Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

last days


2ይ ጢሞቴዎስ 3:1-17 | 15 Helpful votes

ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብተጀሃርቲዕቡያትተጻረፍቲንወለዶም ዘይእዘዙዘየማስዉርኹሳትፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎምተቐየምቲሓመይቲቀለልቲጨካናትሰናይ ዘይፈትዉኣሕሊፎም ዚህቡህዉኻትተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡ እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘልዎምነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጕ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣንኵሉ ሳዕ ዚምሃራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕከምቲ እያኔስን እያምብሬስን ንሙሴ እተቓወምዎእቶም ኣእምሮኦም ዝጠፍኤብእምነት ዘይተፈተኑ ሰባት ድማ ከምኡ ነታ ሓቂ ይቃወምዋ አለዉ። ግናኸ ከምቲ ናይ እቲኣቶም ዝዀነ ኸኣ፡ እቲ ዕሽነቶም ንዅሉ ኺግለጽ እዩ እሞ፡ ካብኡ ሐሊፎም ኣየስልጡን እዮም። ንስኻ ግና ንትምህርተይንንብረተይንፍቓደይንእምነተይንዓቕለይንፍቕረይንትዕግስተይ፡ ኣጸቢቕካ ሰዓብካኣብ ኣንጾክያን ኢቆንዩምን ልስጥራን ብዝበጽሓኒ ስደተይመከራይ፡ ከምዚ ዝበለ ስደት ጾርኩ፡ ጐይታ ግና ካብ ኵሉ ኣድሐነኒ። ግናኸ እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም። እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሐቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም። ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሃርካ ፈሊጥካ፡ ነተን ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካበቲ እተምሃርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲመንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲንተግሳጽንምቕናዕንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
ይሁዳ 1:7 | 6 Helpful votes

ከምኡውን ሶዶምን ጎሞራን እተን ኣብ ከባቢኤን ዝነበራ ኸተማታትን፡ ከተማታቶም ብመገዶም ዝመንዘራ ደድሕሪ ስጋ ጓናውን ዝሰዐባ፡ በቲ ዝወረደን ቅጽዓት ናይ ዘለኣለም ሓዊ ንመሰክሒ ዀይነን አለዋ።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:36-44 | 5 Helpful votes

ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑመላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን። ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ፡ ማይ ኣይሂ መጺኡንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡንምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኽልተ ኣብ ግራት ኪዀኑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን ኪጥሕና እየን፡ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ። ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። ግናኸ ፍለጡበዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን። ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ።

Translation | Context
ራእይ 13:16-18 | 5 Helpful votes

ንዅላቶም ከኣ፡ ነቶም ናእሽቱን ዓበይትንንሃብታማትን ድኻታትንንጭዋታትን ባሮትን ኣብ የማናይ ኢዶም ወይስ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ከም ዚቕበሉ ይገብር አሎ። ሓደ እኳ ማሕተም ስም እቲ ኣራዊት ወይስ ቍጽሪ ስሙ እንተ ዜብሉኪዕድግን ኪሸይጥን ከም ዘይኽእል ይገብር። ጥበብ ኣብዚ እያ ዘላ። ቍጽሪ እቲ ኣራዊት ብቍጽሪ ሰብ እዩ እሞ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ይጸብጽቦ። እቲ ቝጽሩ ኸኣ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:14 | 4 Helpful votes

እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ

Translation | Context
ራእይ 21:8 | 4 Helpful votes

እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:3-4 | 3 Helpful votes

ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። ንሳቶም ከኣ፡ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ፡ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ኵሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎኪብሉ እዮም።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:30 | 3 Helpful votes

ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:34 | 3 Helpful votes

እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:22 | 3 Helpful votes

እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:12 | 3 Helpful votes

ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:1-51 | 2 Helpful votes

የሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኸደ፡ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኬርእይዎ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ግና መሊሱ፡ እዚ ዅሉስ ትርእይዎዶ አሎኹም፧ ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎምእዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧ እስኪ ንገረና፡ እናበሉ ናብኡ ቐረቡየሱስ መሊሱ በሎም፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ። ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህብኹምን ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃህቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም። ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ። እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ። እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ - እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ - ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘለዉ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይሌኤን። ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ። እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን። ሽዑ ገለ፡ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ፡ እንተ በለኩምኣይትእመንዎ። ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ኼስሕቱዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። እንሆኣቐዲመ ነገርኩኹምእንሆ፡ ኣብ በረኻ አሎ፡ እንተ በሉኹምኣይትውጽኡ። እንሆ ኣብ ቤት አሎ እንተበሉኹምውን ኣይትእመኑበርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዚርኤ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ከኣ ናብኡ ኺእከቡ እዮም። ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጸሓይ ክትጽልምትወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፡ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም። ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም። ንመላእኽቱ ኸኣ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ኻብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ወሰን ሰማይ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንፋሳት ኪእክብዎም እዮም። ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩጨነፍራ ምስ ለምለመቈጽላውን ምስ ጠጥዔክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ርኤኹም፡ ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡእዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ሰማይን ምድርን ኪሐልፍቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ። ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑመላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን። ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ፡ ማይ ኣይሂ መጺኡንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡንምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኽልተ ኣብ ግራት ኪዀኑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን ኪጥሕና እየን፡ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ። ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። ግናኸ ፍለጡበዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን። ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ። እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ። ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ኸም ዚሸሞብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ብልቡጐይታይ ይድንጕ እዩ፡ እንተ በለ፡ ነቶም ብጾቱ ባሮት ምውቃዖም ይጅምር፡ ምስቶም ሰኸርቲውን ይበልዕን ይሰትንጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ ብዘይፈላጣ ጊዜውን ኪመጽእ እዩ። ኣብ ክልተ ኺጭንድሖዕድሉ ድማ ምስ ግቡዛት ኪገብሮኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 18:8 | 2 Helpful votes

ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽአሎምእብለኩም አሎኹ። ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና፡ እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ

Translation | Context
ሮሜ 10:9 | 2 Helpful votes

እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርንይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካክትድሕን ኢኻ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 46:10 | 2 Helpful votes

ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዝነገርኩ እሞ፡ ምኽረይ ኪቐውም እዩ፡ ፍቓደይ ኲሉውን ክፍጽም እየ፡ ዝበልኩ ኣነ እየ።

Translation | Context
ሮሜ 10:13 | 2 Helpful votes

ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ፡ ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ፡ ነቶም ዚጽውዕዎ ዂሎምውን ሃብታም እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጒሌላን የልቦን።

Translation | Context
ዳንኤል 12:1 | 2 Helpful votes

በቲ ዘመንቲ ሚካኤል፣ እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብካ ዚቐውም ዓብዪ መስፍን፣ ኪትንስእ እዩ። ሽዑ ዘምን ጸበባ ኪኸውን እዩ፣ ከምኡስ ካብታ ህዝቢ ዝሀለዉላ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ከቶ ዀይኑ ኣይፈልጥን። በታ ጊዜ እቲኣስ ህዝብኻ፣ ኣብ መጽሓፍ ተጽሒፉ እተረኸበ ዘበለ፣ ኪድሕን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 91:1-16 | 2 Helpful votes

አብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄርጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ አሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮእከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካንስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒከናግፎንስመይ ስለ ዝፈለጦከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦምድሓነይውን ከርእዮ እየ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 4:5 | 2 Helpful votes

ስለዚ እቲ ኣብ ጸልማት እተሐብኤ ናብ ብርሃን ዜምጽእ፡ ሓሳባት ልቢ ኸኣ ዚገልጽ ጐይታ ኽሳዕ ዚመጽእቅድሚ ጊዜኡ ሓንቲ እኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ ድማ ነፍሲ ወከፍ ነንእዶኡ ኻብ ኣምላኽ ኪቕበል እዩ።

Translation | Context