Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካ፡ ንምይታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ፧ ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ትብሎ፡ እንሆ፡ ጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ። ኣታ ግብዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ። ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ።
Translation | Contextቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፡ ላዕለ ላዕሊ ርኢኹም ኣይትፍረዱ፡ ኢሉ መለሰሎም።
Translation | Contextኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ኺሕደገልኩም እዩ።
Translation | Contextብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።
Translation | Contextኣቱም ኣሕዋተየ፡ ንሓድሕድኩም ኣይተተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዚሐሚ ወይስ ኣብ ሓዉ ዚፈርድ ነቲ ሕጊ ይሐምዮ፡ ኣብ ሕጊውን ይፈርድ። ኣብ ሕጊ ኻብ እትፈርድ ግና፡ ፈራዲ እምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን። እቲ ኼድሕንን ኬጥፍእን ዚኽእል ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ ንሱ እዩ። ኣብ ብጻይካ እትፈርድከ ንስኻ እንታዋይ ኢኻ፧
Translation | Contextኣታ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እትፈርድ ባዕልኻውን እትገብሮ ሰብ፡ ካብቲ ፍርዲ ኣምላኽ እትመልቚዶ ይመስለካ አሎ፧
Translation | Contextግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም፡ እምዕደኩም አሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ።
Translation | Contextጽልኢ ዚሐብእ ሓሰውቲ ኸናፍር አለዋኦ፡ ሕሜት ዚዝርግሕ ከኣ ዓሻ እዩ።
Translation | Contextስለዚ፡ ኣታ እትፈርድ ሰብ፡ ዝዀንካ እንተ ዀንካ፡ ነቲ እትፈርዶስ ትገብሮ ስለ ዘሎኻ፡ በቲ ንኻልእ እትፈርዶ ንርእስኻ ትዂንን አሎኻ እሞ፡ ምኽንያት የብልካን። ንሕናስ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እቲ ፍርዲ ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ኣታ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እትፈርድ ባዕልኻውን እትገብሮ ሰብ፡ ካብቲ ፍርዲ ኣምላኽ እትመልቚዶ ይመስለካ አሎ፧
Translation | Contextስለምንታይከ ባዕላትኩም ሓቂ ዘይትፈርዱ፧
Translation | Context