Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካ፡ ንምይታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ፧ ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ትብሎ፡ እንሆ፡ ጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ። ኣታ ግብዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ። ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ። እቲ ቅዱስ ነኽላባት ኣይትሀቡ። ዕንቍኹምውን ኣብ ቅድሚ መፋልስ ኣይትደርብዩ፡ በእጋሮም ከይረግጽዋ እሞ፡ ተመሊሶም ከይትርትሩኹም።
Translation | Contextንስኻኸ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕ። ግናኸ እግዚኣብሄር ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ እሞ፡ ደው ኪብል እዩ።
Translation | Contextብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።
Translation | Contextብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።
Translation | Contextቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፡ ላዕለ ላዕሊ ርኢኹም ኣይትፍረዱ፡ ኢሉ መለሰሎም።
Translation | Contextደጋጊሞም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ቅንዕ ኢሉ፡ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዜብሉ፡ ንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላ፡ በሎም።
Translation | Contextንስኻትኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገዲን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ። ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ፡ ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ፡ ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ። እምብኣርስከ ኣቦኹም ከይለመንኩምዎ፡ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ኣይትምሰልዎም። ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኹም ደኣ ጸልዩ፡ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስማካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሀበና። ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና። መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፡ ኣሜን። ንሰብ በደሎም እንተ ሐደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ኪሐድገልኹም እዩ።
Translation | Contextግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ።
Translation | Contextስለዚ፡ ኣታ እትፈርድ ሰብ፡ ዝዀንካ እንተ ዀንካ፡ ነቲ እትፈርዶስ ትገብሮ ስለ ዘሎኻ፡ በቲ ንኻልእ እትፈርዶ ንርእስኻ ትዂንን አሎኻ እሞ፡ ምኽንያት የብልካን።
Translation | Contextፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ።
Translation | Contextትልምኑ ኢኹም እሞ፡ ብፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽትዘርውዎ፡ ብኽፉእ ስለ ዝለመንኩም፡ ኣይትቕበሉን ኢኹም።
Translation | Contextእምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ። ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ አሎኹ። ከምቲ ኣብ ሓደ ስጋ ብዙሕ ኣካላት ዘሎና እሞ፡ ብዘሎ ኣካላት ከኣ ተግባሩ ሓደ ዘይኰነ፡ ንሕና ብዙሓት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ኢና፡ በብሓደ ግና ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና። ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ጸጋ ኻብ ዚህልወናስ፡ ትንቢት እንተ ዀይኑ፡ ብልክዕ እምነትና ይኹን። ኣገልግሎ እንተ ዀይኑ፡ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ። ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽናዕ። መዓዲ እንተ ዀይኑ ብምምዓዱ፡ ዚህብ ተገሪሁ ይሃብ፡ መራሒ እንተ ዀይኑ፡ ብትግሃት ይምራሕ፡ እቲ ዚድንግጽውን ብሓጐስ ይደንግጽ። ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ። ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ። ንምትጋህ ኣይትተሃከዩ፡ ብመንፈስ ተቓጸሉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። ብተስፋ ተሐጐሱ፡ ብጸበባ ተዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ። ብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉ፡ ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ። ንዚሰጉኹም መርቑ፡ መርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ። ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ፡ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ። ንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ። ምስቶም ታሕቶት ትሕት በሉ እምበር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይሕሰቡ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።
Translation | Contextኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።
Translation | Context