ ቤት እቲ ግብጻዊ ጐይታኡ ድማ ነበረ። ጐይታኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ምስኡ ኸም ዘሎን ንሱ ዝገበሮ ዅሉ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ ኢዱ ኸም ዜቕንዓሉን ረአየዮሴፍ ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ ረኸበየገልግሎውን ነበረ። ኣዛዝ ቤቱ ገበሮ፡ ዘለዎ ዅሉ ኸኣ ኣብ ኢዱ ሀቦኰነ ኸኣ፡ ኣብ ቤቱን ኣብ ኵሉ ጥሪቱን ካብ ዝሾሞ ጊዜ ጀሚሩ፡ እግዚኣብሄር ምእንቲ ዮሴፍ ኢሉ ንቤት እቲ ግብጻዊ ባረኻኣብ ቤትን ኣብ መሮርን ኣብ ዝነበረ ዅሉ ጥሪቱ በረኸት እግዚኣብሄር ነበረ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 37:4 | 5 Helpful votes

እቶም ኣሕዋቱኣቦኦም ሓለፋ ዅላቶም ኣሕዋቱ ኸም ዝፈተዎ ርእዮምጸልእዎብሰላም ኪዛረብዎ ድማ ኣይከኣሉን

Translation | Context
ዘፍጥረት 45:1-28 | 3 Helpful votes

ሽዑ ዮሴፍ ኣብ ቅድሚ እቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ዅሎም ልቡ ኼህድእ ኣይከኣለን እሞ፡ ዓው ኢሉኵሎም ሰብ ካብ ቅድመይ ኣውጽኡለይ፡ በለ። እቲ ነሕዋቱ ኺላለዮም ከሎ፡ ምስ ዮሴፍ ገለ ሰብ እኳ ኣይነበረን። ቃሉ ዓው ኣቢሉ ድማ በኸየግብጻውያን ከኣ ሰምዑ፡ ቤት ፈርኦንውን ሰምዔዮሴፍ ድማ ነሕዋቱኣነ ዮሴፍ እየኣቦይከ ኽሳዕ ሕጂዶ ብህይወቱ አሎ፧ በሎም። ኣሕዋቱ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ሰምበዱ እሞ፡ ኪመልሱሉ ኣይከኣሉንዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱ፡ በጃኹም ናባይ ቅረቡበሎም። ቀረቡ ድማ። በለ ኸኣ፡ ኣነ ናብ ግብጺ ዝሸጥኩምኒ ዮሴፍ ሓውኩም እየ። ኣምላኽ እዩ ህይወት ንምድሓን ቀቅድሜኹም ዝለአኸኒ እሞ፡ ሕጂ ድማ ናብዚ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጕሀዩኣይትጨነቑ። ኣብዛ ምድሪ ጥሜት ካብ ዚኸውን ሕጂ ኽልተ ዓመት ኰይኑ፡ ዘይሕረሰንን ዘይዕጸደንን ድማ ገና ሓሙሽተ ዓመት ኣለዋ። ኣምላኽ ግና ኣብ ምድሪ ተረፍ ምእንቲ ኼትርፈኩምብዓብዪ ምድሓን ድማ ህይወትኩም ክትድሕንቀቅድሜኹም ለአኸኒ። ሕጂ ኸኣ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን ናብዚ ዝለኣኽኩምኒ። ንሱ ንፈርኦን ኣቦኡን ጐይታ ዅላ ቤቱን ገዛእ ኵላ ሃገር ግብጽን ገበረኒቀልጢፍኩም ናብ ኣቦይ ደይቡ እሞ በልዎዮሴፍ ወድኻ ከምዚ ይብልኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዅላ ግብጺ ጐይታ ገበረኒ፡ ናባይ ውረድኣይትደንጕ። ንስኻን ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ኣባጊዕካን ኣሓኻን ዘሎካ ዅሉን ኣብ ቀረባይ ክትከውንኣብ ምድሪ ጎሼን ክትቅመጥ ኢኻ። ገና ሓሙሽተ ዓመት ጥሜት ተሪፉ አሎ እሞ፡ ንስኻን ቤትካን ኵሉ ዘሎካን ምእንቲ ኸይትሽገሩ፡ ኣብኡ ኽሐልየልካ እየ። ኣፈይ ትዛረበኩም ከም ዘላ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣዒንትኹምን ዓይኒ ሓወይ ብንያምን ይርእያ ኣለዋ። እቲ ዅሉ ኽብረተይ ኣብ ግብጽን እቲ ዝርኤኽምዎ ዅሉን ነቦይ ንገርዎ። ነቦይ ከኣ ቀልጢፍኩም ናብዚ ኣውርድዎ። ኣብ ክሳድ ሓዉ ብንያም ወዲቑ ኸኣ በኸየ፡ ብንያም ድማ ኣብ ክሳዱ በኸየ። ንዅሎም ኣሕዋቱ ኸኣ እናበኸየ ሰዐሞምድሕርዚ ድማ ኣሕዋቱ ምስኡ ተዛረቡ። ኣብ ቤት ፈርኦን ከኣ፡ ኣሕዋት ዮሴፍ መጺኦምዚብል ወረ ተሰምዔእዚውን ንፈርኦንን ንገላውኡን ባህ ኣበሎም። ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ በሎነሐዋትካከምዚ ግበሩበሎምእንስሳኹም ጽዒንኩም ኪዱናብ ምድሪ ኸነኣን ከኣ እተዉኣቦኹምን ስድራቤትኩምን ሒዝኩም ድማ ናባይ ምጹካብ ምድሪ ግብጺ ኸኣ እቲ ዝበለጸ ኽህበኩም እየ፡ ስብሒ እዛ ምድሪውን ክትበልዑ ኢኹም። እዚ ኽትገብሩ እእዝዘካ አሎኹንሕጻናትኩምን ነንስትኹምን ሰረገላታት ካብ ምድሪ ግብጺ ውሰዱ እሞ፡ ነቦኹም ድማ ሒዝኩምዎ ምጹ። እቲ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዘሎ ዘዝበለጸ ዅሉ ንኣኻትኩም እዩ እሞ፡ ኣቓሑኹም ርኢኹም ኣይትጕሀዩደቂ እስራኤል ከኣ ከምኡ ገበሩዮሴፍ ድማ ከምቲ ትእዛዝ ፈርኦን ሰረገላታት ሀቦምንመገዲ ኸኣ ስንቂ ሀቦም። ንነፍሲ ወከፎም ኵሎም ድማ ዚለዋወጥ ክዳውንቲ ሀቦምንብንያም ግና ሰለስተ ሚእቲ ሲቃል ብሩርን ሓሙሽተ ዚለዋወጥ ክዳውንትን ሀቦ። ነቦኡ ድማ ካብ ናይ ዘዝጸበቐ ነገር ግብጺ ጽዕነት ዓሰርተ ኣድጊ፡ ነቦኡ ንመገዲ ዚኾኖ ኸኣ እኽልን እንጌራን ካልእ ብልዕን ጽዕነት ዓሰርተ ኣንስተይቲ ኣድጊ ኸምዚ ገይሩ ሰደደሉነሕዋቱ ድማ፡ ኣብ መገዲ ኣይትበአሱ፡ ኢሉ ሰደዶምከዱ ኸኣ። ካብ ግብጺ ደይቦም ከኣ ናብ ኣቦኦም ያእቆብ ናብ ምድሪ ኸነኣን መጹዮሴፍ ገና ብህይወቱ አሎንዅላ ሃገር ግብጺ ዚገዝእ ዘሎውን ንሱ እዩ፡ ኢሎም ድማ ነገርዎ። ንሱ ግና ኣይአመኖምን እሞ፡ ልቡ ደንጸወእቲ ዮሴፍ ዝበሎም ኵሉ ዘረባ ድማ ነገርዎ፡ እቲ ኺመጸሉ ኢሉ ዮሴፍ ዝሰደዶ ሰረገላታት ምስ ረአየ ኸኣ፡ መንፈስ ኣቦኦም ያእቆብ ተሐደሰእስራኤል ድማ፥ ወደይ ዮሴፍስ ገና ብህይወቱ አሎደጊም ይአኽለኒከይሞትኩ ደኣ ኸይደ ኽርእዮበለ

Translation | Context
ዘፍጥረት 39:7-12 | 3 Helpful votes

ድሕርዚ ነገርዚ ኸኣ ዀነ፡ ንዮሴፍ ሰበይቲ ጐይታኡ ዓይና ኣውደቐትሉ እሞ፡ ምሳይ ደቅስበለቶ። ንሱ ድማ እናአበየንሰበይቲ ጐይታኡ፡ እንሆ፡ ጐይታይ ኣብ ቤቱ ምሳይ እንታይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን እዩ፡ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ እዩ፡ ኣብዛ ቤት እዚኣ ኻባይ ዚስልጥን የልቦን፡ ሰበይቱ ኢኺ እሞ፡ ብጀካኽስ ገለኳ ኣይከልኣንን። ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧ በላ። ኰነ ድማመዓልቲ ንመዓልቲ ንዮሴፍ እናተዛረበቶ ኽንሳ፡ ንሱ ምስኣ ኺድቅስ ወይስ ምስኣ ኽነብር ኣይሰምዓንኰነ ኸኣ፡ ሓንቲ መዓልቲ ዕዮኡ ኺገብር ናብ ቤት አተወ፡ ኣብኣ ኣብታ ቤት ድማ ካብ ሰብ ቤት ገለ ሰብ ኣይነበረንብኽዳኑ ቀጥ ኣቢላ ሒዛ ድማ፡ ምሳይ ደቅስበለቶ። ንሱ ግና ክዳኑ ኣብ ኢዳ ሐደገላሀዲሙ ኸኣ ንግዳም ወጸ

Translation | Context
ማርቆስ 15:42-47 | 2 Helpful votes

ምስ መሰየ፡ መዓልቲ ምድላው፡ ማለት ድሮ ሰንበት፡ ስለ ዝነበረትዮሴፍ፡ ብዓል ኣርማትያስ፡ ሕፉር መኻሪ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽውን ዚጽበያ ዝነበረ፡ መጸ። ደፊሩ ናብ ጲላጦስ አትዩ ኸኣ፡ ስጋ የሱስ ለመኖጲላጦስ ድማ ቀልጢፉ ብሙማቱ ገረሞ። ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ጸዊዑድሮዶ ሞይቱ፧ ኢሉ ሐተቶካብቲ ሓለቓ ሚእቲ ምስ ተረድኤስጋኡ ንዮሴፍ ሃቦ። ንሱ ድማ፡ ኣውሪዱ በፍታ ዓዲጉ፡ በቲ በፍታ ገነዞ። ኣብ ከውሒ ኣብ እተወቕረ መቓብርውን ኣንበሮ። ነቲ ኣፍ መቓብር ከኣ ብእምኒ ዓጸዎማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ዮሳን ድማ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ይርእያ ነበራ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 7:9 | 2 Helpful votes

እቶም ርእሲ ኣቦታት ድማ ንዮሴፍ ቀኒኦምሉ ናብ ግብጺ ሸጥዎኣምላኽ ግና ምስኡ ነበረ።

Translation | Context
እያሱ 24:32 | 2 Helpful votes

እቲ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ እተማልእዎ ዓጽሚ ዮሴፍ ድማ ኣብታ ያእቆብ ካብ ደቂ ሓሞር ኣቦ ሴኬም ብሚእቲ ቀሲጣ ዝዐደጋ ግራት፡ ኣብ ሴኬም ቀበርዎንደቂ ዮሴፍ ድማ ርስቲ ዀነቶም።

Translation | Context
ዘፍጥረት 47:1-12 | 2 Helpful votes

ዮሴፍ ድማ አትዩ ንፈርኦንኣቦይን ኣሕዋተይን ምስ ኣባጊዖምን ኣሓኦምን ኲሉ ዘለዎምን ካብ ምድሪ ከንኣን ወጺኦም፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ጎሼን አለዉ፡ ኢሉ ነገሮካብቶም ኣሕዋቱ ድማ ሓሙሽተ ሰብኣይ ወሲዱኣብ ቅድሚ ፈርኦን ኣብጽሖምፈርኦን ከኣ ነሕዋቱተግባርኩም እንታይ እዩበሎምንፈርኦን ድማ፤ ገላዉኻ፡ ንሕናን ኣቦታትናን ጓሶት ኣባጊዕ ኢና፡ በልዎንፈርኦን ከኣ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ጥሜት ኣዝዩ በርቲዑ እዩ እሞ፡ ኣባጊዕ ገላዉኻ ዝጓሰያሉ ድማ የልቦን እሞ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብስደት መጺእና አሎና፡ ሕጂ ኸኣ ገላዉኻ ኣብ ምድሪ ጎሼን ኪቕመጡ ንልምነካ አሎና፡ በልዎፈርኦን ድማ ንዮሴፍኣቦኻን ኣሕዋትካን መጺኦምኻምድሪ ግብጺ ኣብ ቅድሜኻ እያነቦኻን ኣሕዋትካን ከኣ ኣብዛ ምድሪ ኣብ ዝበለጸ ኣቐምጦምኣብ ምድሪ ጎሼን ይቀመጡ። ካባታቶም ከኣልቲ ሰባት እትፈልጦም እንተሎካኣብ ማለይ ዋናታት ግበሮም፡ ኢሉ ተዛረቦ። ዮሴፍ ከኣ ነቡኡ ያእቆብ ኣምጺኡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ደው ኣበሎያእቆብ ድማ ንፈርኦን መረቖፈርኦን ከኣ ንያእቆብ፤ ዘበን ህይወትካ ኽንደይ ዓመታት እዩ፧ በሎያእቆብ ድማ ንፈርኦንዓመታት ዘበን ስደተይ ሚእትን ሰላሳን ዓመት እየን። ዓመታት ዘበን ህይወተይ ሒደትን ክፉኣትን እየን። ክንዲ እቲ ዓመታት ዘበን ህይወት ኣቦታተይ ብዘበን ስደቶም ኣይኣኽላን፡ በሎያእቆብ ድማ ንፈርኦን መሪቑ ኻብ ቅድሚ ፈርኦን ወጸዮሴፍ ከኣ ነቦኡን ነሕዋቱን ኣስፈሮም፡ ከምቲ ፈርኦን ዝኣዘዞ ኣብ ሃገር ግብጺ ኣብታ ዝበለጸት ምድሪኣብ ምድሪ ራዕምሴስ ርስቲ ሀቦምዮሴፍ ድማ ነቦኡን ነሕዋቱን ንዂሉ ቤት ኣቦኡን ሐለየከከም ብዝሒ ቔልዑኦም እናገበረ ይምግቦም ነበረ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 41:51 | 2 Helpful votes

ዮሴፍ ድማ፡ ኣምላኽ ኵሉ መከራይን ኵሉ ቤት ኣቦይን ኣረሲዑኒ እዩ እሞ፡ ኢሉ ስም እቲ በዅሪ ምናሴ ኣውጽኣሉ

Translation | Context
ዘፍጥረት 39:21 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ግና ምስ ዮሴፍ ነበረ፡ ምሕረት ድማ ገበረሉኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ሞገስ ሀቦ

Translation | Context
ዘፍጥረት 41:39 | 2 Helpful votes

ፈርኦን ድማ ንዮሴፍኣምላኽ እዚ ዅሉ ንኣኻ ኻብ ኣፍለጠካ፡ ከማኻ ዝበለ ኣስተውዓልን ፈላጥን የልቦን።

Translation | Context