Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all3 bible verses about
እቶም ኣብ ቅድሚት ብሸነኽ ምብራቕ ዚሰፍሩ፡ ከም ሰራዊቶም ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ይሁዳ ይኹን። ሹም ደቂ ይሁዳ ድማ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ እዩ።
Translation | Contextኣታ ይሁዳ፡ ኣሕዋትካ ኼመስግኑኻ እዮም፡ ኢድካ ኣብ ክሳድ ጸላእትኻ ኽትከውን እያ፡ ደቂ ኣቦኻ ኺሰግዱልካ እዮም። ይሁዳ ሽደን ኣንበሳ እዩ። ወደይ፡ ካብ ምርኮ ደየብካ። ከም ኣንበሳ ተዀርምዩ ደቀሰ፡ ከም ኣንስተይቲ ኣንበሳ እኳ ደኣ፡ መን የተንስኦ፧ ሺሎ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ካብ ይሁዳ በትሪ፡ ዘንጊ ገዛኢ ኸኣ ካብ ማእከል ኣእጋሩ ኣይዝምብልን። ህዝብታት ይእዘዝዎ። ንገልገሉ ኣብ ጉንዲ ወይኒ፡ ንዒሉ እታ ኣድጉ ኸኣ ኣብ ብሉጽ ጨንፈር ወይኒ ይኣስር። ክዳውንቱ ብወይኒ፡ ነጸላኡ ድማ ብደም ዘቢብ ይሕጸብ። ኣዒንቱ ብወይኒ ኪቔሓ፡ ኣስናኑ ኸኣ ብጸባ ኺጽዕድዋ እየን።
Translation | Contextእንሆ፡ ንዳዊት ጻድቕ ጨንፈር ዘተንስኣለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ። ንሱ ነጊሱ ኺገዝእ፡ ኪቐንዖ ድማ እዩ፡ ኣብታ ሃገር ከኣ ፍርድን ጽድቅን ኬውጽእ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ብዘመኑ ይሁዳ ኺድሕን፡ እስራኤል ድማ ኣስተርሕዩ ኺነብር እዩ። ዚስመየሉ ስም ከኣ፡ እግዚኣብሄር ጻድቅና እዩ፡ ኪኸውን እዩ።
Translation | Context