Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

kingdom of heaven


ማቴዎስ 6:33 | 7 Helpful votes

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩእዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም

Translation | Context
ሮሜ 14:17 | 4 Helpful votes

መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ

Translation | Context
ማቴዎስ 7:21 | 4 Helpful votes

ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይጐይታይዚብለኒ ዅሉመንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን

Translation | Context
ማቴዎስ 5:3 | 4 Helpful votes

ብመንፈስ ድኻታትመንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
ራእይ 21:1-27 | 3 Helpful votes

እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎምባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ። እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌምንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺእንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘንወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡ እንሆንዅሉ እሕድሶ አሎኹበለእዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሐፍበለኒ። ቀጺሉ ኸኣ፡ እዚ ኽዉን እዩ፡ ኣልፋን ኦሜጋንመጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ኣነ ንዝጸምኤ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ብኸምኡ ኽህቦ እየ። እቲ ዚስዕር ነዚ ኺወርሶ እዩ። ኣነ ኣምላኹ ክዀኖንሱውን ውሉደይ ኪዀነኒ እዩ። እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ። ካብቶም በተን ዳሕሮት ሾብዓተ መዓት ዝመልኣ ሾብዓተ ጽዋእ ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኸኣ ሓደ መጸ እሞ፡ ነታ መርዓትሰበይቲ እቲ ገንሸልክርእየካስ ንዓእናበለ ተዛረበኒብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊሕን ከረን ወሰደኒ፡ ነታ ኽብሪ ኣምላኽ ዘለዋ ቅድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ኸኣ ኣርኣየኒ። ምድማቕ ብርሃናውን ከም ኣዝዮ ዝኸበረ እምኒከምቲ ዜንጸባርቕ እምኒ ያስጲስ እዩ ዝመስል። ዓብይን ነዊሕን ቀጽሪ ኸኣ አለዋ፡ ዓሰርተው ክልተ ደገኣብቲ ደጌታትውን ዓሰርተው ክልተ መላእኽቲስማት ድማ ተጽሒፉ አሎ፡ እዚ ስማት እዚውን ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ ደቂ እስራኤል እዩ። ብምብራቕ ሰለስተ ደገብሰሜን ሰለስተ ደገብደቡብ ሰለስተ ደገብምዕራብ ሰለስተ ደገ አሎ። ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ መሰረት አለዎ፡ ኣብኡ ድማ ዓሰርተው ክልተ ስም ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እቲ ገንሸል አሎ። እቲ ዚዛረበኒ ኸኣ፡ ነታ ኸተማን ነቲ ደጌታታን ቀጽራን ምእንቲ ኺሰፍረሉ፡ መስፈሪ፡ ዘንጊ ወርቂ፡ አለዎ። እታ ኸተማ ኸኣ ኣርባዕተ ዝመኣዝና እያ፡ ምንዋሓውን ክንዲ እቲ ግፍሓ እዩ። በቲ ዘንጊ ድማ ነታ ኸተማ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ እስታድዮስ ሰፈራ። ምንዋሓን ምግፋሓን ምብራኻን ማዕረ ማዕረ እዩ። ነቲ ቐጽራ ኸኣ ብእመት ሰብኣይ፡ ንሱ ድማ ናይ መልኣኽሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን እመት ኣመቶ። እቲ ቐጽራ ድማ ብያስጲስ እተነድቀ እዩ፡ እታ ኸተማውን ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እያ እትመስል። መሰረታት ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ብክቡር እምኒ ዘበለ ተሰሊሙ እዩ። እቲ ቐዳማይ መሰረት ያስጲስ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰፉሮስ፡ እቲ ሳልሳይ ከልቄዶን፡ እቲ ራብዓይ ስመራግዶስ፡ እቲ ሓምሳይ ሰርዶንክስ፡ እቲ ሳድሳይ ሰርድዮስ፡ እቲ ሳብዓይ ክሪሶሊት፡ እቲ ሳምናይ በሪሎስ፡ እቲ ታስዓይ ቶጳዝዮን፡ እቲ ዓስራይ ክሪሶጵራስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ሓደ ህያክንቶስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ኣሜትስጦስ እዩ። እቲ ዓሰርተው ክልተ ደገ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ ሉል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ደገ ኻብ ሓደ ሉል እተገብረ እዩ። ኣደባባይ እታ ኸተማ ድማ ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እዩ። እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽን እቲ ገንሸልን መቕደስ እዮም እሞመቕደስ ኣብኣ ኣይርኤኹን። እታ ኸተማ ኸኣ ኽብሪ ኣምላኽ ኣብሪሁላ አሎ፡ መብራህታስ እቲ ገንሸል እዩ እሞጸሓይ ወይስ ወርሒ ኼብርሃላ ኣየድልያን እዩ። ኣህዛብ ብብርሃና ኺመላለሱነገስታት ምድሪውን ክብሮም ናብኣ ኼምጽኡ እዮም። ኣብኣ ለይቲ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ፡ ደጌታት ብመዓልቲ ከቶ ኣይኪዕጾን እዩ። ነቲ ናይ ህዝብታት ክብረትን ክብርን ከኣ ናብኣ ኼምጽእዎ እዮም። እቶም ኣብቲ ናይቲ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፉ ደኣ እምበር፡ ገለ ርኽሰት ወይስ እቲ ዜፈንፍንን ሓሶትን ዚገብር ዘበለ ኸኣ ናብኣ ከቶ ኣይኪኣቱን እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 17:20-21 | 3 Helpful votes

ፈሪሳውያንመንግስቲ ኣምላኽ ምኣዝ ትመጽእኢሎም ምስ ሓተትዎ ኸኣ፡ ንሱ፥ መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም አላ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽሲ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን እያ፡ እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ ዚብላውን የልቦን፡ ኢሉ መለሰሎም

Translation | Context
ማቴዎስ 6:10 | 3 Helpful votes

መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን

Translation | Context
ማቴዎስ 5:10 | 3 Helpful votes

ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱመንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:31-34 | 3 Helpful votes

ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማን፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻትንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ

Translation | Context
ዮሃንስ 3:3 | 2 Helpful votes

የሱስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከምዜልቦብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹኢሉ መለሰሉ

Translation | Context
ማርቆስ 1:15 | 2 Helpful votes

ድሕሪ ማእሰርቲ ዮሃንስ ከኣ የሱስ ናብ ገሊላ መጸ እሞ፡ እቲ ዘመን ተፈጸመመንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀረበትተነስሑ ብወንጌልውን እመኑእናበለ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ

Translation | Context
ማርቆስ 10:15 | 2 Helpful votes

ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ቈልዓ ዀይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይኣትዋብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:19-21 | 2 Helpful votes

መዝገብካ ኣብ ዘለዎኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ

Translation | Context
ማቴዎስ 10:7 | 2 Helpful votes

ኬድኩም ድማ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላኢልኩም ስበኹ

Translation | Context
ሉቃስ 11:20 | 2 Helpful votes

ኣነ ነጋንንቲ በጻብዕ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ ግና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣባኻትኩም በጽሔት

Translation | Context
ዮሃንስ 6:50-71 | 2 Helpful votes

ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውትካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩእቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩስለዚ ኣይሁድእዝስስጋኡ ኽንበልዕከመይ ገይሩ ኺህበና ይከአሎኢሎም ንሓድሕዶም ተኻትዑየሱስ በሎምስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩምደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ ህይወት ከም ዜብልኩምብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብርኣነውን ኣብኡህያው ኣቦ ኸም ዝለአኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነንነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ። ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤት ጸሎት ኪምህር ከሎ እዩ እዚ እተዛረበብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ሰሚዖምእዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩመን ኪሰምዖ ይኽእልበሉየሱስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባዚ ኸም ዘጕረምረሙብልቡ ፈሊጡእዚዶ የዕንቅፈኩም አሎ፧ ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ፡ ከመይ እዩ፧ መንፈስ እዩ ህያው ዚገብር፡ ስጋስ ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላትመንፈስ እየን ህይወትውን እየንየሱስ እቶም ዘይኣምኑ ኣየኖት ምዃኖም፡ እቲ ዜትሕዞውን መን ምዃኑ ኻብ መጀመርታ ፈሊጡ ነበረ እሞ፥ ዘይኣምኑ ግና ኣብ ማእከልኩም አለዉ፡ ስለዚ ድማ እየ፥ እቲ ኻብ ኣቦይ እተዋህቦ እንተ ዘይኰይኑስናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦንዝበልኩኹምበሎምካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡውን ኣይከዱን ስለዚ የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም፡ በሎምስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካናብ መን እሞ ኽንከይድንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን አሎና፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ከኣ፥ ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹምዶ ሐርየኩም ኣይኰንኩንሓደ ኻባኻትኩም ግና ድያብሎስ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም። እዚ ዝበለ ኸኣ ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን እዩ። ኬትሕዞ ዘለዎ ንሱ እዩ እሞ፡ ንሱውን ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 14:22 | 2 Helpful votes

ነፍሲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣጸናንዑ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ፡ እናበሉ ኸኣ ኣብ እምነት ኪጸንዑ ይምዕድዎም ነበሩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 18:36 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን ካብዛ ዓለም እዚእ እንተ ትኸውንሲብኣይሁድ ከይተሐዝ፡ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮምሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንትን፡ ኢሉ መለሰ

Translation | Context
ዮሃንስ 3:5 | 2 Helpful votes

የሱስ መለሰብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይ ተወልደኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን

Translation | Context