Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

lending


ምሳሌ 19:17 | 21 Helpful votes

እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሪ ኺፈድዮ እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 6:35 | 12 Helpful votes

ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:42 | 9 Helpful votes

ንዝለመነካ ሀቦካባኻ ኺልቃሕ ንዚደሊውን ኣይትኽልኣዮ

Translation | Context
ሉቃስ 6:34 | 8 Helpful votes

ኪፈድዩኹም ንትጽበይዎም እንተ ኣለቃሕኩምከ፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧ ሓጥኣን ድማ ንሓጥኣን ክንድኡ ኺፍደዩ የለቅሑ እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 112:5 | 6 Helpful votes

ዚርሕርሕን ዜለቅሕን ሰብ ብጹእ እዩ። ንሱ ንነገሩ ብፍርዲ ይፍጽሞ።

Translation | Context
ምሳሌ 22:7 | 6 Helpful votes

ንድኻ ሃብታም ይገዝኦተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 37:26 | 6 Helpful votes

ኵሉ መዓልቲ ርሕሩሕ እዩ እሞ የለቅሕዘርኡውን ብሩኽ እዩ።

Translation | Context
ዘጸአት 22:25-27 | 5 Helpful votes

ካብ ህዝበይ ምሳኻ ንዚነብር ድኻ ገንዘብ እንተ ኣለቃሕካ ከም በዓል ሓረጣ ኣይትኹኖ ሓረጣውን ኣይትጽዐኖክዳን ብጻይካ ታሕዚ እንተ ሐዝካ ጸሓይ ከይዐረበት ምለሰሉ። እቲ ስጋኡ ዚኸድነሉ ኽዳኑ፡ ንሱ ጥራይ እዩ እሞ፡ ብምንታይ ኪድቅስ፧ ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣነ መሓሪ እየ እሞ፡ እንተ ጠርዓለይ ክሰምዖ እየ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 18:13 | 4 Helpful votes

ዜኻዕብትን ዜሕርጥንሲ፣ ንሱዶ ብህይወት ኪነብር እዩ፡ ያእ፣ ንሱ ኣይኪነብርን እዩ። እዚ ዅሉ ፍንፉን ነገር እዚ ገይሩ እዩ እሞ፣ ሞት ኪመውት ደሙ ኸኣ ኣብ ርእሲ ከኸውን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 28:8 | 4 Helpful votes

እቲ ብዘይ ግባእ ረብሓን ሐረጣን ገንዘቡ ዜብዝሕ፡ ነቲ ንመሳኺን ዚርሕርሓሎም ይእክበሉ

Translation | Context
ኢሳይያስ 24:2 | 4 Helpful votes

ከምቲ ንህዝቢ ኸምኡ ንኻህን ኪበጽሖ እዩ፡ ከምቲ ንባርያ ኸምኡ ንጐይታ፡ ከምቲ ንግዝእቲ ኸምኡ ንእመቤት፡ ከምቲ ንተሻያጢ ኸምኡ ንሸያጢ፡ ከምቲ ንተለቃሒ ኸምኡ ንመለቅሒ፡ ከምቲ ንብዓል ዕዳ ኸምኡ ንመዕድዪ ኺበጽሕ እዩ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 25:35-37 | 3 Helpful votes

ሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ ኸሎ ኢዱ እንተ ሐጸሮ፡ ከም ጓናን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር። ካብኡ ሓረጣ ወይ ረብሓ ኣይትውሰድንኣምላኽካ ደኣ ፍራህሓውካ ኸኣ ምሳኻ ይንበርገንዘብካ ብሓረጣ ኣይትህቦእኽልኻ ኸኣ ብረብሓ ኣይትሀቦ።

Translation | Context
ዘጸአት 22:25 | 3 Helpful votes

ካብ ህዝበይ ምሳኻ ንዚነብር ድኻ ገንዘብ እንተ ኣለቃሕካ ከም በዓል ሓረጣ ኣይትኹኖ ሓረጣውን ኣይትጽዐኖ

Translation | Context
ዘዳግም 23:19-20 | 3 Helpful votes

ሓረጣ ገንዘብ ኰነ፡ ሓረጣ እኽሊ ዀነ፡ ብዚሕረጥ ኵሉ ነገር ንሓውካ ኣይተሕርጥ። ንጓና ደኣ ኣሕርጥእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ኣብ ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኺባርኸካስንሓውካ ኣይተሕርጥ

Translation | Context
ዘዳግም 15:8-10 | 3 Helpful votes

ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈትሉእቲ ዜድልዮ ኸኣ ኣእኪልካ ኣለቅሓዮ። ኣብ ልብኻ ሓሳብ በሊያል ከይህልወካ ተጠንቀቕእታ ሳብዐይቲ ዓመት፡ ዓመት ሕድገት፡ ቀሪባ እያ ኢልካ፡ ዓይንኻ ድማ ኣብቲ ድኻ ሓውካ ይኸፍእ እሞ ገለ ኣይትህቦን። ንሱ ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ይጠርዓልካ እሞ ሓጢኣት ይዀነካ። ፈቲኻ ሀቦ፡ ንእኡ ብምሃብካውን ልብኻ ኣይጕሄ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ተግባርካን ኢድካ ኣብ ዝዘርጋሕካሉ ዅሉን ኪባርኸካ እዩ።

Translation | Context