Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።
Translation | Contextኣታ ሃካይ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ በጥ እትብል፡ መኣዝከ ኢኻ ኻብ ድቃስካ እትትንስእ፡
Translation | Contextነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።
Translation | Contextገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ።
Translation | Contextሃካይ፡ ኣብ ወጻኢ ኣንበሳ አሎ፡ ኣብ ማእከል ኣደባባይ እቕተል እኸውን እየ፡ ይብል።
Translation | Contextማለት፡ ሓያሎ ኻባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ከም ዚመላለሱ፡ ዙረት እምበር፡ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይዓዩ፡ ንሰምዕ አሎና። ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ፡ ብህድኣት እናዓየዩ እንጌራኦም ኪበልዑ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዞምን ንምዕዶምን አሎና።
Translation | Contextኣነ ብግራት ሃካይ፡ ብናይቲ ኣኣምሮ ዜብሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ሐለፍኩ፡ እንሆ ድማ፡ ተዀርባ በቝልዎ፡ ቈጥቋጥ ውሒጥዎ፡ እቲ መካበብያ እምኒውን ፈሪሱ። ልበይ ኣውዲቐ ኣብኡ ተመልከትኩ፡ ንእኡ ርእየ ድማ ትምህርቲ ረኸብኩ፡ ቅሩብ ድቃስ፡ ቅሩብ ትኽስታ፡ ምእንቲ ኽትዐርፍ ቅሩብ ኣእዳውካ ምምስቃል፡ ሽዑ ድኽነትካ ገስጊሱ፡ ንዴትካ ኸኣ ከም እተሰለፈ ሰብኣይ ይመጸካ።
Translation | Contextሃካይ፡ ኣእዳው ምዕያይ ይአብያ እየን እሞ፡ ትምኒቱ ይቐትሎ።
Translation | Contextኣታ ሃካይ፡ ናብ ጻጸ ኺድ፡ መገዱ ተመልከት እሞ ጠቢብ ኩን።
Translation | Contextእቲ ሃካይ፡ ኣብ መገዲ ኣንበሳ አሎ፡ ኤረ ኣብ ኣደባባይ ኣንበሳ አሎ፡ ይብል። ከምቲ ማዕጾ ኣብ ወንድወንዶኡ፡ ሃካይውን ከምኡ ኣብ ዓራት ይዘውር። ሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ እሞ፡ ናብ ኣፉ ምምላስ ድኻም ይዀኖ። ሃካይሲ ኻብ ሾብዓተ ሰብ ብምስትውዓል ዚምለሱ ንሱ ብጥበብ ዝበለጸ ይመስሎ።
Translation | Contextብህክይቲ ኢድ ዚዐዪ ይደኪ፡ ኢድ ትጕሃት ግና ተሀብትም።
Translation | Contextሃካይ ብምኽንያት ቍሪ ኣይሐርስን፡ ብጊዜ ቐውዒ ይልምን እሞ፡ ገለ እኳ ኣይረክብን።
Translation | Contextእቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።
Translation | Contextድኻ ምእንቲ ኸይትኸውን፡ ድቃስ ኣይትፍቶ፡ ነዒንትኻ ቋሕ ኣብለን፡ ሽዑ እንጌራ ኽትጸግብ ኢኻ።
Translation | Contextሃካይ ነቲ ዝሀደኖ ኣይጠብሶን፡ ትግሃት ግና ንሰብ ክቡር ገንዘብ እያ።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ቃላትካ ምስ ረኸብኩ በላዕክዎ። ብስምካ ተሰምየ እየ እሞ፡ ቃላትካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኰነኒ።
Translation | Context