Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all4 bible verses about
ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ሞት ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ንእያሱ ወዲ ነዌ ኣገልጋሊ ሙሴ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ሙሴ ባርያይ ሞተ፡ ሕጂ ድማ ተንስእ፡ ንስኻን ብዘሎ እዚ ህዝቢ እዝን ናብታ ኣነ ንኣታቶም፡ ንደቂ እስራኤል፡ ዝህቦም ምድሪ ነዚ ዮርዳኖስ ተሳገሮ። ከምቲ ንሙሴ እተዛረብክዎ፡ ከብዲ እግርኹም ዝረገጸታ ዘበለት ቦታ ንኣኻትኩም ሂበኩም አሎኹ። ዶብኩም ካብ በረኻን ካብዚ ሊባኖስን ክሳዕ እቲ ዓብዪ ርባ፡ ርባ ኤፍራጥስ፡ ብዘላ ምድሪ ሔታውያንን ክሳዕ እቲ ኣብ ምዕራብ ጸሓይ ዘሎ ዓብዪ ባሕርን ኪኸውን እዩ። ምሉእ ዕድሜኻ ዚቃወመካ ሰብ የልቦን። ምስ ሙሴ ኸም ዝነበርኩ፡ ምሳኻ ድማ ክኸውን እየ። ኣይሐድገካን ኣይጥንጥነካንውን። እታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሐልኩሎም ምድሪ፡ ንስኻ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸተረስትዮም ኢኻ እሞ፡ ጽናዕ፡ ትባዕ። ከምቲ ሙሴ ባርያይ ዝኣዘዘካ ዅሉ ሕጊ ንምግባሩ ኽትሕልዎ ጥራይ ደኣ፡ ጽናዕን ኣዚኻ ትባዕን። ናብ እትኸዶ ዅሉ ምእንቲ ኪቐንዓካስ፡ ካብኡ ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣይተግልስ። ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ፡ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይተፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ። ጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ። ሽዑ እያሱ ነቶም መኳንንቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ ብማእከል ሰፈር ሕለፉ፡ ነቲ ህዝቢ ድማ፡ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ምእንቲ ክትወርስዋ ንርስቲ ዚህበኩም ምድሪ ኽትአትውዋስ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ኽትሳገሩ ኢኹም እሞ፡ ስንቅኹም ኣዳልዉ፡ ኢልኩም ኣዝዙ። እያሱ ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ዝአዘዘኩም ቃል ዘክሩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኬዕርፈኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ኪህበኩም እዩ። ኣንስትኹምን ሕጻናትኩምን ከብትኹምን ኣብታ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝሀበኩም ምድሪ ይንበሩ። ንስኻትኩም ግና እግዚኣብሄር ከምቲ ንኣኻትኩም፡ ነሕዋትኩም ድማ ክሳዕ ዘዕርፎም፡ ንሳቶም ከኣ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዚህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዚወርሱ፡ ሓያላት ጀጋኑ ዘበልኩም ኵላትኩም ኣጽዋር ሒዝኩም፡ ነሕዋትኩም ክትድግፉ ቐቅድሚኦም ሕለፉ። ድሕርቲ ናብታ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ዝሀበኩም ምድሪ ርስትኹም፡ ክትወርስዋ ኽትምለሱ ኢኹም። ንእያሱ ድማ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፡ ዝአዘዝካና ዅሉ ንገብር፡ ናብ ዝለአኽካና ዘበለውን ንኸይድ። ከምቲ ንሙሴ ብዅሉ እተኣዘዝናዮ፡ ንኣኻ ኸኣ ክንእዘዘካ ኢና። ሓንትስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደኣ ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበረ፡ ምሳኻ ድማ ይኹን። ዝዀነ ሰብ ንቓልካ ዚአብን ንዅሉ እትእዝዘና ዘረባኻ ዘይሰምዕን ይሙት። ሓንትስ ጽናዕ፡ ትባዕ ደኣ።
Translation | Contextብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ሺሎ ተአከበ፡ ነቲ ድንኳን ምርኻብ ከኣ ኣብኣ ተኸልዎ። እታ ሃገር ድማ ተገዝኣትሎም። ካብ ደቂ እስራኤል ሾብዓተ ነገድ ርስቶም ዘይተመቕሉ ተሪፎም ነበሩ። እያሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ነዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝሀበኩም ምድሪ ኼድኩም፡ ንምውራሳ ኽሳዕ መኣዝ ኢኹም ሸለል እትብሉ፡ ከካብ ነገድኩም ሰለስተ ሰብኣይ ሕረዩ፡ ኣነ ኸኣ ክልእኮም እየ፡ ተንሲኦም ድማ ነታ ሃገር ከይዶም ከከም ርስቶም ጽሒፎም፡ ናባይ ይምጽኡ። ኣብ ሾብዓተ ኽፍሊ ከኣ ይምቀልዋ፡ ይሁዳ ኣብ ዶቡ ብወገን ደቡብ ይቀመጥ። ቤት ዮሴፍውን ኣብ ዶቦም ብወገን ሰሜን ይቀመጡ። ነታ ምድሪ ኸኣ ንስኻትኩም ኣብ ሾብዓተ ኽፍሊ ጽሒፍኩም፡ ናብዚ ናባይ ኣምጽኡለይ፡ ኣነ ድማ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዕጭ ከውድቐልኩም። እቶም ሌዋውያን ግና፡ ርስቶም ክህነት እግዚኣብሄር እዩ እሞ ኣብ ማእከልኩም ግደ የብሎምን። ጋድን ሮቤልን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ድማ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝሀቦም ርስቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ወሲዶም አለዉ። እቶም ሰባት ድማ ተንሲኦም ከዱ፡ እያሱ ኸኣ ነቶም ነታ ምድሪ ኺጽሕፍዋ ዝኸዱ፡ ኬድኩም ነታ ምድሪ እናዞርኩም ጽሐፍዋ፡ ናባይ ድማ ተመለሱ፡ ኣነ ኸኣ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሺሎ ዕጭ ከውድቐልኩም እየ፡ ኢሉ ኣዘዞም። እቶም ሰባት ከኣ ኸይዶም በታ ሃገር ሐሊፉ፡ ከምተን ከተማታት ድማ ኣብ ሾብዓተ ኽፍሊ መቒሎም፡ ኣብ መጽሓፍ ጸሐፍዋ፡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ሺሎ ኸኣ ናብ እያሱ መጹ። እያሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሺሎ ዕጭ ኣውደቐትሎም እሞ ኣብኡ እያሱ ነታ ሃገር ንደቂ እስራኤል ከከም ክፍልታቶም ገይሩ መቐሎም። ንነገድ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ዕጭ ወጸሎም። ዶብ ዕጮም ከኣ ኣብ መንጎ ደቂ ይሁዳን ደቂ ዮሴፍን ወጸሎም። እቲ ዶቦም ብወገን ሰሜን ድማ ካብ ዮርዳኖስ እዩ፡ እቲ ዶብ ከኣ ብሰሜናይ ጸግዒ ያሪኮ ደየበ፡ ነቲ ኸረን ድማ ብምዕራቡ ደዪቡ ናብ በረኻ ቤት-ኣዌን ይወጽእ። ካብኡ ኸኣ እቲ ዶብ ናብ ሉዝ፡ ናብቲ ደቡብ ጸግዒ ሉዝ፡ ንሳ ኸኣ ቤት-ኤል፡ ይሐልፍ። እቲ ዶብ ድማ በቲ ኣብ ደቡብ ታሕተይቲ ቤት-ሖሮን ዘሎ ኸረን ኣቢሉ ናብ ዓጣሮት-ኣዳር ይወርድ። እቲ ዶብ ድማ ቀጺሉ ኻብቲ ኣብ መንጽር ቤት-ሖሮን ብደቡቡ ዘሎ ኸረን ብወገን ምዕራብ ኣቢሉ ንደቡብ ይዘውር። ናብ ቂርያት-በዓል፡ ንሳ ኸኣ ቂርያት-የዓሪም፡ ናብ ከተማ ደቂ ይሁዳ ይወጽእ። እዚ ወገን ምዕራቡ እዩ። ወገን ደቡብ ድማ ካብ ወሰን ቂርያት-የዓሪም እዩ፡ እቲ ዶብ ከኣ ንምዕራብ ኣቢሉ ይወጽእ፡ ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶኣ ድማ ይወጽእ። እቲ ዶብ ከኣ ናብ ወሰን እቲ ኣብ መንጽር ለሰ ወዲ ሂኖም ዘሎ ኸረን ይወርድ፡ ንሱ ኸኣ ንለሰ ረፋይም ኣብ ሰሜኑ እዩ። ድማ ናብ ለሰ ሂኖም ናብ ጸግዒ ደቡብ ይቡሳውያን ይወርድ፡ ናብ ዔን-ሮጌል ከኣ ይወርድ። ወሲኹ ድማ ንሰሜን ኣቢሉ ናብ ዔን-ሸመሽ ይወጽእ፡ ናብቲ ኣብ መንጽር ዓቐበት ኣዱሚም ዘሎ ገሊሎት ወጺኡ ኸኣ፡ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይወርድ። ድማ ነቲ ኣብ መንጽር ጸግዒ ሰሜን ዓራባ ዘሎ ሐሊፉ፡ ናብ ዓራባ ይወርድ። እቲ ዶብ ከኣ ብጸግዒ ሰሜን ቤት-ሖግላ ይሐልፍ፡ ካብኣ እቲ ዶብ ናብ ናይ ሰሜን ልሳን ባሕሪ ጨው ኣብ ደቡብ ወሰን ዮርዳኖስ ይወጽእ። ናይ ደቡብ ዶቡ እዚ እዩ። ብወገን ምብራቕ ከኣ ዶቡ ዮርዳኖስ እዩ። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ምስ ዶቡ ብዙርያኡ እዚ እዩ። ከተማታት ነገድ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ድማ እዚኣተን እየን፡ ያሪኮን ቤት-ሖግላን ኤሜቅ - ቀጺጽን፡ ቤት-ዓራባን ጸማራዪምን ቤት-ኤልን፡ ዓዊምን ጳራን ዖፍራን፡ ኬፋር-ዓሞናይን ዖፍኒን ገባዕን፡ ዓሰርተው ክልተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። ጊብዖንን ራማን ብኤሮትን፡ ሚጽጴን ኬፊራን ሞጻን፡ ሬቀምን ዪርጰኤልን ታርኣላን፡ ጼላን ኤሌፍን ይቡሲን፡ ንሳ ኸኣ የሩሳሌም እያ፡ ጊብዓትን ቂርያትን፡ ዓሰርተው ኣርባዕተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ።
Translation | Contextእያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ ዮፋነን፡ ካብቶም ሰለይቲ እታ ሃገር ዝነበሩ፡ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢሎም ተዛረቡ፡ እታ ኽንስልያ ዝሐለፍናያ ምድሪ ኣዝያ፡ ኣዝያ ጽብቕቲ ምድሪ እያ። እግዚኣብሄር እንተ ፈትዩናስ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ ናብታ ምድሪ እቲኣ ኼእትወና፡ ንሳውን ኪህበና እዩ። ኣብ እግዚኣብሄር ግዳ ኣይትዐምጹ፡ ንሳቶም እንጌራና እዮም እሞ፡ ንስኻትኩም ንህዝቢ እታ ምድሪ ኣይትፍርህዎም። እቲ ዜጽልሎም ካባታቶም ኣግሊሱ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምሳና እዩ፡ ኣይትፍርህዎም። ብዘሎ እቲ ኣኼባ ግና ብዳርባ እምኒ ኪቐትሎም ተዛራረበ። ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ድንኳን ምርዃብ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ተራእየ።
Translation | Contextንጽብሒቱ ኸኣ እያሱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ንሱን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ካብ ሽጢም ነቐሉ፡ ናብ ዮርዳኖስ ድማ መጹ፡ ገና ኸይተሳገሩ ኸኣ ኣብኡ ሐደሩ። ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እቶም መኳንንቲ ብማእከል ሰፈር ሐለፉ፡ ነቶም ህዝቢ ድማ ከምዚ ኢሎም ኣዘዝዎም፡ እዛ መገዲ እዚኣ ቕድሚ እዚ ኣይሐለፍኩምዋን ኢኹም እሞ፡ እታ እትኸድዋ መገዲ ምእንቲ ኽትፈልጥዋ፡ እቶም ካህናት ሌዋውያን ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ጾይሮምዎ ምስ ርኤኹም፡ ንስኻትኩም ድማ ካብ ሰፈርኩም ነቒልኩም ስዐብዎ፡ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎኡን ግና ክልተ ሽሕ እመት ስፍሪ ዚኣክል ዝምርሓቑ ይኹን እምበር፡ ኣይትቕረብዎ። እያሱ ነቶም ህዝቢ፡ እግዚኣብሄር ጽባሕ ኣብ ማእከልኩም ዜገርም ነገር ኪገብር እዩ እሞ፡ ተቐደሱ፡ በሎም። እያሱ ኸኣ ነቶም ካህናት፡ ታቦት ኪዳን ተሰኪምኩም ቀቅድሚ ህዝቢ ሕለፉ፡ ኢሉ ተዛረቦም። ሽዑ ታቦት ኪዳን ተሰኪሞም ቀቅድሚ ህዝቢ ኸዱ። እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ በሎ፡ ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበርኩ ምሳኻውን ከም ዘሎኹ ምእንቲ ኺፈልጡስ፡ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ከዕብየካ ኽጅምር እየ። ነቶም ታቦት ኪዳን ዚጾሩ ኻህናት ከኣ ንስኻ፡ ናብቲ ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ መጻእኩም ኣብ ዮርዳኖስ ደው በሉ፡ ኢልካ ኣዝዞም። እያሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል፡ ናብዚ ቕረቡ እሞ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስምዑ፡ በሎም። እያሱ ድማ በለ፡ ህያው ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ፡ ንሱ ኸኣ ንኸነኣናውያንን ንሔታውያንን ንሃዋውያንን ንፈሬዛውያንን ንጌርጌሳውያንን ንኣሞራውያንን ንይቡሳውያንን ካብ ቅድሜኹም ፈጺሙ ኸም ዚሰጎም በዚ ኽትፈልጡ ኢኹም፡ እንሆ፡ እቲ ናይ ጐይታ ዅላ ምድሪ ታቦት ኪዳን ቀቅድሜኹም ናብ ዮርዳኖስ ይሐልፍ። ሕጂ ድማ ካብ ነገዳት እስራኤል ዓሰርተው ክልተ ሰብኣይ፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ፡ ንኣኻትኩም ውሰዱ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እቶም ታቦት እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ዅላ ምድሪ፡ ዚጾሩ ኻህናት ከብዲ ኣእጋሮም ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ደው ምስ በላ፡ ሽዑ እቲ ማይ ዮርዳኖስ፡ እቲ ኻብ ላዕሊ ዚወርድ ማይ የቋርጽ፡ ሓደ ኺምራ ዀይኑ ደው ይብል። ኰነ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ንዮርዳኖስ ኪሳገሩ ኻብ ድንኳውንቶም ምስ ወጹ፡ እቶም ካህናት ቀቅድሚ ህዝቢ ታቦት ኪዳን ይጾሩ ነበሩ፡ እቶም ታቦት ዝጾሩ ናብ ዮርዳኖስ ምስ በጽሑ፡ ኣእጋር እቶም ታቦት ኪዳን ዝጾሩ ካህናት ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ ጠምዓ - ብዅሉ እቲ ጊዜ ዓጺድ ዮርዳኖስ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ነበረ - እቲ ኻብ ላዕሊ ዚወርድ ዝነበረ ማይ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ደው በለ እሞ ኣብታ ኣብ ጥቓ ጻርታ ዘላ፡ ኣዳም እትብሀል ከተማ ሓደ ዅምራ ዀይኑ ቘመ። እቲ ናብ ባሕሪ ጐልጓል፡ ናብ ባሕሪ ጨው ኣቢሉ ዚወርድ ማይ ከኣ ፈጺሙ ኣቋረጸ። እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ መንጽር ያሪኮ ተሳገረ። እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዚጾሩ ኻህናት ከኣ ኣብቲ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ኣብቲ ንቑጽ ቀጥ ኢሎም ደው ኢሎም ነበሩ። ብዘሎ እቲ ህዝቢ ፈጺሙ ንዮርዳኖስ ክሳዕ ዚሳገሮ፡ ኵሉ እስራኤል በቲ ንቑጽ ሓለፈ።
Translation | Context