Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

2 bible verses about

leech


ምሳሌ 30:15 | 4 Helpful votes

ዓለቕትስሀበኒ፡ ሀበኒ፡ ዚብላ ኽልተ ኣዋልድ ኣለዋኦ። ዘይጸግብ ሰለስተ እዮም፡ ኤረ ይኣክል ዝይብሉስ ኣርባዕተ እዮም፡

Translation | Context
ምሳሌ 30:1-33 | 4 Helpful votes

እዚኣ ናይ ኣጉር ወዲ ያቂ ቃላትን ንግራትን እያ። እቲ ሰብኣይ እቲ ንኢቲኤልንኢቲኤልን ንኡካልን ከምዚ ይብል፡ ብርግጽ ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣነ ደንቆሮ እየ፡ ኣእምሮ ሰብ የብለይን። ጥበብ ኣይተምሀርኩንፍልጠት እቲ ቅዱስ የብለይን። ናብ ሰማይ ዝደየበ እሞ ዝወረደ መን እዩ፧ ንንፋስ ኣብ ዕምኩ ዝኣከቦ መን እዩ፧ ንማያት ኣብ ክዳኑ ዝቘጸሮ መን እዩ፧ ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ዘጽንዔስ መን እዩ፧ እንታይ እዩ ስሙስም ወዱኸ እንታይ እዩ፧ እዚዶ ትፈልጥ ኢኻ፧ ቃል ኣምላኽ ብዘሎ ዅሉዕ እዩ፡ ንሱ ነቶም ናብኡ ዚዕቈቡ ዋልታኦም እዩ። ከይዘልፈካሓሳዊ ዄንካ ኸኣ ከይትርከብሲ፡ ናብ ቃሉ ሓንቲ እኳ ኣይትወስኽ። ኣነ ኽልተ ነገር እየ ዝልምነካ፡ ክሳዕ ዕለተ ሞተይ ንእኤን ኣይትኽልኣኒጸጊበስ ከይክሕደካ እሞ፣ እግዚኣብሄር መን እዩ፧ ከይብል፡ ወይ ደኽየስ ከይሰርቕ እሞ ስም ኣምላኸይ ከየቃልልሲድኽነትን ሃብትን ኣይትሀበኒ፡ ግናኸ በቲ ዜድልየኒ እንጌራ መግበኒከንቱነትን ሓሶትን ኣርሕቐለይ። ምእንቲ ኸይረግመካበዳሊ ኸኣ ከይትኸውንሲ፡ ንግልያ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ኣይትሕመዮነቦኡ ዚረግምነዲኡ ኸኣ ዘይምርቕ ወለዶ አሎ። ርኽሰቱ ዘይተሐጽበስ፡ ኣነ ንጹህ እየ፡ ዚብል ወለዶ አሎ። ዕቡይ ዝዓይኑ፡ ኵሩዕ ዝቘላሕታኡ ወለዶ አሎ። ነመሳኪን ካብ ምድሪንድኻታት ካብ ማእከል ደቂ ሰብ ምእንቲ ኺውሕጦምሲሰይፊ ዝስኑካራታት ዝዅርምቱ ወለዶ አሎ። ዓለቕትስሀበኒ፡ ሀበኒ፡ ዚብላ ኽልተ ኣዋልድ ኣለዋኦ። ዘይጸግብ ሰለስተ እዮም፡ ኤረ ይኣክል ዝይብሉስ ኣርባዕተ እዮም፡ ሲኦልን ዘይትወልደ ማሕጸንን ማይ ዘይጸግብ መሬትን ይአኽለኒ ዘይብል ሓውን እዮም። እቲ ነቦኡ ዜባጭዎ ነዲኡ ኸኣ ከይእዘዛ ዚንዕቃንዓይኑ ኳዃት ርባ ኺጕጥጕጥዎጨጫዊት ንስሪ ኸኣ ኺበልዕዋ እዮም። ኣዝዩ ዚገርመኒ ሰለስተ ነገር አሎ፡ ኤረ ዘይፈልጦስ ኣርባዕተ እዩ፡ መገዲ ንስሪ ኣብ ሰማይ፡ መገዲ ተመን ኣብ ከውሒ፡ መገዲ መርከብ ኣብ ማእከል ባሕሪመገዲ ሰብኣይ ምስ ቆንጆኣመንዝራ ሰበይቲውን መገዳ ኸምኡ እዩ፡ በሊዓ ኣፋ ሕብስ ኣቢላ፡ ገለ እከይ እኳ ኣይገብርኩንትብልምድሪ ብሰለስተ ነገር ተንቀጥቅጥ፡ ኤረ ኽትጾሮ ዝይትኽእልሲ ኣርባዕተ እዩ። ባርያ እንተ ነገሰዓሻ እንጌራ እንተ ጸገበእተጸልኤት ሰበይቲ ሰብኣይ እንተ ረኸበት፡ ገረድ ከኣ ንእምበይታ እንተ ወረሰታ። ኣብ ምድሪ ኣርባዕተ ደቀቕቲ አለዉ፡ ግናኸ ኣዝዮም ጥበበኛታት እዮም። ጻጸ ሓይሊ ዜብሉ ህዝቢ እዩ፡ ግናኸ ምግቡ ብሓጋይ የዳሉጊሔታት ሓይሊ ዜብለን ህዝቢ እየን፡ ግናኸ ኣባይተን ኣብ ኣኻውሕ ይገብራኣንበጣ ንጉስ የብሉን፡ ግናኸ በገባብ ሐቡሩ ይጕዐዝጠበቕ ብኢድካ ምሓዙ ዚከኣል እዩ፡ ግናኸ ኣብ ኣደራሽ ንገስታት ይርከብ። ስለስተ ብጽቡቕ ኣኻይዳ ይስጕሙ፡ ኤረ ግሩም ገይሮም ዚራመዱስ ኣርባዕተ እዮም፡ ካብ ኵሉ እንስሳ ዚብርትዕ፡ ብገለ እኳ ድሕር ዘይብል ኣንበሳ፡ ናብ ውግእ ዚነቅል ፈረስ፡ ድቤላ፡ ቀቅድሚ ሰራዊቱ ዚኸይድ ንጉስርጕኦ እንተ ተሐቝነልኻይ የውጽእኣፍንጫ እንተ ተወቕዔደም የውጽእ፡ ከምኡ ኸኣ ኵራ ዚቕስቅስ ባእሲ የልዕል እዩ እሞ፡ ርእስኻ ልዕል ኣቢልካ ዕሽነት እንተ ገበርካ፡ ወይስ እከይ እንተ ሐሰብካ፡ ኣፍካ ብኢድካ ዕበስ።

Translation | Context