Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

lampstand


ማቴዎስ 5:14-16 | 13 Helpful votes

ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን እዮም። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ

Translation | Context
ራእይ 2:5 | 12 Helpful votes

እምብኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮእንተ ዘይኰነስ ክመጸካእንተ ዘይተነሳሕካውን፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ስፍራኡ ኸዝብሎ እየ

Translation | Context
ራእይ 1:20 | 7 Helpful votes

ምስጢር እቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝርኤኻዮም ሾብዓተ ኸዋኽብትን ናይተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቅን፡ እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ እቲኣቶም መላእኽቲ እተን ሸብዓተ ማሕበራት እዮም፡ እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴልውን ሾብዓተ ማሕበራት እየን።

Translation | Context
ዘካርያስ 4:1-14 | 6 Helpful votes

እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ ተመሊሱ፣ ከምቲ ሰብ ካብ ድቃሱ ዚበራበርኣበራበረኒ፣ እንታይ ትርኢ አሎኻ፧ ድማ በለኒ። ኣነ ኸኣ በልኩ፡ እንሆ፡ ሓደ ቐዋሚ ቐንዴል ኵለንትናኡ ወርቂ፡ ኣብ ርእሱ ኸኣ እንዳ ዘይቱን ኣብኡውን ሾብዓተ መብራህቱ ንዘለዎ እርኢ አሎኹ። ነተን ኣብ ርእሱ ዘለዋ መብራህትታት ከኣ ሾብዓተ ሻምብቆ ኣለወን። ኣብ ጥቓኡ ድማ ክልተ ኣውልዕ ኣለዋ፣ እታ ሓንቲ ኣብ የማን እቲ እንዳ ዘይቲ፣ እታ ሓንቲውን ኣብ ጸጋሙ እየን። ነቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ድማ፣ ጐይታየ፣ እዚኣተንሲ እንታይ እየን፡ ኢለ መለስኩሉ። እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከኣ፡ እዚኣተን እንታይ ምዃነንዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ ኢሉ መለሰለይ። ኣነ ድማ፡ ጐይታየ፡ ኣይፋለይ፡ በልኩ። ሽዑ ንሱ መለሱ፡ እዚ እቲ ንዘሩባቤል ዚኸውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ፡ ብመንፈሰይ እምበር፡ ብኽእለትን ብሓይልን ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐያት ሰራዊት። ኣታ ዓብዪ ኸረን፡ መን ኢኻ፧ ኣብ ቅድም ዘሩባቤል ጐልጐል ክትከውን ኢኻ። ጸጋ ጸጋ፡ ንእኡ፡ እናተባህለ ኺጭድር ከሎ ነቲ እምኒ ርእሲ ኼውጽኦ እዩ፡ ኢሉ ነገረኒ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣ ንመሰረት እዛ ቤት እዚኣ ኣእዳው ዘሩባቤል ሰረታኦኣእዳዉ ኸኣ ኪፍጽምኣ እየን። ንስኻ ድማ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናባኻትኩም ከም ዝለአኸኒ ኽትፈልጥ ኢኻ። ንመዓልቲ ናእሽቱ ነበር ዚንዕቕ መን እዩ፡ እዘን ሾብዓተ ንዅላ ምድሪ ዚዞራ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ነታ ኣብ ኢድ ዘሩባቤል ዘላ መለክዒት መንደቕ ተሐጒሰን ኪርእያኦ እየን። ኣነ ኸኣ፡ እዘን ብየማን እዚ ቐዋሚ ዘለዋ ኽልተ ኣውሊዕሲ እንታይ እየን፧ ኢለ መለስኩሉካልኣይ ጊዜውን፣ እዞም ኣብ ጥቓ እቲ ወርቂ ዚውሕዞ መውሓዝ ወርቂ ዘለዉ ኽልተ ጭንፈር ኣውሊዕከ እንታይ እዮም፧ ኢለ መለስኩሉ። ንሱ ኸኣ፡ እዚኣቶም እንታይ ከም ዝዀኑዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ ኢሉ መለሰለይ። ኣነውን፡ ጐይታየ፡ ኣይፋለይ፡ በልኩ። ሽዑ ንሱ፡ እዚኣቶምሲ እቶም ክልተ ኣብ ጥቓ እቲ ጐይታ ዅላ ምድሪ ዚቘሙ ደቂ ዘይቲ እዮም፡ በለ

Translation | Context
ማቴዎስ 5:14 | 6 Helpful votes

ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:1-31 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነበረትጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ። ኣምላኽ ከኣ፥ ብርሃን ይኹንበለብርሃን ድማ ዀነኣምላኽ ድማ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ከኣ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ፈለዮኣምላኽ ነቲ ብርሃን መዓልቲ ኣውጽኣሉ። ነቲ ጸልማት ከኣ ለይቲ ኣውጽኣሉምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሓንቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ንማያት ካብ ማያት ዚፈሊ ጠፈር ኣብ መንጎ ማያት ይኹንበለኣምላኽ ነቲ ጠፈር ገበሮነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮከምኡውን ኰነኣምላኽ ከኣ ነቲ ጠፈር ሰማይ ኣውጽኣሉምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነካልአይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ እቲ ንቑጽ ምእንቲ ኺርኤስ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓንቲ ቦታ ይተኣከብበለከምኡ ድማ ዀነኣምላኽ ከኣ ነቲ ንቑጽ ምድሪ ኣውጽኣሉነቲ እኩብ ማያት ድማ ባሕሪ ኣውጽኣሉኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ድማ፥ እታ ምድሪ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ብቑልንዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ፡ ፍረ ከከም ዓይነቱ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኦም ተውጽእበለከምኡ ድማ ዀነ። እታ ምድሪ ሳዕርን ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዚህብ ብቑልንዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ፍረ ዚፈሪ ኣእዋም ከኣ ኣውጽኤትኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሳልሰይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዚፈልዩ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹንንዘበናትን ንመዓልታትን ዓመታትን ከኣ ንመፈለጥታ ይኹን። ኣብ ምድሪ ንምብራህ ኣብ ጠፈር ሰማይ ብርሃናት ይኹን፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነኣምላኽ ከኣ ኽልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፥ እቲ ዓብዪ ብርሃን ብመዓልቲ ኺስልጥን፡ እቲ ንእሽቶ ብርሃን ድማ ብለይቲ ኺስልጥንከዋኽብቲውን ገበረ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኼብርሁ፡ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኪስልጥኑንብርሃንውን ካብ ጸልማት ኪፈልዩኣምላኽ ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮምኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነራብዐይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ማያት ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል እንስሳ የውጽእ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከኣ ኣዕዋፍ ይንፈራበለኣምላኽ ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳ ባሕርን ነቲ ማያት ዘውጽኦ በብዓይነቱ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል ኵሉንክንፊ ዘለወን በብዓይነተን ኵለን ኣዕዋፍን ፈጠረኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ድማፍረዩን ተባዝሑን ንማያት ባሕሪ ምልእዎኣዕዋፍ ከኣ ኣብ ምድሪ ይብዝሓኢሉ ባረኾምምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሓምሰይቲ መዓልቲኣምላኽ ድማ፥ ምድሪ ህያው ነፍሲ ዘለዎ በብዓይነቱ እንስሳን ለመምታን ኣራዊት ምድርን በብዓይነቱ ተውጽእበለከምኡውን ኰነኣምላኽ ከኣ ኣራዊት ምድሪ በብዓይነቱን እንስሳ በብዓይነቱን ኵሉ ለመምታ ምድሪ ኸኣ በብዓይነቱ ገበረኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበርንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡበለኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮምኣምላኽ ከኣ ባረኾምኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋንንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡበሎምኣምላኽ ድማ፥ እንሆኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩምንዅሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ኸኣ ኵሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም አሎኹ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየእንሆብዙሕ ጽቡቕ ኰነ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነሳድሰይቲ መዓልቲ

Translation | Context