Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

1 bible verses about

josephs dreams


ዘፍጥረት 37:1-11 | 26 Helpful votes

ያእቆብ ድማ ኣብታ ኣቦኡ ተሰዲድዋ ዝነበረ ምድሪ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ተቐመጠወለዶ ያእቆብ እዚ እዩ። ዮሴፍወዲ ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ምስ ኰነ፡ ምስ ኣሕዋቱ ጤለበጊዕ ይጓሲ ነበረ። ንሱ ብንእስነቱ ኾሎ ኸኣ ምስ ደቂ ቢልሃን ምስ ደቂ ዚልጳን ኣንስቲ ኣቦኡ ነበረ። ዮሴፍ ድማ እቲ ኽፉእ ወሬኦም ነቦኦም የምጽኣሉ ነበረ። እስራኤል ንዮሴፍወዲ እርግናኡ ነበረ እሞ፡ ሓለፋ ዅሎም ደቁ ይፈትዎ ነበረ። ወለል ዚብል ቀምሽ ከኣ ገበረሉ። እቶም ኣሕዋቱኣቦኦም ሓለፋ ዅላቶም ኣሕዋቱ ኸም ዝፈተዎ ርእዮምጸልእዎብሰላም ኪዛረብዎ ድማ ኣይከኣሉንዮሴፍ ከኣ ሕልሚ ሐለመ ነሕዋቱ ድማ ነገሮም። መሊሶም ከኣ ኣዝዮም ጸልእዎ። ንሱ ድማ፡ ዝሐለምክዎ ሕልሚ እማ ስምዑእንሆ፡ ንሕና ኣብ ማእከል ግራት እንዳእቲ ንኣስር ነበርና። እንሆ ኸኣ፡ እንዳእተይ ተንሲኣ ትኽ በለት። እንሆ ድማ፡ እንዳእትኹም ንእንዳእተይ ከቢበን ሰገዳላ፡ በሎም። ሽዑ ኣሕዋቱ፡ እሞ ብሓቂዶ ኣብ ልዕሌና ኽትነግስ፡ ብሓቂዶኸ ኽትገዝኣና ኢኻ፧ በልዎ። መሊሶም ከኣ ብዛዕባ ሕልምታቱን ዘረባኡን ኣዝዮም ጸልእዎካልእ ሕልሚ ድማ ሐለመ፡ ነሕዋቱ ኸኣ ነገሮም፡ እንሆ፡ ካልእ ሕልሚ ሐለምኩእንሆ ድማ፡ ጸሓይን ወርሕን ዓሰርተው ሓደ ከዋኽብትን ሰገዱለይበለነቦኡን ነሕዋቱን ድማ ነገሮምኣቦኡ ኸኣ ገንሖ፡ እዚ ዝሐለምካዮ እንታይ ሕልሙ እዩ፧ ብሓቂዶ ኣነን ኣዴኻን ኣሕዋትካን መጺእና ኣብ ምድሪ ኽንሰግደልካ ኢና፧ በሎኣሕዋቱ ኸኣ ቀንኡሉኣቦኡ ግና ነዚ ነገርዚ ኣብ ልቡ ዐቝርዎ ነበረ።

Translation | Context