Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all3 bible verses about
ኣህዛብ ንርስትኻ፣ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ንጥሪትካ ኽህበካስ፣ ለምነኒ።
Translation | Contextስለዚ ምእንቲ ኽትሕይሉን ናብታ ኽትርስተይዋ እትሳገርዋ ዘሎኹም ምድሪ ኽትአትውዋን፡ ኣብታ ጸባን መዓርት እተውሕዝ ምድሪ፡ እታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩምን ንዘርኦምን ኪህቦም ዝመሐለሎም ምድሪ መዓልትታትኩም ኪነውሕ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዝ ሐልዉ። እታ ኽትወርሳ እትአትዋ ምድሪ ከምታ ኻብኣ ዝወጻእኩምላ ምድሪ ግብጺ ነቲ ኣብኣ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ኸም ኣታኽልቲ ሓምሊ ብእግርኻ እተስትዮ ኣይኰነትን። እታ ኽትወርስዋ እትሳገርዋ ዘሎኹም ምድርስ፡ ካብ ሰማይ ዝዘነመ ማይ እትሰቲ ምድሪ ኣኽራንን ለሴታትን እያ፡ ንሳስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚከናኸና ሃገር፡ ካብ መጀመርታ ዓመት ክሳዕ መወዳእታ ዓመት ከኣ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ወርትግ ኣብኣ እየን። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከተፍቅርዎ፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ድማ ከተገልግልዎ፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ትእዛዛት ኣጸቢቕኩም እንተ ትሰምዕዎ፡ ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን ምእንቲ ኽትእክብ፡ ዝናም ምድርኹም በብጊዜኡ፡ ዝናም ጽድያን ጽብሓትን ክህበኩም እየ።
Translation | Contextእዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።
Translation | Context