Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
እቲ ንቓሉ ዚሕሉ ግና ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸም። ኣብኡ ኸም ዘሎና፡ በዚ ኢና እንፈልጥ።
Translation | Contextከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ድማ፡ ሙሴ ንደቂ እስራኤል ነገሮም። ሙሴ ኸኣ ንሓላቑ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ እዚ እዩ፡ ኢሉ ተዛረቦም፡
Translation | Contextንኣምላኽ እንተ ተመባጻዕካሉ፡ ንምፍጻሙ ኣይትደንጉ። ብዓያሱ ባህ ኣይብልን እዩ እሞ፡ ነቲ እተመባጽዕካዮ ፈጽሞ። ተመባጺዕካ ኻብ ዘይትፍጽሞስ፡ ዘይምምብጻዕ ይሐይሽ። ብዙሕ ሕልሚ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ብዙሕ ከንቱነትን ብዙሕ ቃላትን አሎ እሞ፡ ስጋኻ ሓጢኣት ከየገብርስ፡ ንኣፍካ ፍቓድ ኣይትሀቦ፡ ኣብ ቅድሚ ልኡኽውን፡ ጌጋ እዩ፡ ኣይትበል። ስለምንታይከ ኣምላኽ ብደሃይካ ዚዅርን ንግብሪ ኣእዳውካ ኸኣ ዜጥፍኦን፡ ንስኻስ ንኣምላኽ ፍርሃዮ ደኣ።
Translation | Contextእቲ ኻብ ከናፍርካ ዝወጸ፡ ከምቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብፍቓድካ እተማባጻዕካዮ፡ ኣፍካ እተዛረቦ ሐልዎን ግበሮን።
Translation | Contextድማ ነቶም ቀዳሞት፡ ማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሀቦ እምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሐል፡ ከም ተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ብሰማያት ኰነ፡ ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብምድሪ ዀነ፡ መርገጽ እግሩ እያ እሞ፡ ብየሩሳሌም ኰነ፡ ከተማ እቲ ዓብዩ ንጉስ እያ እሞ፡ ከቶ ኣይትምሐሉ። ካብ ጸጒሪ ርእስኻ ሓንቲ ኸተጻዕዱ ወይስ ከተጸልም ኣይትኽእልን ኢኻ ኣሞ፡ ብርእስካ እኳ ኣይትምሐል። ነገርኩምሲ፡ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ።
Translation | Contextድማ ነቶም ቀዳሞት፡ ማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሀቦ እምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሐል፡ ከም ተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም።
Translation | Contextሃናንያ ዝስሙ ሰብኣይ ምስ ሰጲራ ሰበይቱ ምድሩ ሸጠ። ካብቲ ዋጋኡ ኸኣ ምስ ሰበይቱ ተማኺሩ መቒሉ ኣትረፈ፡ ነቲ ሓደ ምቃል ድማ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ። ጴጥሮስ ከኣ፡ በል ሃናንያ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ክትሕሱ ኻብ ዋጋ እቲ ምድሪ ኸኣ መቒልካ ኽትሐብእሲ፡ ስለምንታይ ሰይጣን ንልብኻ መልኦ፧ ከይተሸጠስ ናትካዶ ኣይነበረን፧ ምስ ሸጥካዮስ፡ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን፧ ከመይ ጌርካኸ ነዚ ነገርዚ ብልብኻ ሐሰብካዮ፧ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይሐሶኻን፡ በሎ። ሃናንያ እዚ ቓልዚ ምስ ሰምዔ፡ ወደቐ፡ ነፍሱ ኸኣ ወጸት። እቶም እዚ ዝሰምዑ ዘበሉ ዂሎም ከኣ ኣዝዮም ፈርሁ። ኣጒባዝ ድማ ተንሲኦም ገነዝዎ፡ ተሰኪሞም ኣውጺኦምውን ቀበርዎ። ኰነ ኸኣ፡ ብድሕሪኡ ኣስታት ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ሰበይቱ፡ እቲ ዝዀነ ኸይፈለጠት፡ ኣተወት። ጴጥሮስ ከኣ፡ እስኪ ንገርኒ፡ ንመሬትኩምዶ በዚ ኽንድዚ ኢኹም ዝሸጥኩምዎ፧ ኢሉ መለሰላ። ንሳ ኸኣ፡ እወ፡ በዚ ኽንድዚ እዩ፡ በለት። ጴጥሮስ ድማ፡ ከመይከ መንፈስ እግዚኣብሄር ንምፍታን እተሰማማዕኩም፧ ኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቐበሩ እንሆ፡ ኣብ ደገ ኣለዋ፡ ንኣኺ ድማ ኬውጽኡኺ እዮም፡ በላ። ብኡብኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ወደቐት እሞ ነፍሳ ወጸት። እቶም ኣጒባዝ ምስ ኣተዉ፡ ሞይታ ጸንሓቶም፡ ተሰኪሞም ኣውጺኦም ከኣ ኣብ ጥቓ ሰብኣያ ቐበርዋ።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር፣ ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ፧ ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ፧ እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን፣ ብልሳኑ ዘይሐሚ፣ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፣ ንብጻዩ ዘይጸርፎ፣ እቲ ጽዩፍ ንዑቕ ኰይኑ ዚረአዮ፣ ንፈራህቲ እግዚኣብሄር ግና ዜኽብሮም፣ ዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፣ ነቲ ዝመሐለሉ ዘይልውጦ፣
Translation | Contextግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኸይትወድቁስ፡ እቲ እዌኹም እወ፡ እቲ ኣይኰነን ዝበልኩምዎ ኸኣ ኣይኰነን ይኹን እምበር፡ ቅድሚ ዅሉ ብሰማይ፡ ወይስ ብምድሪ፡ ወይስ ብኻልእ ማሕላ ኣይትምሐሉ።
Translation | Contextንደቅኹም ከተማታት፡ ነባጊዕኩም ከኣ ደምቤታት ስርሑ፡ እቲ ኻብ ኣፍኩም ዝወጸ ድማ ግበርዎ።
Translation | Contextወይ ሓደ ገለ ኽፉእ ወይ ጽቡቕ ንምግባር፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብዘይ ሓሳብ ከም ዚምሕል፡ ከይፈለጠ ብዘይ ሓሳብ ብኸናፍሩ እንተ መሐለ እሞ ምስ ተፈለጦ፡ ብሓደ ኻብዚ ነገርዚ በዳሊ እዩ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ካብዚ ነገርዚ ብሓደ ምስ በደለ፡ በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ይናዘዝ።
Translation | Contextወደየ፡ ንብጻይካ እንተ ተውሐስካ፡ ስለ ጓና ኸኣ ኢድ እንተ ጠቓዕካ፡ ብቓላት ኣፍካ ተትሐዝካ፡ ብቓላት ኣፍካ ተፈንጠርካ። ወደየ፡ ኣብ ኢድ ብጻይካ ኻብ ወደቕካስ፡ ምእንቲ ኽትግርነ፡ ከምዚ ግበር፡ ኪድ እሞ ተደፊእካ ንብጻይካ ነዝንዞ፡
Translation | Contextከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ድማ፡ ሙሴ ንደቂ እስራኤል ነገሮም። ሙሴ ኸኣ ንሓላቑ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ እዚ እዩ፡ ኢሉ ተዛረቦም፡ ሰብ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተማባጽዔ፡ ወይ ምሒሉ፡ ገለ ነገር ይትረፈኒ ብምባል፡ ነፍሱ ብማሕላ እንተ ኣሰረ፡ ቃሉ ኣየፍርስ፡ ከምቲ ኻብ ኣፉ ዝወጸ ዅሉ ይግበር። ሰበይቲ ድማ ብጊዜ ንእስነታ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ ኸላ፡ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተማባጽዔት፡ ብገለ ማእሰር ከኣ እንተ ተኣስረት፡ ኣቦኣ ድማ መብጽዓኣን እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰርን እንተ ሰምዔ፡ እሞ ኣቦኣ ብዛዕባ እዚ ስቕ እንተ በለ፡ ኲሉ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ ዅሉ መእሰሪ ኸኣ ይቑም። ኣቦኣ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልኣ ግና፡ ኲሉ መብጽዓኣን እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰርን ኣይቑም። ኣቦኣ እዩ ዝኸልኣ እሞ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ይቕረ ኺብለላ እዩ። ተማባጺዓ ኸላ፡ ወይ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ቓል እንተ መለቛ እሞ፡ ብእኡ ነፍሳ ኣሲራ ኸላ ኣብ ሰብኣይ እንተ ተአትወት፡ እቲ ሰብኣያ ኸኣ ሰሚዑ፡ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስቕ እንተ በለ፡ እቲ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰሪኣ ድማ ይቑም። እቲ ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልኣ ግና፡ ንሱ ነቲ መብጽዓኣን ነቲ ብእኡ ነፍሳ ዝአሰረትሉ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ዝመለቘ ቓልን ከንቱ ይገብሮ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኪሐድገላ እዩ። ናይ መበለት ወይ ናይ ፍትሕቲ ሰበይቲ መብጾኣ ግና፡ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ ዅሉ ይቑመላ። ኣብ ቤት ሰብኣያ ኸላ ድማ፡ እንተ ተማባጽዔት ወይ ብናይ ማሕላ መእሰሪ ነፍሳ እንተ ኣሰረት፡ ሰብኣያ ኸኣ ሰሚዑ ስቕ እንተ በለ እሞ እንተ ዘይከልኣ፡ ኲሉ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝአሰረትሉ ዅሉ መእሰሪ ድማ ይቑም። ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ፈጺሙ ኸንቱ እንተ ገበሮ ግና፡ ብዛዕባ መብጽዓኣ ወይ ብዛዕባ እቲ እተኣስረትሉ፡ ካብ ኣፋ ዝወጾ ዅሉ ኣይቐውምን። ሰብኣያ እዩ ኸንቱ ዝገበሮ፡ እግዚኣብሄር ድማ ይቕረ ኺብለላ እዩ። ነፍሳ ኸተትሕት ኢላ እተማባጾዓቶ ዅሉ ወይ ናይ ማሕላ መእሰሪ ዘበለ ሰብኣያ የቚሞ፡ ሰብኣያ ኸኣ ከንቱ ይገብሮ። ሰብኣያ ኻብ መዓልቲ ንመዓልቲ ስቕ እንተ በለ ግና፡ ንዅሉ መብጾዓኣን ንዅሉ ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ መእሰሪኣን ኣቘሞ፡ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስቕ ኢሉ እዩ እሞ፡ ኣቘሞ። ምስ ሰምዔ፡ ጸኒሑ ፈጺሙ ኸንቱ እንተ ገበሮ ግና፡ ንሱ በደላ ይጸውር።
Translation | Contextነገርኩምሲ፡ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ።
Translation | Context